"ኣቦይን ኣደይን ንህይወተይ ዝመርሓሉ ሞያ ምሻጦን ስነ ጽባቐ ጸጉርን ኣውሪሶምኒ"

ኢሰያስ ተወልደ ኣብ ስራሕ

ምንጪ ስእሊ, Simon Negash

መግለጺ ስእሊ, ካብ ኤርትራ

ኣብታ ኢሰያስ ዝዓበየላ ኤርትራ ወዲ ተባዕታይ ዘበለ ኣብ ድርኩኺት ኣፍደገ ናይ እንዳ መሻጢት ደቂ ኣንስትዮ እንተ ተራእዩ 'ኣንታ ሰበይታይ' እንታይ ክትገብር ኣቡኡ ተራኢኻ ተባሂሉ ዝወርዶ ዘለፋን መግናሕትን ማእለያ የብሉን።

ነቲ ኹሉ ክበጽሖ ዝኽእል ዘለፋን ደራቲ ዝኾነ ኣረኣኣእያ ባህልን ሕብረተሰብን ጥሒሱ ግና መንእሰይ ኢሰያስ ከም ኣቡኡ ተወልደ ወይ 'ጂጂ' ሓደ ከም ሽም -ንህቢ ኮይኑ ነዚ ሞያ ስነ ጽባቐ ጸጉሪ᎓ እግሩ ኣብ ዝረገጻ ሃገር ስደት ብዘይ ወዓል ሕደር እዩ ዝቕጽሎ።

ኢሳያስ ተወልደ ኣብ ከተማ ሎንዶን -ሃገረ እንግሊዝ ኣብ ብሪክስቶን ዝበሃል ዞባ ዝነብር መንእሰይ ኮይኑ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘገልግል ናይ ስነ ጽባቐ ጸጉሪ ትካል ዝውንን በዓል ሞያ ዘመናዊውን ባህላውን ምሻጦ እዩ። ኣብ ከተማ ሎንዶን ጥራይ ዘይኾነ ኣብ ሙሉእ ዓዲ እንግሊዝ ከይተረፈ እታ ስሙ ብሰንኪ ጽሬትን ጽባቐን ስርሑን ደገ ወጺኣስ ማእለያ ዘይብለን ዓምዊል ተመሸጥቲ እየን ካብ ኩሉ ኩርነዓት ናቡኡ ዘምርሓ። መኣስ እዚ ጥራይ ሓው ኮረሪ እውን ምስኡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ገዛእ ርእሱ እንዳ መሻጢት ወኒኑ ስድራቤታዊ ሞያ እናተወራረሰ ይቕጽል ኣሎ።

'ኣብዚ እንዳ ዋልድ እንታይ ትገብር ኣሎኻ' ኢሉ ገኒሑኒ ከይዱ" ክሳብ ሕጂ እቲ ኣተሓሳስባ ከምዘይተቐየረ ርእየዮ ይብል ኢሰያስ ᎓ናይ ቀረባ ትዕዝብቱ ኣብ ኣስመራ ዘጋጠሞ ክገልጽ ከሎ። ኣብ 2015 ኣብ ኣስመራ ናብታ ነዚ ሞያ ምስታ በዓል ኣቡኡ ተወልደ ኮይና ትሰርሕ ዝነበረት እንዳ መሻጢት ማማ ህይወት ምስ ከደ ኣብቲ ዱካን ምሻጦ ምስ ጓላ ከዕልል ዝረኣዮ ሓደ ወዲ ኪሓልፍ ከሎ ዝበሎ ዘኪሩ።

ከመይ ኢሉ መሻጣይ ኮነ።

ኣቡኡ ነፍስ ሄር ኣቶ ተወልደ᎓ ኣብ ኣስመራ ማይ ተመናይ ብተወልዲኖ ወይ ጂጂ ዝፍለጡ ዝነበሩ መሻጣይ ከምዝነበሩ᎓ምስ በዓልቲ ቤቶም ኮይኖም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ኢሳእያስ ይገልጽ። ኣቶ ተወልደ ጥራይ ዘይኮነ ሓዎበታቱ'ውን ይምሽጡ ከምዝነበሩ ወሲኹ የዘንቱ ። ብንእስነቱ ኢሳይያስ ምስ ኣቡኡን ኣዲኡን ኮይኑ ኣብታ ዝሰርሑላ ዝነበሩ ትካል ስነ ጽባቐ ጸጉሪ: ቢጎዲኒ ምጽራይ ምቅብባል መሳርሒ እናሓገዘ᎓ ነቲ ኣቡኡን ኣዲኡን ዝገብርዎ እናረኣየ ከጽንዕ በብቁሩብ ከምዝጀመረ ይዝክር። ነቲ ሞያ ምስ መለኾ ግና ተመሃራይ ናይ ካልኣይ ደረጃ ከሎ ኣትሒዙ ክምሽጥ ከምዝጀመረ ይገልጽ።

ኢሰያስ ተወልደ

ምንጪ ስእሊ, Isaias Tewelde

መግለጺ ስእሊ, ኢሰያስ ብዓማዊሉ ዝነኣድ መሻጣይ'ዩ

ብድሕሪኡ ትምህርቱ ወዲኡ ናብ ሳዋ ቀዳማይ ዙርያ ድሕሪ ኣገልግሎት ምዝዛሙ᎓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ ነቲ ሞያ ከምዝቐጸሎ ይዛረብ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅዱስ ዝበሃል ናይ ስነ ጽባቐ ትካል ጸጉሪ መሺጡን ምሂሩን። ብድሕሪኡውን ኣብ ኬንያ ቀጺልዎ።

"ዓማዊለይ ኣብ ዝኸድክዎ ዓዲ እየን ዝጸንሓኒ። እዚ ድማ ነቲ ስራሕ ኣብ ዝኸድክዎ ዓዲ ክኸፍቶ ሓጊዙኒዩ" ይብል ኢሰያስ።

ኢሰያስ ወሲኹ "ኣቦይን ኣደይን እቲ ዝዓበየ ውርሻ እዮም ኣውሪሶምኒ። ነዚኣ ሞያ ስለ ዝሃቡኒ ኣብ ዝኸድክዋ ዓዲ ክሰርሓላ ክኢለ ኣሎኹ።"ነቲ ስድርቤቱ ኣብዚ ሞያዚ ንኽዓቢ ዝገብርዎ ኣስተዋጽኦ እናመስገነ።

ገነት ሃብታይ ምስ ኢሰያስ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚራ ዝሰርሐት መሻጢት እያ። 'ካብ ኢሰያስ ብዙሕ ተማሂረ ᎓ ኣዝዮ ዕቱብ በዓል ሞያ እዩ። መሃዝነቱ ብጣዕሚዩ ዘደንቐኒ' ትብል። 'ንሕና ኣዋልድ ዘይንገብሮ ንሱ ይኽእሎ። እተን ዓማዊል ካብ ምሒር ምፍታው ናቱ ስራሕን ጽፈቱን ዝተላዕለ ካብ ንዓና ንዕዑ እየን ዝመርጻ ኔረን። ኣብ ርእሲኡ ድማ ንዓማዊሉ ዘለዎ ተገዳስነት ፍሉይ እዩ" ትብል ንኢሰያስ ዘለዋ ኣድናቖት እናገለጸት።

እቲ ገነትን ኢሰያስን ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ዱካን ብስንኪ ኢሰያስ ምምጽኡ ዓማዊሉ ብ10ተታት ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ትገልጽ ገነት ወሲኻ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ᎓ ኬንያን ዓዲ እንግሊዝ ምስ ገሸ ኢሰያስ ዘይከም ናይ ኤርትራ ተመክሮ᎓ ብዙሓት ኣወዳት ሰብ ሞያ መሸጥቲ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝረኣየ'ሞ ባህልና ክሳብ ክንደይ ደቂ ተባዕትዮ ኣብቲ ሞያ ከይኣትዉ ከምዝዓንቀጾም እናሓዘነ ይዛረብ።

" ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተኹ ኣብ ሽኮ (ሕጂ ቕዱስ ስነ ጽባቐ) ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ እንዳ መሻጢት ስራሕ ጀሚረ᎓ ወዲ ኣስመራ መሻጣይ ወዲ ኣሎ ተባሂሉ ክርእያኒ ጥራይ ዝመጽኣ ማእለያ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ኔረን። ብዙሓት ድማ ብኡ ጌረን ዓማዊለይ ኮይነን ይብል ኢሰኣያስ።

ኢሰያስ ተወልደ ኣብ ስራሕ

ምንጪ ስእሊ, Simon Negash

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝነጠባ ሃገር ነቲ ክእለቱ ምንጫዊ ኣታዊ ብምግባር ርእሱ ከም ዝኽእል ይገብር

"ኣብ ጸጉሪ ዝፈትዎ ነገር እንተልዩ እቲ ስነጥበብ ምምሻጥዩ" ይብል ኢሰያስ። ኩሉ ዓይነት ዘመናዊ ምሻጦ᎓ሕብሪ ምልካይ᎓ምስትኽኻልን ምፍሻልን ጸጉሪ ከምዝፈቱ ድማ ይዛረብ።

ነዚ ሞያዚ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝጀምርዎ ሰብ ታሪኽ መታን ክዝከሩ ኢሰያስ መጽሓፍ ታሪኽ ምሻጦ ብደቂ ተባዕትዮ መዓስ ጀሚሩ በዓል መን ጀሚሮሞ ዘዘንቱ ኣብ መጻኢ መጽሓፍ ታሪኽ ክስንድ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ። ንሱ ᎓ ኣፈ ታሪኽ እናኣከበ የጽንዖ ከምዘሎ ይሕብር᎓᎓ ብዙሓት ካብቶም ሰብ ሞያ ብሂወት ከመዘየለዉ፡ ካብቶም ጠሓስቲ ናይዚ ሞያ'ዚ የማነ᎓ ኣብራ᎓ማማ ህይወት᎓ማማ ሂማን᎓ ኢድሪስ ዓብዱ..ጃኒ ዝበሃል ጥልያናዊን ካለኦትን ከምነበሩ ኢሰያስ የዘንቱ።

ምስክርነት ተመሸጥቲ ብዛዕባ ኢሰያስ᎓

ኢሰያስ ካብ ምሒር ጽባቐ ስርሑ ዝተላዕለ ስሙ በተን ዓማዊሉ ኣብ ከተማ ለንዶን ኣዝያ ውርይትያ።ብዙሓት ካብ ዓማዊሉ ክገልጸኦ እንከለዋ᎓ "መሻጢና ጥራይ ዘይኮነ ሓውናን መኻሪናን᎓ ገንዘብ ዘይስስዕ ሰብ᎓ ንዓማዊሉን ንስርሑን ዘለዎ ኣኽብሮት ድማ ፍሉይን ሰብኣውን ከምዝኾነ ይገልጻ።

እምነት ንርኣዮ᎓ሓንቲ ካብተን ዓማዊል ኢሰያስ ኮይና ንልዕሊ 8 ዓመት ዝተመሸጠት መንእሰይ እያ᎓ ፈለማ ሰብኣይ ከሎስ ከመይ ጌሩ ናይ ጋል ስራሕ ይሰርሕ ዝብል ኣረኣእያ ኔሩኒ። እቲ ጽባቐ ስርሑን ውጺኡትን ካበተን ኣዋልድ ዝገብረኦ ምሻጦ ንላዕሊ ኮይኑ ምስ ረኸብክዎ ግና ካቡኡ ኣይቀየርኩን። ጓል 12 ዓመት እንከለኹ እየ ምስ ኢሰያስን ኮሬ ሓውን ተመሺጠ᎓ እዚ ሞያ ናቶም ናይ ጓል ጥራይ ዘይኮነ ኣወዳትውን ኪገብሩዎ ከምዝኽእሉ᎓ ነውሪውን ከምዘይኮነ ኣተሓሳባና ኪንቕይር እዩ ዝግባኣና።"ትብል᎓

ወይዘሮ ኣስካሉውን ሓንቲ ካብተን ምስ ኢሰያስ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝተመሸጣ ኮይና እንታይ ከምእትፈቱ ብዛዕባ ኢሰያስ ክትገልጽ ከላ᎓ ኣተሓሕዙኡ ጽሬቱ᎓ እቲ ጾግረይ እንታይ የድልዮ ብጣዕሚ'ዩ ፍልጠት ዘለዎ። ኣዝየ'የ ዝፈትዎ ድሕሪ ምባል ንካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ኣብዚ ሞያ ክጽንበሩ ተተባብዕ።

ካብ ኤርትራ ውጽእ እንተኢልካ ርሕቕ ከይበልና ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ብኣንጻሩ እተን ኣዋልድ ዝሃድነኦም መሻጦ᎓ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ንደቂ ተባዕትዮ መሻጦ እየን ዝመርጻ።

"እቲ ዝዓበናሉ ሕብረተሰብ ነዚ ሞያ'ዚ ናይ ጓል ጥራይ ጌሩ እዩ ደሪትዎ ዘሎ ክሳብ ሕጂ።"ይብል ኢሰያስ ስለምንታይ ብዙሓት ኣወዳት ኤርትራውያን ዝምሽጡ ከምዘይተራእዩ ክገልጽ ከሎ።

"ጥቓ ጓል ቀሪብካ ጸግራ ክትምሽጣ እይኮነን ኣብ ድርኩኺት ኣፍደገ እንዳ መሻጢት ቀሪብካ እንተተራኢኻ እካ ሰበይታይ ጌሩ ዝሪኢ ሕብረተሰብ ኢና ዓቢና።" ይብል እቲ ቀንዲ ዓንቃጺ ምኽንያት ክሕብር ከሎ።

እዚ ሞያ'ዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እተው ምስ በለ ከምዝጀመረ ዝገለጸ ኢሰያስ᎓ ን 12 ዓመት ዝኣክል ዋላ እካ መንበሪ ፍቓድ እንተዘይነበሮ᎓ በቲ ዘጋጠሞ ምንጻግ ወረቐት መንበሪ ከይተሓንኮለ᎓ ኢዱን እግሩን ግና ኪሕዞ ከምዘይከኣለ᎓ነቲ እዋን እቲ ክሓልፎ ሞያኡ ዓቢ ሓገዝ ስለዝገበረሉ ይሕጎስ።

"ኣትየ ኮፍ ኣይበልኩን ይብል ንሱ። ፈለማ ኣብ ማንቸስተር እየ ተመዲበ። ካብኡ ግና ናይ መርዓታትን ካልእ ናይ ውልቅን እናተዓደምኩ ብተንቀሳቃሲ መንገዲ እንዳ መሻጢት ጌረ ስራሕ ጀሚረ᎓ ድሕሪኡ ናብ ለንደን ግዒዘ ኣብ መንበሪ ገዛ ኮይነ ዘድሊየኒ ኣቕሑት ገዜኤ ክስርሕ ጀሚረ" ኢሉ ኩነታቱ ከይሓዞ ነቲ ዘለዎ ሞያ ተጠቂሙ ህይወቱ ከምዝመርሐ ክግልጽ ከሎ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሞያ ኣወዳት ደቂ ተባዕትዮ ክገብርዎ ከምዝኽእሉ ዝመዓደ ኢሰያስ ነቶም ኣብዚ ሞያ ስነጽባቐ ጾግሪ ኪጽንበሩ ዝደልዩ ኣወዳት᎓ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ክመሃሩ እሞ ንሂወቶም ክጥቀሙ የተባብዕ።

ኢሰያስ ሰባት ብፍላይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ን2 ዓመት ተማሂሮም ወይ ሓጸርቲ ስልጠናት ወሲዶም ናብዚ ሞያ ክኣትዉ'ሞ ናብሪኦም ክመርሑ የተባብዕ።