ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝርከቡ ኣፍሪቃዉያን ብኹዕሶ እግሪ ኣቢሎም ንዓሌታዊ ኣድልዎ ይቃለሱ

ምንጪ ስእሊ, All Black FC
ኣብ ሆንግ ኮንግ፤ ደቂ ዓዲ ምስ ስደተኛታት ኩዕሶ እግሪ ክጻወቱ ምርኣይ ሳሕቲ ዘጋጥም ፍጻመ ኢዩ።
ኣብታ ሓደ ሲሶ ካብ ዜጋታታ ካብ ካልእ ዓሌት ምስ ዝኾነ ሰብ፤ ኮፍ ክብሉ፤ ጎረባብቲ ክኾኑ ኮነ ደቆም ኣብ ሓደ ክፍሊ ክመሃሩ ዘየፍቅዱ ቻይናዉያን ደቂ ሆንግ ኮንግ፤ እዚ ዘገርም ኣይኮነን።
ግና ኩዕሶ ነዚ ናይ ምስዓር ሓይሊ ዶ ክህልዎ ይኽእል?
ካብ 2016 ጀሚራ ብ"ስደተኛታት" ዝቖመት ናይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ - ኦል ብላክ ኤፍሲ- ነዚ ክልሰ ሓሳብ ኣብ ባይታ ክትፍትኖ ጸኒሓ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, All Black FC
ካብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪካ ዝመጸ መዳርድ ፐሪቫት ኮያ ፕሮፈሽናል ተጻዋቲ ዝነበረ ኮይኑ መስራቲ እታ ጋንታ ኢዩ። እታ ናይ ፈለማ ጋንትኡ ብኣፍሪቃዉያን ሓተትቲ ዑቕባ ጥራሕ ዝቖመት ክትኸዉን ከላ ድሒሩ ግን ቻይናዉያንን ካልኦት ብሄራት ተጸምበርዋ።
ንሱ "ስፖርት ከቀራርበና፤ ሓሳባትን ተሞክረሮን ክንለዋወጥን ንሓድሕና ክንተሓጋገዝን የኽእለና ኢዩ።" ይብል።
ኣብ ሆንግ ኮንግ ስደተኛታት ክሰርሑ ስለዘይፍቀደሎም፤ ስፖርት ሓደ ብዝበለጸ ግዜኻ ክተሕልፈሉን ክትረብሓሉን እትኽእል ዓዉዲ ኢዩ።

ምንጪ ስእሊ, All Black FC
ዳርየስ፤ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ቶጎ ናብ ሆንግ ኮንግ ዝመጸ ዝመጸ ስደተኛ ኮይኑ፤ ሓለቓ ናይታ ጋንታ ኢዩ። ንሱ ክሰርሕ ስለዘይፍቀዶ ኩዕሶ ትርጉም ናይ ምንባሩ ከም ዝኾነ ይነግር።
"ኣብዚ ህይወት ከቢድ ኢዩ። ሓሙሽተ፤ ሸዉዓተ ዓመታት ናይ ንእስነትካ ኣብ ትጽቢት ምስ ሓለፈ ብኹሉ ተስፋ ናብ ምቑራጽ ኢኻ ትኸይድ። ንመጻኢ እንታይ ከም ትኸዉን ክትሓስብ ትጅምር።"
"እዚ ኩሉ ዓመታት ብዘይ ስራሕን ስልጠናን ድሕሪ ምጽናሕ መን ኢዩ ክቖጽረካ? እነታይ ኢኻ'ከ ክትሰርሕ?" ይብል ዳርየስ።

ምንጪ ስእሊ, Louise Chan
ናብዛ ጋንታ ምስ ተጸምበረ ግና ተስፋ ረኺቡ።
"ሕጂ ሓቢርና ንሓደ ዕላማ እንቃለስ ጉጅለ ኣለዉኒ። ብኽእለትና ሰባት የኽብሩና ኢዮም።"
እቶም ኣዝዮም ብሉጻት ዝኾኑ ተጻወትቲ እታ ጋንታ ሕጋዊ ብዝኸነ መገዲ ናይ ስራሕ ፍቓድ ብምሕታት ምስተን ኣብኡ ዝመበቆለን ጋንታታት ክጻወቱ ክኢሎም ኢዮም።
'ገለ ሰባት ንስእሊ ክሓቱ ከለዉ ገለ ድማ ኣፍንጭኦም ይሽፍኑ'
ካብቶም ደቂ ዓድን ካልኦት ኣፍሪቃዉያን ዘይኾኑን ተጻወትቲ ናብታ ጋንታ ክጽምበሩ ምርኣዩ ኣዝዩ ከም ዘተባብኦን እዚ መርኣያ እቲ ረኺበምዎ ዘለዉ ተቐባልነት ምዃኑን መዳርድ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Biu Chun Rangers
ንወጻእተኛታት ኣትሒትካ ምርኣይ ንቡር ኣብ ዝኾነሉ ከተማ ስደተኛታት ዝካረ መንበሪ ኣባይቲ ንምርካብ'ውን ብዙሕ ኢዮም ዝጽገሙ ይብል ዳርየስ።
ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ቀዳማይ መዓልቱ፤ ሰባት ብጎኑ ክሓልፉ ከለዉ፤ ኣፍንጭኦም ብኣእዳዎም ክሽፍኑ ከም ዝረኣየ፤ ወዲ 26ዓመት ጋምብያዊ፤ ሰለሞን ንያሲ ንቢቢሲ ቻይና ኣዕሊሉ።
ንሱ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጽርጊያ ብእግሪ ኣብ ዝጓዓዘሉ፤ ቻይናዉያን ቱሪስት ከም ዝዓስልዎን ምስኡ ስእሊ ክወስዱ ከም ዝሓትቱዎን፤ እዚ ድማ ከም ዘሕፍሮ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







