ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝርከቡ ኣፍሪቃዉያን ብኹዕሶ እግሪ ኣቢሎም ንዓሌታዊ ኣድልዎ ይቃለሱ

ፀለምቲ ጥራሕ ዝሓቖፈት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 'ኦል ብላክ' ንነበርቲ ሆንግ ኮንግን ካልኦት ዓሌታትን ክትቕበል ትደሊ

ምንጪ ስእሊ, All Black FC

መግለጺ ስእሊ, ፀለምቲ ጥራሕ ዝሓቖፈት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 'ኦል ብላክ' ንነበርቲ ሆንግ ኮንግን ካልኦት ዓሌታትን ክትቕበል ትደሊ

ኣብ ሆንግ ኮንግ፤ ደቂ ዓዲ ምስ ስደተኛታት ኩዕሶ እግሪ ክጻወቱ ምርኣይ ሳሕቲ ዘጋጥም ፍጻመ ኢዩ።

ኣብታ ሓደ ሲሶ ካብ ዜጋታታ ካብ ካልእ ዓሌት ምስ ዝኾነ ሰብ፤ ኮፍ ክብሉ፤ ጎረባብቲ ክኾኑ ኮነ ደቆም ኣብ ሓደ ክፍሊ ክመሃሩ ዘየፍቅዱ ቻይናዉያን ደቂ ሆንግ ኮንግ፤ እዚ ዘገርም ኣይኮነን።

ግና ኩዕሶ ነዚ ናይ ምስዓር ሓይሊ ዶ ክህልዎ ይኽእል?

ካብ 2016 ጀሚራ ብ"ስደተኛታት" ዝቖመት ናይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ - ኦል ብላክ ኤፍሲ- ነዚ ክልሰ ሓሳብ ኣብ ባይታ ክትፍትኖ ጸኒሓ ኣላ።

ኣባላት እታ ጋንታ ኣብ ልምምድ

ምንጪ ስእሊ, All Black FC

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕቲኦም ኣባላት ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ክሰርሑ ኣይከኣሉን

ካብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪካ ዝመጸ መዳርድ ፐሪቫት ኮያ ፕሮፈሽናል ተጻዋቲ ዝነበረ ኮይኑ መስራቲ እታ ጋንታ ኢዩ። እታ ናይ ፈለማ ጋንትኡ ብኣፍሪቃዉያን ሓተትቲ ዑቕባ ጥራሕ ዝቖመት ክትኸዉን ከላ ድሒሩ ግን ቻይናዉያንን ካልኦት ብሄራት ተጸምበርዋ።

ንሱ "ስፖርት ከቀራርበና፤ ሓሳባትን ተሞክረሮን ክንለዋወጥን ንሓድሕና ክንተሓጋገዝን የኽእለና ኢዩ።" ይብል።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ስደተኛታት ክሰርሑ ስለዘይፍቀደሎም፤ ስፖርት ሓደ ብዝበለጸ ግዜኻ ክተሕልፈሉን ክትረብሓሉን እትኽእል ዓዉዲ ኢዩ።

ሓለቓ ጋንታ (ማእኸል) መስራቲ ጋንታ ሜዳርድ (የማን) ጋንትኦም ፍልፍል እቶት ኣባላታ ክትኸውን ድልየት ኣለዎም

ምንጪ ስእሊ, All Black FC

መግለጺ ስእሊ, ሓለቓ ጋንታ (ማእኸል) መስራቲ ጋንታ ሜዳርድ (የማን) ጋንትኦም ፍልፍል እቶት ኣባላታ ክትኸውን ድልየት ኣለዎም

ዳርየስ፤ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ቶጎ ናብ ሆንግ ኮንግ ዝመጸ ዝመጸ ስደተኛ ኮይኑ፤ ሓለቓ ናይታ ጋንታ ኢዩ። ንሱ ክሰርሕ ስለዘይፍቀዶ ኩዕሶ ትርጉም ናይ ምንባሩ ከም ዝኾነ ይነግር።

"ኣብዚ ህይወት ከቢድ ኢዩ። ሓሙሽተ፤ ሸዉዓተ ዓመታት ናይ ንእስነትካ ኣብ ትጽቢት ምስ ሓለፈ ብኹሉ ተስፋ ናብ ምቑራጽ ኢኻ ትኸይድ። ንመጻኢ እንታይ ከም ትኸዉን ክትሓስብ ትጅምር።"

"እዚ ኩሉ ዓመታት ብዘይ ስራሕን ስልጠናን ድሕሪ ምጽናሕ መን ኢዩ ክቖጽረካ? እነታይ ኢኻ'ከ ክትሰርሕ?" ይብል ዳርየስ።

ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሶሎሞንን ናይ ፍቕሪ መሓዝኡ ሉዊስን

ምንጪ ስእሊ, Louise Chan

መግለጺ ስእሊ, ኣባል እታ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሶሎሞንን ናይ ፍቕሪ መሓዝኡ ሉዊስን ግዳይ ዘርኣዊ ኣተሓሳስባታት ከምዝኾኑ ይዛረቡ

ናብዛ ጋንታ ምስ ተጸምበረ ግና ተስፋ ረኺቡ።

"ሕጂ ሓቢርና ንሓደ ዕላማ እንቃለስ ጉጅለ ኣለዉኒ። ብኽእለትና ሰባት የኽብሩና ኢዮም።"

እቶም ኣዝዮም ብሉጻት ዝኾኑ ተጻወትቲ እታ ጋንታ ሕጋዊ ብዝኸነ መገዲ ናይ ስራሕ ፍቓድ ብምሕታት ምስተን ኣብኡ ዝመበቆለን ጋንታታት ክጻወቱ ክኢሎም ኢዮም።

'ገለ ሰባት ንስእሊ ክሓቱ ከለዉ ገለ ድማ ኣፍንጭኦም ይሽፍኑ'

ካብቶም ደቂ ዓድን ካልኦት ኣፍሪቃዉያን ዘይኾኑን ተጻወትቲ ናብታ ጋንታ ክጽምበሩ ምርኣዩ ኣዝዩ ከም ዘተባብኦን እዚ መርኣያ እቲ ረኺበምዎ ዘለዉ ተቐባልነት ምዃኑን መዳርድ ይገልጽ።

ጋንታ 'ኦል ብልክ' ምስታ ኣብ ፕሪምየርሊግ ሆንግ ኮንግ እትፃወት ጋንታ ቢዩ ቹን ሬንጀርስ

ምንጪ ስእሊ, Biu Chun Rangers

መግለጺ ስእሊ, ጋንታ 'ኦል ብልክ' ምስታ ኣብ ፕሪምየርሊግ ሆንግ ኮንግ እትፃወት ጋንታ ቢዩ ቹን ሬንጀርስ

ንወጻእተኛታት ኣትሒትካ ምርኣይ ንቡር ኣብ ዝኾነሉ ከተማ ስደተኛታት ዝካረ መንበሪ ኣባይቲ ንምርካብ'ውን ብዙሕ ኢዮም ዝጽገሙ ይብል ዳርየስ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ቀዳማይ መዓልቱ፤ ሰባት ብጎኑ ክሓልፉ ከለዉ፤ ኣፍንጭኦም ብኣእዳዎም ክሽፍኑ ከም ዝረኣየ፤ ወዲ 26ዓመት ጋምብያዊ፤ ሰለሞን ንያሲ ንቢቢሲ ቻይና ኣዕሊሉ።

ንሱ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጽርጊያ ብእግሪ ኣብ ዝጓዓዘሉ፤ ቻይናዉያን ቱሪስት ከም ዝዓስልዎን ምስኡ ስእሊ ክወስዱ ከም ዝሓትቱዎን፤ እዚ ድማ ከም ዘሕፍሮ ገሊጹ።