ኣብ ውሽጢ ነፋሪት አመሪካ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ህንዳዊ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ

ምንጪ ስእሊ, Wayne County Sheriff's Office
ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ንሓደ ኣብ ነፋሪት ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ህንዳዊ፡ ንትሽዓተ ዓመታት ክእሰር ፈሪዱ።
እቲ ፕራቡ ራማሙርቲ ዝተብሃለ፡ ወዲ 34 ዓመት፡ ኣብ መንጎ ሰበይቱን እታ ግዳይን ተቐሚጡ ምንባሩ እታ ግዳይ ገሊጻ።
ንሳ ወሲኻ፡ ደቂሳ ምንባራን፡ ካብ ድቃሳ ኣብ ዝተበራበረትሉ፡ መላጉም ናይ ካምቻኣን ስሪኣን ተኸፊቱ፡ ኢዱ ኣብ ስሪኣ ኣእትይዎ ከም ዝረኸበቶ ሓቢራ።
ራማሙርቲ ነቲ ብይን ምስ ኣገልገለ፡ ናብ ህንዲ ክጥረዝ ምዃኑ፡ ቤትፍርዲ ፈደራል ዲትሮይት ገሊጹ።
ከሰስቲ፡ እቲ ገበነኛ ን 11 ዓመታት ክእሰር ደልዮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ዳኛ ግና ትሽዓተ ዓመታት እኹል ኢዩ ከም ዝበለ ዲትሮይት ፍሪ ፕረስ ጠቒሱ።
ራማሙርቲ እቲ ክሲ ምስ ቀረበሉ፡ ንሱ ንባዕሉ'ውን ደቂሱ ብመንባሩ፡ ነቲ ገበን ክፍጽሞ ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።
ራማሙርቲ ብኣስገዳዲ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተኸሰሰ፡ እቶም ከሰስቲ ንዋሽንግተን ፖስት ተዛሪቦም።
እታ ሰበይቲ፡ ነቲ ፍጻመ ንኣሳሰይቲ፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምዕላባ ከም ዝሓበረት ተፈሊጡ።
በዓልቲ ቤቱ ንራማሙርቲ ግና፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ሰለፍ በዓልቤታ ደቂሳ ምንባራ ትገልጽ።
ንሳ ወሲኻ፡ ነታ ሰበይቲ ናብ ካልእ ቦታ ክቕይሩሎም ንኣሳሰይቲ ሓቲቶም ምንባሮም ሓቢራ።
እቶም ኣሳሰይቲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ግና፡ እታ ግዳይ መንበር ክቕየረላ ሓቲታ ምንባራ ኢዮም ዝሕብሩ።
ንሳቶም ወሲኾም እታ ግዳይ ናባታቶም ክትመጽእ ከላ፡ መላጉም ናይ ካምቻኣን ስረኣን ተፈቲሑ ትበኪይ ምንባራን፡ ሽዑ ናብ ካልእ መንበር ከም ዝቐየርዋን ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







