ገለ ነጥብታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዉ ስደተኛታት

ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 847 ሽሕ ስደተኛታት ኣለው

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ጎንጽን ዘይምርግጋእን ካብ ዘለወን ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጹ እዮም።

እቶም ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ክህልዉ እንከለው፡ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላን ሶማሊ ኢትዮጵያን ተዓቚቦም ይርከቡ።

ካብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመላኽቶ፡ ኢትዮጵያ ዕቑባ ንዝደልዩ ስደተኛታት ማዕጾኣ ኽፉት'ዩ። ስደተኛታት ንኽትቅበል ኣህጉራዊ ስምምዕ ፈሪማ እያ።

ኣብዛ ሃገር: መብዛሕትኦም ስደተኛታት ብዘይ ዝኾነ ጸገም ዕቑባ ይረኽቡ። ጉዳይ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ዝዉሰን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተጣየሸ ኮሚቴ ኾይኑ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እቲ ጉዳይ ብተዓዛብነት ይከታተሎ ።

መብዛሕትኦም ዝተቐበለቶም ሓተትቲ ዕቁባ፡ መንግስቲ ኣብ ዝመደበሎም መዕቖቢ ክቕመጡ እንከለው፡ ውሑድ ዝቑጽሮም ኣብ ከተማ ንኽነብሩ ፍቓድ ዝረኸቡ ኣለዉ።

ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ሕክምና፡ ደሕንነትን ካልኦት ተዛመድቲ ጸገማትን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክጸንሑ ዘይኽእሉ እዮም ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝውሕዙ ጸብጻባት ይሕብረ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን 17,345 ስደተኛታት አለዉ ። እዚ "ካብ ጣብያ መዕቆቢ ወጻእ" ካብ ዝብል ፖሊሲ፡ መንግስቲ ብተወሳኺ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ከተማ ኾነ ካልኦት ከባቢታት ነብሶም ክኢሎም ክነብሩ እንተኺኢሎም ዕድል ዝኸፈተሎም እዮም።

ህፃናት: ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምክልኻልን፡ ኣገልግሎት ትምህርትን ሓለዋን ንኽረኽቡ ካልእ ትኹረት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ።

ብፍላይ: ካብ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ስድራ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ህጻናት ንመንግስቲ ኾነ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዘተሓሳስቦም ጉዳይ ከም ዝኾነ ይንገር ።

ብፍላይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘሎ ጎንጺ ኣስታት 200 ሽሕ ዝኾኑ ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፡ በዚ ከኣ ቁጽሪ ስደተኛታት በብዓመቱ ይዉስኽ ኣሎ።