ካምፓላ፡ ብሓደጋ ጭዉያን ምቕታልን ካብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ

ፕላን ኢንተርናሽናል

ምንጪ ስእሊ, Plan international

ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ቀንዲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝገጥመን ሓደጋ ምዃኑ፡ ንመሰል ህጻናትን ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ዝቃለስ ትካል ግብረሰናይ፡ ፕላን ኢንተርናሽናል ሎሚ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ፕላን ኢንተርናሽናል ኣብ 22 ከተማታት ዓለምና ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ መሰረት ብምግባር ሎሚ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ እቲ ቀዳማይ ንድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ዘስግእ ሓደጋ ምዃኑ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ 78% ናይቶም ኣብተን ከተማታት ዝነብሩ ክኢላታት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ኣስጋኢ ምዃኑ ክሕብሩ ከለዉ እቶም 77% ኣብ ቃልዕ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ከም ዘጋጥም ሓቢሮም።

ኣብቲ ብኢንተርነት ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ 400 ክኢላታት ካብ ሽዱሽቲአን ክፍለ ዓለማት'ዮም ተሳቲፎም።

እቶም ክኢላታት ካብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ መሰል ህጻናትን ዉሕስነት ኣብ ከተማታትን ዝኣመሰሉ ዓዉድታት ዝተዋጽኡ ምኻኖም እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ካብዞም ክኢላታት እቶም 60% ኣብ ከተማታቶም ዘጋጥሙ ጾታዊ መጥቃዕቲ ናብ ዝምልከቶ ኣካላት ጥርዓን ምቕራብ ዘይተለምደ ምኻኑ ይሕብሩ።

ብዙሓት ከተማታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ቀትሪ ህዝባዊ መጉዓዝያ ክጥቀማን፡ በይነን ክንቀሳቐሳን ከምዘየሰክፍ እንተኾነ ግና ምሸት ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ዳርጋ ፍርቂ ናይቶም ክኢላታት ይሰማምዑ።

ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ ርእሰ ከተማ ኮሎምብያ ቦጎታን ጆሃንስበርግን ብጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቅድሚት ክስርዓ ከለዋ፡ ስቶክሆልም ዝሓሸት ኮይና ተረኺባ።

ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ ካምፓላ ድማ ብሓደጋ ጭዉያን ምቕታልን ካብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ።

እቲ መጽናዕቲ ንስግኣታት ዉሕሰነት ደቂ ኣንስትዮ ኣተዂሩ ኣብ ዝተፈላለያ ብዙሓት ከተማታት ብምክያዱ ብኣይነቱ ናይ ፈለማ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ዳህሳስ ካብ 30 ግንቦት ክሳብ 14 ነሓሰ ዝተኻየደ ኮይኑ ኮም ረስ ብዝተባህለ ትካል ብቕዓቱ ተረጋጊጹ'ዩ።