ኤርትራ፡ ብሰንኪ እገዳ ንዝስዓበ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ካሕሳ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, united nations
ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መበል 73 ስሩዕ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቀዳም ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እገዳ ዝስዓበ ቁጠባዊ ሃሰያ ካሓሳ ሓቲቱሉ።
እቲ ኣብ 2009 ብባይቶ ጸጥታ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነብረ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ፡ ንልዕሊ 9 ዓመታት ብምፅንዑ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ቁጠባዊ ሃሰያ ከምዘስዓበ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳኣት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ገሊጹ።
"ህዝቢ ኤርትራ ንምልዓል እቲ ማዕቀብ ጥራይ ዘይኮነ፡ብሰንኪ እዚ እገዳ ዝሰዓበ ዕንወትን ዝተኸሰረ ዕድላትን ካሕሳ እዩ ዝሓትት ዘሎ" ዝበለ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ እቲ ካሕሳ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፈሊሙ ዘሎ ናይ ሰላም ጉዕዞ ናብ ዝድለ ክልታዊ ረብሓታት ክውዕል ምዃኑ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ እገዳ፡ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ከይልዓል ይሰርሓ ምህላወን'ውን ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ እቲ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጺሙ እንከሎ እቲ ማዕቀብ ክቕጽለሉ ዝተደልየ ምኽንያት ከምዝገረሞ ብምግላጽ፡ እቲ ማዕቀብ ተላዒሉ ህዝቢ ኤርትራ ንኽከሓስ ጸዊዑ።
ኣብ 2009፡ መርማሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ይድግፍ እዩ ዝብል ሰፊሕ ጸብጸብ ድሕሪ ምቕራቡ ኢዩ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ዘንበረ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







