ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ሰማዒ ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ተሓከምቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንክሕከሙ ናብ ሃገረ ህንዲ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ'ዚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝፈጠሮ እገዳ በረራን ምንቅስቓስን 'ህይወትና ንሓደጋ ተቓሊዑ' ይብሉ። እታ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣፍሪቃውያን ተሓከምቲ እተእንግድ ህንዲ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ ንልዕሊ 1 ነጥቢ ሰለስተ ቢልዮን ህዝባ ካብ ገዛ ከይወፅእን ከይንቀሳቐስን ኣጊዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ዕፅዋ ክሳብ ሰለስተ ጉንቦት ኣናዊሓቶ ኣላ።
ብሰንኪ'ዚ እቶም ካብ ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ተሓከምቲ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዘጋጠሞምን፡ እቲ ዘለውሉ ኩነታት ኣብ ህንዲ ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ቤት ፅሕፈት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣፍሊጥና ክነስና ገና መልሲ ኣይረኸብናን ክብሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
"ኣብ ኢደይ ዝነበረኒ ገንዘብ ወዲአ"
ዘውዲቱ ንጉሴ 'ቦንማሮው ትራንስፕላንት' ዝበሃል ሕክምና ንምግባር እያ፡ ንክልተ ሰሙን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኒውደልሂ ከይዳ። ዘውዲቱ፡ ዋላ እኳ ኣብጺሑ ዘምልስ ናይ ነፋሪት ትኬት ቆሪፃ እንተነበረት፡ ኣብ ህንዲ ምንቅስቓስ ስለዝተኸልከለ ተወሳኺ ናይ ሆቴል ገንዘብ እናኸፈለት ክትፀንሕ እያ ተገዲዳ ኣላ።
ብዙሓት ዝሕግዞም ሰብ ዘይብሎም ሕሙማት ምግቢ ኣብሲሎም ክበልዕሉ ኣብ ዘይክእሉ ኩነታት ንክቡራት ሆቴላት እናኸፈሉ ይነብሩ ከምዘለው ትዛረብ።
"እቶም ሆቴላት መስርሒ ምግቢ ኣቑሑ ስለዘይህብዎም፡ ንምግቢ እኳ ተፀጊሞም እዮም ዘለዉ። ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት እውን ሓበሬታ ክረኽቡ ዘይኽእሉ ሕሙማት እዮም ዘለዉ" ትብል ዘውዲቱ።
ወይዘሪት ዘውዲቱ ናብ ህንዲ ወጻኢታት ሕክምናን ሆቴልን ንምንካይ ንክልተ ሰሙን ዝኸውን ምግቢ ሒዛ እያ መፅያ። ሕዚ ግን እቲ ዝነበራ ምግብን ገንዘብን ወዲኣ እያ። ምስ ጸገማ ከኣ ካብቶም ናብታ ሃገር ብትምህርቲ ዝመጽኡ ኢትዮጵያውያን ሓገዝ ክትቕበል ተገዲዳ እያ።
"ዝተወሰነ ገንዘብ ጥራሕ እየ ሒዘ መጺአ። እዚ ኣዋጅ ምስተኣወጀ፡ ንመዓልቲ 1000 ሩፒ [13 ዶላር] ንሆቴል እናኸፈልኩ፡ ልዕሊ እቲ ዝሓሰብክዎ እዋን ክፀንሕ ተገዲደ። ሕዚ ኣብ ኢደይ ዝነበረ ገንዘብ ኩሉ ወዲአ" ትብል።
ብዝተፈላለዩ ፀገማት ጥዕና፡ ካብ ሓንቲ ስድራ ሰለስተ ርእሶም ዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን እውን ኣለዉ።
ጌታቸው ሹሜ፡ ሓፍቱን ኣቡኡን ንከሕክም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ንህንዲ ከይዱ። ሕዚ ኩሉ ነገር ዕፅዋ ምስ ኮነ ግና፡ ንሳልሳይ ርእሱ መዓልታዊ ወፃእታት ክሽፍን ኮነ ፀገም ጥዕና ንዘለዎም ስድርኡ ዘድሊ ምግቢ ከቕርብ ከምዝኸብዶ ገሊፁልና።
"እቲ ዝነበረኒ ሕማም ምሐሸኒ"
እቲ ዕፅዋ ምስተናውሐ እቲ ቀልጢፍና ናብ ሃገርና ክንምለስ ኢና ዝብል ተስፋ ብዙሓት ኣፀልሚትዎ። እቶም ሕሙማት ናይ ጥዕና ፀገም ስለ ዘለዎም ብኮሮናቫይረስ ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ልዑል ብምዃኑ ኣሻቒሉዎም ኣሎ።
"እቲ ዝዓረፍናሉ ሆቴል ክንድቲ ዝግደሱልና ኣይኮኑን፤ እቲ ኣብዚ ዘሎ ሕብረተሰብ እውን ብጣዕሚ ስለዘይጥንቀቕ፡ ኣብዚ ዘሎ ነገር ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ። ንሕና ድማ ምስቲ ዘለና ሕማም ብብዙሕ መገድታት ንኮሮናቫይረስ ክንቃላዕ ንኽእል ኢና።
ካብ ሆስፒታል መኪና እንተዘይተላኢኹልና፡ ናብ ሕክምና ክንኸይድ ኣይንኽእልን፤ እቲ ዝነበረ ናይ 21 መዓልታት እገዳ ብ14 ሚያዝያ ምስተወደአ ናብ ዓድና ክንምለስ ኢና፡ ብዝብል ተስፋ ምስዞም ኣብዚ ዘለው አሕዋት ተደጋጊፍና ንነብር ነይርና። ሕዚ ግና ኩሉ ነገር ዓብይ ነጠባ ኮይኑና ኣሎ" ብምባል ተስፋ ኣብ ምቑራፅ ከምዝበጽሐት ትዛረብ ዘውዲቱ።
ስድራ ጌታቸው ሹሜ፡ ሕክምነኦም እኳ እንተወድኡ፡ ተኸታቲሎም ዝወስድዎ መድሓኒት ግና ኣለዎም።
"እኹልን ኣድላይን ምግቢ ክንረክብ ከቢድ ፈተና ኮይኑኒ፤ እቲ ዕጽዋ ተናዊሑሉ ዘሎ ግዜ ክሓስብ እንከለኹ ከኣ ይኸብደኒ" ይብል ኣይተ ጌታቸው።
"ሓፍተይ ብጣዕሚ ብዙሕ መድሓኒት እያ ትወስድ። ነዚ መድሓኒት ንምውሳድ ድማ፡ እኹል ምግቢ ክትወስድ ኣለዋ። ኣብዚ ዓዲ ዘለዉ ምግብታት ድማ ብዙሕ ዝሰማምዑ ኣይኮኑን። መድሓኒት ወሲድካ ዘይምብላዕ ድማ ከቢድ እዩ" ይብል።
ሓደ ሓደ ምርመራ ንክገብሩ ዝተኣዘዘሎም ተሓከምቲ፡ ዘለዎም ናይ ጥዕና ፀገም በቲ ለበዳ ንክልከፉ ልዑል ዕድል ስለዝህሉ፡ ምምርማር ገዲፎም ኣብ ዝተኻረይዎ ሆቴል ከምዝውዕሉ ዘውዲቱ ገሊፃትልና። እዚ ናይ ካልኦት ተሓከምቲ ስምዒት፡ ኣብ ባዕላ፡ ኣብ ዘውዲቱ እውን ኣሎ።
"ኩሉ ነገር ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ፤ መልሲ ዝህብ ኣካል የለን። እቲ ዝነበረኒ ሕማም ምሐሸኒ። ናብ ሃገረይ ዝምለሰላ መዓልቲ እየ ዝናፍቕ፤ ስድራይ ብጣዕሚ እዮም ተጨኒቖም፤ ለይትን ቀትርን እዮም ዝበኸዩ። እዚ ድማ ንዓይ ሰላም ኣይሃበንን። ካብዚ ኩሉ ዘይምሕካም ምሐሸኒ" ብምባል ጸገማ ንኽንገረላ ተማሕፂና።
ካልእ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ተሓካሚ ድማ ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘለዎን "ዕሹጋት ምግብታት ንምግዛእ እናፈራሕና ኢና ንወፅእ፤ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይኸብደና ኣሎ" ብምባል መዓልታዊ ገዛ ክራይ ይፅብፅቡ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ካብዚ ንደሓር ሞት እዩ ዝመፅእ"
እዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሕክምና ክከታተሉ ዝፀንሑ ኢትዮጵያውያን፡ ብዛዕባ እቲ ዘለውሉ ኩነታት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ኒውደልሂ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከምዘፍለጡ እዮም ዝዛረቡ። "ተረጋጊእኩም ተፀበዩ" ዝብል መልሲ ጥራሕ ከምዝተዋህቦም ይዛረቡ።
እዞም ኣብዚ ዘሎና ሰባት ንሕክምና ኢና መጸኢና፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዕለት ከኣ ናብራን ወጻእን ይኸብደና ኣሎ ዝበለት ወይዘሮ ዘውዲቱ፡ "እንታይ ሒዝና ኢና ክንረጋጋእ። ካብዚ ንደሓር ሞት እዩ ዝመፅእ" ትብል።
እቶም ተሓከምቲ፡ ክሳብ መዓዝ ኢና ኣብዚ ክንፀንሕ? መን'ከ እዩ ዝሕግዘና? መዓስ'ከ እዮም ዝሕግዙና? ብህይወት ክንፀንሕ ዲና? ዝብል ሕቶታት እዮም ዘልዕሉ።
"ብፍላይ ኣብ ኣፖሎን ማክስን ዝበሃሉ ሆስፒታላት፡ ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሆስፒታል ኣዲስ ኣበባ ዘለና ክሳብ ዝመስል፡" ዝሕከሙ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሕሙማት ኣለዉ ይብሉ።
"ካብ ኢትዮጵያ ናብ ህንዲ ብዙሓት ሰባት ንሕክምና ከምዝመፅኡ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ዜጋ እዚ ኣብ ግምት ዘእትው ኣካል ከመይ ኢሉ ይጠፍእ? ካብዚ ኩሉ፡ እንተዘይተዘይሕከም ምሐሸኒ ትብል ዘውዲቱ።
ከም ሓበሬታ መራኸብቲ ሓፋሽ ህንዲ፡ እታ ሃገር ዕጽዋ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን፡ ብ56 በረራታት፡ ኣስታት 10,600 ወፃእተኛታት ድማ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም።
ሃገራት ጃፓን፣ ኖርወይ፣ ጀርመን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ፖላንድ፣ ሩስያ፣ ፈረንሳይን ካልኦት ሃገራትን ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ዕፅዋ ተዓጊቶም ዝነበሩ ዜጋታተን ካብ ህንዲ ኣውጺአን።
"ካልኦት ሃገራት ዜጋታተን ክወስዳ ንርእይ ኣለና፤ ናትና መንግስቲ ንዓና ንዜጋታቱ ክሓስብ ይግባእ፡ ካብዚ ዘለናዮ መፃብብ ኣውፂኡ፡ ናብ ሃገርና ክወስደና ኢና ንደሊ" ይብል ጌታቸው ሹሜ፡ ንፅባሕ ኮን'ደ ኾን መፍትሒ ይመፅእ ብምባል።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብቲ ኤምባሲ ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ደዊልና፡ እቲ ኤምባሲ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ምንቅስቓስ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ፡ ዕፁው ከምዝኾነ፡ ንጻውዒትና ዘልዓሉ ህንዳውያን ሓቢሮሙና። ኣብቲ ኤምባሲ ዝሰርሑ ሓደ ሓደ ኢትዮጵያውያን ግን፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ገያሾ ንምጉዕዓዝ ዝተውሃበና ፍቓድ የለን" መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ
እዞም ሓዲግ ዝተረፉ ናብ ህንዲ መኸድን መምለስን ቲኬት ዝገዝኡ ኢትዮጵያውያን፡ እቲ ዝርከብሉ ኩነታት ኣሰካፊ ምዃኑ ብምሕባር ፡ ኣብ ኒውደልሂ ንዝርከብ ጨንፈር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ፍታሕ ክገብረሎም ከምዝሓተቱን ግን ዘዕግብ ምላሽ ከምዘይረኸቡን ይሕብሩ።
ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ህንዲ ኣይተ ክሩቤል ሽታሁን፡ ነቲ ጉዳይ ከምዝፈልጥዎ ብምሕባር፡ እንተኾነ እቲ መገዲ ኣየር፡ ገያሾ ንምጉዕዓዝ ፍቓድ ከምዘይተዋህቦ ገሊፁ።
"ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካብ መንግስቲ ህንዲ፡ ገያሾ ንምጓዓዝ ዝተውሃበና ፍቓድ ስለዘየለ፡ ምንም ክንገብር ኣይከኣልናን።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንግዳዊ በረራታት ኩሎም ተኣጊዶም እዮም። ሓደ ሓደ ሃገራት ግና፡ 'ብቻርተር ኣውሮፕላን' ዜጋታተን የውፅኣ ከምዘለዋ ንፈልጥ ኢና ብምባል ንሶም ግን ከምኡ ክገብሩ ፍቓድ ከምዘይተዋህቦም ይሕብር።
ብዛዕባ እቶም ካብ ህንዲ ክወፅኡ ዘይከኣሉ ኢትዮጵያውያንን፡ ንኽወጽኡ ዝሓተቱን ንኤምባሲ ኢትዮጵያ ከምዘፍለጡ ዝሓበረ ኣይተ ኪሩቤል፡ ነቲ ፍሉይ በረራታት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መንግስታት ከምዘተሓባብረኦ ገሊፁ።
ኩሩቤል፡ ንፍሉያት በረራታ ዝምልከት ጉዳይ ናይ ዜጋታትን መንግስትን እምበር ናይ መገዲ ኣየር ዛዕባ ከምዘይኮነ ብምሕባር ግበሩ እንተተባሂሎም ፍሉይ በረራ ንከተኣናግዱ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ዝተዓግቱ ዘይከኣሉ ዜጋታት ኣሜሪካ፡ ናብ ሃገሮም የጓዓዕዝ ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ።
ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ፡ "መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወፃኢ ንዝተዓገቱ ኣሜሪካውያን፡ ንክምለሱ ኣገልግሎት በረራ ምሃቡ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣመስጊኑ" እዩ።
እዚ ጉዳይ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







