ኮሮናቫይረስ፡ ንልዕሊ 50 ዝዕድመኦም ሰብኡት ክንደየናይ ኣስጋኢ እዩ?

ኮሮናቫይረ፡ ንልዕሊ 50 ዓመት ሰብኡት ክንደየናይ ኣስጋኢ እዩ?

መብዛሕተኦም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ምልክታት ካብ ዝረኣዮም ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ብዘይ ሓገዝ ሕክምና ይሓውዩ እዮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ሓደ ሓደ ሰባት ግን ሕክምናዊ ሓገዝ የድልዩም ኣሎ።

ወዲ 55 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ሕማም ምስ በርተዖ፡ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ቅዱስ ቶማስ ጽኑዕ ምክትታል ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ።

ንሱ፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘስዓቦ ሕጽረት ምስትንፋስ ስለዝተሸገረ፡ ብሓገዝ ቨንትለተር ኣክስጅን ይወሃቦ ኣሎ።

ኣየኖት ሰባት እዮም ነዚ ቫይረስ ዝተቓልዑ?

------------------------------------

ኩነታት ጥዕንኦም ብዘየገድስ ልዕሊ 70 ዝዕድመኦምን፡ ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ግን ከኣ ከም ሕማም ልቢ ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባትን በቲ ሕማም ብዝያዳ ይህሰዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኮሮናቫይረስ እንተሒዙዎም ናይ ግድን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዘድልዮም ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ኣለዉ፡፡

እቲ ቁጽሪ ነቶም መድሃኒት ሕማም መንሽሮ (ኬሞ-ቴራፒ) ዝወስዱ ዝነበሩ ሰባት ዝሓውስ ኮይኑ፡ እቶም ሰባት ኣኣብ ቤቶም ነብሶም ኣግሊሎም ክነብሩ ይምከሩ ኣለው።

ኮሮናቫይረስ፡ ብዝያዳ ንክሊ ዕደመ ሓምሳታትን ስሳታትን የጥቅዕ'ኳ እንተሎ፡ እቶም ቀንዲ ግዳያት ግን ንሳቶም እዮም ኢልካ ክድምደም ኣይከኣልን እዩ፡፡

ንምንታይ ዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡት በቲ ቫይረስ ይጥቅዑ?

-----------------------------------------

ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ተመራመርቲ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ የብሎምን።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብጽኑዕ ንዝሓመሙ (ኢንተንሲቭ ኬር) ኣገልግሎት ካብ ዝህባ ሆስፒታላት ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እቶም ብጽኑዕ ዝሓሙ ዘለው ተሓከምቲ ኣብ ዕድመ 60ታት እዮም።

ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ ንተወሳኺ ሓደጋ ከቃልዕዎም ዝኽእል ከም ሕማም ከስዐን ልብን ዝኣመሰሉ ተወሰኽቲ ሕማማት ዘለዎም እዮም፡፡

ኣብ ክልቲኡ ጾታ፡ መጠን ሞት ምስ ዕድመ እናወሰኸ ዝኸይድ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ደረጃ ዕድመ ግን ሞት ደቂ ተባዕትዮ ካብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዝበዝሐ እዩ።

ተሞክሮ ቻይና 'ውን ዝያዳ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ደቂ ተባዕትዮ ከምዝኾኑ እዩ ዘርኢ፡፡ ምኽንያት ናይ'ቲ ሞት ከኣ ምናልባት ሕሉፍ ምትካኽ ሽጋራን ጎዳእቲ ልምድታትን ክኸውን ከምዝኽእል ተመራመርቲ የጠንቅቑ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ዝምህር ፕሮፌሰር ኢያን ሃል ግን እዚ ዝተጠቐሰ ምኽንያት ምሉእ ብሙሉእ ክኣምኖ ከምዝጽገም ይገልጽ፡፡

ካልኦት ዘይተፈለጡ ምኽንያታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ እውን ይሕብር።

ደቂ ተባዕትዮ፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለጸ ብሕማማት ልቢ፥ ሽኮርን ሳምቡእን ይጥቅዑ። ሰረት ዘርእን ጾታዊ ሆርሞንን እውን ተወሰኽቲ ምኽንያታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ'ውን ገለ ምሁራት ይገልጹ፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ዝበለጸ፡ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ አለወን'ዶ?

----------------------------------

ኣብ ክልቲኦም ጾታታት ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝተፈላለየ ከምዝኾነ እናተፈለጠ ይመጽእ ከምዘሎ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ፊሊፕ ጎልደር፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ረኽሲታትን ክታበታትን፡ ሕማም ናይ ምክልኻል ግብረ መልሲ ብዝያዳ ውጽኢታዊ ከምዝኾና ይገልጽ፡፡

እዚ ድማ ብምኽንያት ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ጽምዲ 'X-ክሮሞዞም' ምስ ሓደ Xን ሓደ Yን ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ዝሓሸ ብምዃኑ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ፡፡

ጽቡቕ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ዘለዎም ሰረታት ዘርኢ (ጂንስ) ኣብ X-ክሮሞዞም ከምዝርከቡ 'ውን ፐሮፌሰር ፊሊፕ ይገልጽ፡፡

ነብስና ብኸመይ ክንከላኸል ንኽእል?

------------------------------

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምስራሕ ጥዕናኻ ምሕላውን ዝተመጣጠነ ምግቢ ብምምጋብን ንነብስና ክንከላኽል ንኽእል።

ሽጋራ ተትክኽ እንተኾንካ ድማ፡ እዚ እዋን ሽጋራ ንምግዳፍ ዝሓሸ እዋን እዩ።

ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብዝበዘሐ ሽጋራ ናይ ምትካኽ፥ ብዙሕ ጨው ናይ ምጥቃም፥ ዝተዓሸገን ስጋ ናይ ምምጋብ፥ ብዙሕ ኣልኮል ናይ ምስታይን ውሑድ ኣሕምልትን ፍረታትን ናይ ምምጋብ ልምዲ ኣለዎም።

ዓይነት መሸፈኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምልክታት ኮሮናቫይረስ እንተተራእዩኒ'ኸ?

----------------------------------------------

ምልክታት ኮሮናቫይረስ

ዘይልሙድን ቀጻሊ ሰዓልን ረስንን እንተኣጓኒፉካ፡ ካብ ሰባት ተገሊልካ ኣብ ገዛኻ ንሸውዓተ መዓልታት ክትጸንሕ ይግባእ፡፡

ንስኻ ወይ ካሊእ ኣባል ስድራኻ ካልእ ምልክታት እቲ ቫይረስ እንተኣማዕቢሎም፡ ነቶም ምልክታት ንምጽናዕ መላእ ቤተሰብ ንክልተ ሰሙን ክውሸብ ይግባእ።

እቶም ምልክታት ክሓውዩ እንተዘይክኢሎምከ?

ሰባት ናብ ሆስሊታል ምኻድ ዘድልዮም፡ ናይ ምትንፋስ ጸገም እንተኣጋጢምዎም እዩ።

ናይ ምትንፋስን ምዝራብን ጸገም እንተጓኒፉካ ህጹጽ ሕክምና ምርካብ የደሊ።

ኮሮና