ድሕሪ ዳግማዊት ኣርተሚስ ዝካየዱ 6 ዘደንጽዉ ተልእኾታት ህዋ

ምንጪ ስእሊ, ESA/ATG medialab/NASA/JPL
ጠፈርተኛታት ዳግማዊት ኣርተሚስ፡ ኣብ ወርሒ ዝዳህሰሱዎ ሓያሎ ኣሳእልን ዛንታታትን ሒዞም ብሰላም ናብ ምድሪ ምምላሶም ኣብ ታሪኽ ህዋ ሓድሽ ምዕራፍ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እቶም ጠፈርተኛታት ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት፡ ድሕሪ ኣብ 1972 ዝተገብረ ጕዕዞ ኣፖሎ 17 ንፈለማ እዋን እዮም ናብ ወርሒ ተጓዒዞም።
ዳግማዊት ኣርተሚስ ዋላ'ኳ ኣብ ወርሒ እንተዘይዓለበት፡ ካብ መሬት ዝርሓቐ ብምጕዓዝ፡ ነቲ ብኣፖሎ-13 ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረወሰን ብ400,000 ኪሎሜተር ብምስባር ታሪኽ ሰሪሓ።
እዚ ዓወት እዚ ድማ ንሳልሳዊት ኣርተሚስ መንገዲ ጸሪጉ ኣሎ፤ ሳልሳዊት ኣርተሚስ ኣብ ወርሒ ክትዓልብን ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ኣብ ወርሒ ክትረግጽን መደብ ተታሒዙላ እዩ።
እንተዀነ ግን ሳልሳዊት ኣርተሚስ ክሳዕ 2027 ኣይክትውንጨፍን።
ዜና ዳህሳስ ህዋ ንምስማዕ ግን ክሳዕ ሽዑ ክንጽበ ኣይንግደድን።
ክሳዕ ሽዑ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ትጽቢት ዝግበረሎም ናብ ማርስ ዝግበር ድፍረት ዝተመልኦ ጕዕዞ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ተልእኾታት ኣለዉ።
ድሕሪ ዳግማዊት ኣርተሚስ፡ ኣብ 2026 ክውንጨፉ መደብ ዝተታሕዘሎም 6 ኣዝዮም መሳጥቲ ተልእኾታት እነሆ።
ቻንግ'አ 7
ኣብ 2026 ናብ ወርሒ እትውንጨፍ ተልእኾ፡ ዳግማዊት ኣርተሚስ ጥራይ ኣይኰነትን።
ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ፡ ሃገራዊ ምምሕዳር ህዋ ቻይና ቻንግ'አ 7 ብዝብል እትጽዋዕ ተልእኾ ናብ ግዳማዊ ወርሒ ከወንጭፍ ትጽቢት ይግበር።
ቻንግ'አ 7 ናብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ክተቕንዕ እያ።
ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቀዋሚ ጽላሎት ዘለዎም ኵርናዓት ዓሞቕቲ ሃጓፋትን ምልክታት በረድ ማይን ምርካቦም ስዒቡ ብዙሕ ተገዳስነት ረኺቡ ኣሎ።
እዚ በረድ ንቢልዮናት ዓመታት ከይተተንከፈ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ስርዓተ ጸሓይ ብኣጋኡ እንታይ ይመስል ነይሩ ንዝብሉ ቀንዲ ሕቶታት መልሲ ክህብ ተኽእሎ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ንመጻኢ ዳህሰስቲ ወርሒ ከገልግል ዝኽእል ጸጋ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, CNSA/CNS/Getty
እቲ መደብ፡ ቻንግ'አ 7 ኣብ ወሰን እቲ ኣብ ጎኒ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ዝርከብ ሃጓፍ ሻክለተን (ሻክለተን ክሬተር) ክትዓልብ እዩ።
ኣብኡ ድማ ምልክታት ማይ እትእልሽ ብጸሓያዊ ጸዓት እትሰርሕ ንእሽቶ ተሽከርካሪት ሮቨርኣ ከተዋፍር እያ።
እቲ ኣዝዩ ድፍረት ዝመልኦ ኣካል ናይቲ ተልእኾ ግን፡ እታ ንእሽቶ መርማሪ ነፋሪት እያ። እዚ ነፋሪት ናብ ጽላሎት እቲ ሃጓፍ ሓጸርቲ በረራታት ብምግባር ሞለኪዩላዊ ተንታኒ ተጠቒማ ኣብቲ ከባቢ ማይ ክትእልሽ እያ።
ከምዚ ዓይነት ነፋሪት ጠፈር፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ክትነፍር ፈተነ ኣይተገብረን። ናሳ ኣብ 2024 ኣብ ማርስ ኢንጀንዊቲ እትበሃል መርማሪ ነፋሪት ተጠቒሙ ነይሩ፡ ናይ ቻይና ግን ኣብ ክንዲ ሮተር (ላዕለዋይ ጃርጃር ናይ ሀሊኮፕተር) ንኣሽቱ ሮኬት እያ ክትጥቀም።
እቲ ተልእኾ እንተዓዊቱ ድማ፡ ኣብ ጽላሎታት ወርሒ እንታይ ዓይነት ጸጋታት ከምዘሎ ፍንጪ ክህብ ይኽእል።
ቴለስኮፕ ሮማን ናንሲ ግሬስ
ኣብዚ ዓመት ካልእ ዓቢ መዐዘቢ ህዋ ምስ ሃብልን ጄደብሊዩኤስቲን ሕብረት ክፈጥር እዩ። ናይ ናሳ ቴለስኮፕ ሮማን ናንሲ ግሬስ፡ ድሕሪ መስከረም ክትውንጨፍ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።
ብብዙሕ መዳይ እዛ ቴለስኮፕ ምስ ሃብል ኣዝያ ትመሳሰል እያ። ክልቲአን ሓደ ዓይነት ስፍሓት ዘለዎ (2.4 ሜትር) መስትያትን ከምኡ'ውን ሓደ ዓይነት ርዝነትን ዓቐንን ኣለወን።
ንናንሲ ግሬስ ፍሉይ ዝገብራ ግን ኣብ ህዋ ክሳብ 100 ዕጽፊ ክትዕዘብ ምኽኣላ እዩ። እዚ ድማ ካሜራታታ ሰፊሕ ከባቢ ሰማይ ብዘደንቕ ፍጥነት ክሽፍን የኽእላ።

ምንጪ ስእሊ, L. Hustack (STSci)
መብዛሕትኡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዝወስድ ተልእኾኣ፡ ንሰለስተ ዳህሳስ ህዋ ዝተወፈየ እዩ ክኸውን።
እቲ ቀዳማይ ዳህሳስ ናብ ማእከል 'ሚልኪ ዌይ' ገጹ ዝዕዘብ እዩ፤ ከዋኽብቲ፡ 'ብላክ ሆልስ" ከምኡ'ውን ኣብ ርሑቕ ዝርከባ ፕላኔታትን ዝእልሽ መደብ ክኸውን እዩ።
እቶም ካልኦት ክልተ ዳህሳታት ድማ ኣብቲ ሰፊሕ ትዕዝብቲ ከካይዳ እየን። እዚ 12 ሚእታዊት ካብ ምሉእ ሰማይ ንምሽፋን ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብኸመይ ከም ዝተዘርግሐን ብኸመይ ይሰፍሕ ከም ዘሎን ኣብ ምምርማር ንጥፈት ክካየድ እዩ።
እቲ ናይ መወዳእታ ዳህሳስ ድማ ኣብ ኣዝዩ ዝነኣሰ ከባቢ ዘተኮረ ክኸውን'ዩ፤ እዚ ከም ሱፐርኖቫ ወይ ከዋኽብቲ ብ'ብላክ ሆልስ' ዝወሓጣ ከዋኽብቲ ከቃልዕ ትጽቢት ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, NASA
ፕሌቶ
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኪኖ ስርዓተ ጸሓይና ልዕሊ 6,000 ፕላኔታት ከም ዝተረኽባ ኣረጋጊጾም እዮም።
ኣብ መንጎ'ተን ኩለን እተን ርኽበታት ግን ንመሬት እትመስል ፕላኔት ኣይተረኽበትን። ምኽንያቱ እዚ ንምርካብ ዘኽእል ትዕዝብቲ ኣይነበረን።
ኣብ መወዳእታ 2026 ክትውንጨፍ መደብ ዝተተሓዘላ ናይ ኤውሮጳዊ ትካል ህዋ ፕሌቶ ግን ነዚ ክትቅይሮ ትጽቢት ይግበር።
ፕሌቶ ብሓባር ዝነጥፉ 26 ካሜራታት ብምጥቃም፡ ፕላኔት ብቕድሚት ክትሓልፍ ከላ ኣብ ዝፍጠር ድምቀት ኮኾብ ንዝፍጠር ደቀቕቲ ሃጓፋት ክትእልሽ እያ።
ኣብ ምድርና ማይ ንህይወት ወሳኒ ነገር እዩ። ኣብ ዝኾነ ካብዘን ዓለማት ባዕዳዊ ህይወት ከምዘሎ ርጉጽ'ኳ እንተዘኰነ፡ ፕሌቶ ግን ካበይ ምእላሽ ክንጅምር ከምዘለና ጽቡቕ ኣንፈት ክትህብ እያ።

ምንጪ ስእሊ, ESA
ዳህሳስ ኣዋርሕ ማርስ
ኣብ ሕዳር 2026፡ ኤጀንሲ ዳህሳስ ህዋ ጃፓን ዝዀነ ጃክሳ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ሰብ ዘይፈተኖ ነገር ንምዕዋት ዝዓለመ ተልእኾ ክጅምር'ዩ።
እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ካብ ወርሕታት ማርስ ምዕላብ እዩ ክኸውን። እቲ ተልእኾ ንፈለማ እዋን ካብ ማርስ ቁንጣሮ ቅምሶ ሒዙ ክምለስ እዩ ትጽቢት ዝግበር።
ማርስ፡ ፎቦስን ደይሞስን ብዝብል ዝጽዋዓ ክልተ ደቀቕቲ ኣዋርሕ ኣለዋ። ተመራመርቲ ፕላኔታት ግን ኣመጻጽኣ እዘን ኣዋርሕ ብዝምልከት ርግጸኛታት ኣይኰኮኑን።
ብስሕበት ማርስ ዝጸግዓ ኣስተሮይድ ድየን? ወይስ ኣብ እዋን ዓቢ ጽልዋ ሚቲዮር ካብ ማርስ ዝተገንጸላ እየን? ተልእኾ ዳህሳስ ኣዋርሕ ማርስ፡ ነዚ ሕቶ ምላሽ ከም ዝህብ ተስፋ ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, JAXA/NASA
ሄራ
ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት፡ ሓደ ዓቢ ኣስተሮይድ ንመሬት ብምውቃዕ፡ ኣብዛ ፕላኔት ዝርከብ መብዛሕትኡ ህይወት ደምሲሱ።
እዚ ፍጻመ ዳግማይ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ግን ሕጂ ዓለምና ሕጂ መደባት ህዋ ኣለዋ። ቅድሚ ህይወት ምጽናቱ ድማ መንገዲ ቀታሊ ኣስተሮይድ ናይ ምዝንባል ዓቕሚ ኣጥርያ'ያ።
ኣብ 2022፡ ናሳ፡ ተልእኾ ዳርት ምስ ኣስተሮይድ ዳይሞርፎስ ምስ ተጋጨወት፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝዓበየ መሻርኽታ ኣስተሮይድ ዲዲሞስ ዝነበረ ዑደት ብ32 ደቓይቕ ብምቕያር፡ ንሓንቲ ኣስተሮይድ ካብ መስመርና ምዝንባል ከምዝከኣል ኣመስኪሩ።

ምንጪ ስእሊ, ESA/Science Office
ኣብ ሕዳር 2026 ድማ፡ መጻኢ ተልእኾ ኤጀንሲ ህዋ ኤውሮጳ ዝዀነት ሄራ፡ ኣብቲ ኣስተሮይድ ብምብጻሕ ነቲ ዕንወት ክትምርምር እያ።
እቲ ዕላማ ብዝተኻእለ መጠን ብዛዕባ እቲ ኣስተሮይድን ጽልዋ ዳርትን ምፍላጥ እዩ። እቲ ካብ ሄራ ዝመጽእ መረዳእታ፡ ሓደ ከውሒ ጠፈር ምስ መሬት ኣብ ምስ ዝጋጨው፡ ኣበይን ብክንደይን ዝኣክል መጠንን ክህረም ከምዘለዎ ንምፍላጥ ክሕግዝ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ESA/ATG medialab/NASA/JPL
ቤፒኮሎምቦ
ካብ ኩለን ኣብ ስርዓተ ጸሓይ ካብ ዘለዋ ፕላኔታት እታ ዝያዳ ዕሽሽ እትበሃል ሜርኩሪ እያ።
ናብኣ ዝተጸግዓ ተልእኾታት ክልተ ጥራይ እየን።
እዚ ግን ኣብ 21 ሕዳር 2026 ብዕጽፊ ክውስኽ እዩ።
ቤፒኮሎምቦ ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ዓመት ጉዕዞ ናብታ ናብ ጸሓይ ዝቐረበት ዓለም ክትበጽሕ መደብ ተታሒዙላ ኣል።
እታ መንኰርኰር፡ ካርታ ግዳማውን ውሽጣውን ኣካላት እታ ፕላኔት ክተዳልው እያ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


