ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቐትለ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ መን እዩ?

ሃጫሉ ሁንዴሳ

ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ምዕራብ 100 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣምቦ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ።

ኣዲኡ ወይዘሮ ጉደቱ ሆራ፡ ሃጫሉ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ታሪክ ምስማዕን ምዝንታውን ከምዝፎቱ ተረዲአን፡ የተባበዐኦ ከምዝነበራ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ።

ኣቦኡ ሁንዴሳ ቦንሳ ድማ ኣብ ትምህርቱ ክነፍዕን ዶክተር ወይ ድማ መምህር ዩንቨርሲቲ ክኾነሎም ይደልዩ ነይሮም።

ሃጫሉ ግን ዝንባልኡ ናብ ሙዚቃ እዩ ነይሩ። ኣብ ዓሰርተታት ዕድምኡ እዩ ሙዚቃ ክጻወት ጀሚሩ።

ሃጫሉ፡ ተምሃሪ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 1998 ተኣሲሩ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ እዩ።

ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝሓዘሉን ንቃልሲ ኦሮሞ ዘንጸባርቑን ሙዚቃታት ምድራፍ ደው ከብል መታን ከምዝተኣሰረ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ማእሰርቲ ዝያዳ ብስርሑ ክቕጽልን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሕ ግፍእን ወጽዓን ክፈልጥ ከምዝገበሮ ተዛረቡ ነይሩ።

ኣብ ማእሰርቲ ኮይኑ ድማ፡ ግጥምታት ምጽሓፍን ሙዚቃ ምውህሃድን መሊኹ። ካብ ማእሰርቲ ክወጽእ ከሎ ድማ፡ ነቲ ዝበጽሖ በደል ክቃወምን ንሚልዮናት ድምጺ ክኸውንን ወሲኑ ከምዝወጸ ይዛረብ።

ከይጸንሐ፡ ኣብ ተዛረብቲ ቋንቋ ኦሮሞ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ተፈታዊ ክኸውን ዝኸኣለ 'ሳኚ ሞቲ' ዝብል ኣልበሙ ዘርጊሑ።

ሃጫሉ ሁንዴሳ

ምንጪ ስእሊ, MARSAALEE HAWAASAA

ኣብዚ ኣልበም ዝነበሩ መብዛሕተኦም ሙዚቃታት፡ ዜማን ግጥምን ኣብ ማእሰርቲ ኮይኑ ዝሰርሖም እዮም።

ሽዑ፡ ዕድምኡ ኣብ ዕስራታት መጀመርያ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ድማ፡ ስራሕቱ ከቕርብ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኸደሉ "ዋኤ ኬኛ" ወይ ድማ "ናትና ነገር" ዝብል ኣልበም ዘርጊሑ።

ተፈታውነት እቲ ሙዚቀኛ'ውን እናወሰኸ መጺኡ። ንሱ፡ ናይ ኦሮሞ ባህላዊ ቅድታት ምስ ዘበናዊ ሙዚቃ ብምውሃድ እዩ ዝሰርሖም።

እዚ ድማ፡ ተፈታዊ ኮይንሉን ብዙሕ ናእዳ ረኺቡሉን እዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተወለዐ ተቓውሞታት 'ማላን ጂራ' ዝብል ንጽል ደርፊ ደሪፉ። እቲ ደርፊ ካብ ተፈታውነት ብዝሰገረ፡ ነቲ ዝነበረ ተቓውሞታት ከም መለዓዓሊ ኮይኑ።

ሃጫሉ፡ ዓበይቲ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ሙዚቃታቱ ከቕርብ እንተሎ፡ ብዘይ ፍርሒ ዝስመዖ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብምግላጽ እዩ ዝፍለጥ።

በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ዝነበረ ሃጫሉ፡ ኣብ 36 ዓመቱ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሰኑይ 22/2012 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ተቐቲሉ።