ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንትርኔት ተቛሪጹ

ምንጪ ስእሊ, LAKRUWAN WANNIARACHCHI
ንከተማታት ኣዲስ ኣበባ፡ መቐለ፣ ነቀምቴ፣ ኣዳማን ባህርዳርን ሓዊሱ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተቛሪጹ ኣሎ።
እቲ ምቁራጽ ብደረጃ ሃገር ድዩ ኣብ ውሱን ከባብታት ዝብል ገና ኣይተፈልጠን።
መንቀሊ ናይቲ ምቁራጽ ኣገልግሎት'ውን እንታይ ምዃኑ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ኣብታ ሃገር እንኮ ኣገልግሎት ቴሌኮምኒኬሽን ዝህብን ብመንግስቲ ዝውነንን ትካል ኢትዮ ቴሌኮም ብዛዕባ'ዚ ምቁራጽ ኣገልግሎት ዝበሎ ነገር ለን።
እቲ ምቁራጽ ኣገልግሎታት፡ ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ሙዚቀኛ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ኦሮሚያ ድሮ ዕግርግርን ወጥርን ነጊሱ'ሎ።
ኣብ ከተማ ኣዳማ፡ ዕግርግር ከምዘሎ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣብ'ታ ከተማ ገለ ህንጻታት መንግስታዊ ቤት ዕዮታት ከምዝተባርዑ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣዳማ፤ ንተቓውሞ ናብ መደብር ቴሌቪዥን ኦቢኤን ዝኸዱ ሰልፈኛታት ፖሊስ ጥይት ብምትኳስ በቲንዎም።
ኣብ መንጎ'ዚ ሓደ ሰብ ከምዝቖሰለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።
ትውልዲ ከባቢ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝኾነት ጅማ'ውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብትርቲ ዝሓዙ ብዙሓት መናእሰይ ንሬሳ እቲ ውሩይ ድምጻዊ ዓጂቦም ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ቁጠዐኦም ይገልጹ ነይሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኢንተርኔት ኣገልግሎት ምቁራጽ ዝተለመደ እዩ።
ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለምለኻዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘይምርግጋኣት ከጋጥም እንከሎ ብዘይ ገለ ምኽንያት ናይ ርክብ ኣገልግሎታት ምቁራጽ እናተለመደ ይመጽእ ኣሎ ምባሉ ዝዝከር እዩ።
ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሰኑይ ምሸት እዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ተቐቲሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







