ኣብ ቻይና ‘ዓለማዊ ለበዳ’ ከስዕብ ዝኽልእ ሓድሽ ቫይረስ ተረኺቡ

ሓሸማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቻይና ኣብ መጸኢ ዓለማዊ ተላባዒ ሕማም ከኸትል ዝኽእል ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ከምዝተረኸበ ተመራመርቲ ገሊጾም።

እቶም ተመራመርቲ እቲ ቫይረስ ኣብ ሓሸማ ከምዝተረኸበ ብምሕባር፡ ንሰብ ከጥቅዕ ዝኽልእ ዓይነት ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዞም ተመራምቲ ብምስዓብ፡ እዚ ቫይረስ ብቐሊሉ ቅርጹን ባህሩን ክቐያይር ዝኽእል ኮይኑ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ክመሓላላፍ ስለዝኽእል፡ ዓለማዊ ለበዳ ከየኸትል ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም ኣለዉ።

እዚ ኣብ ቻይና ዝተረኸበ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ፡ ዋላ እኳ ሕጂ ቀጥታዊ ጸገማት ክፈጥር ዝኽእል ኣይኹን፡ ኣብ መጻኢ ግን ዓቢ ዓለማዊ ስግኣት ናይ ምዃን ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ብቐረባ ምክትታል ከምዝደሊ እዞም ተመራመርቲ ብምግለጽ፡ እቲ ቫይረስ ሓድሽ ምስ ምዃኑ ሰባት ንዕኡ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከጥርዩ ግዜ ከምዝወስደሎም እዮም ዝገልጹ።

ቅድመ መጠንቀቕታ ዓለማዊ ለበዳ

ተመራመርቲ፡ ሕማም ኢንፍሊወንሳ ሓደ ካብ ኣስጋእቲ ሕማማት ምዃኑ እዮም ዝገልጹ፡ ዓለም ነዚ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ምምካት ተጸሚዳ እንከላ’ውን እንተኾነ ምክትታሎም ኣየቋረጹን።

እቲ ናይ መወዳእታ ኣብ 2009 ኣብ ሜክሲኮ ዝጀመረ ስዋይን ፍሉ፡ ካብቲ ተፈሪሕዎ ዝነበረ ዝወሓደ እዩ ሞት ኣኸቲሉ፡ ምኽንያቱ እቲ ቫይረስ ምስ ሰዓል ስለዝመሳሰል ሰባት ኣቐዲሞም ሰዓል ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥርዮም ስለዝጸንሑ ንዕኡ ምምካት ኣይኣጸገሞምን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት (2009) ኣብ ቻይና ዝተረኣየ ስዋይን ፍሉ ግን፡ ዓሌት ስዋይን ፍሉ ድኣ ይኹን እምበር ካብቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝተረኣየ ዓይነት ስዋይን ፍሉ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ቻይና ተረኺቡ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ፡ ኣብ ዋህዮታት ደቂ ሰባት ኣትዩ ብቐሊሉ ክራባሕ ዝኽእል ኮይኑ፡ ተመራመርቲ G4 EA H1N1ዝብል ስም እዮም ሂበሞ ዘለዉ።

እዞም ተመራመርቲ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ መሕረድቲ ከብቲ ዝሰርሑን፡ ኣብ ትካል መፍረ ሓሸማታትን ኣብ ዝሰርሑ ሰባት ከምዝተረኸበ'ውን ሓቢሮም ኣለዉ።