ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከቦም 35 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, STRINGER
ድሕሪ ሞት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ዝርከቦም 35 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ሓላፊ ፖሊስ ፈደራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል እንዳሻው ጣሰው ገሊጹ።
ፈደራል ፖሊስ ኮሚሽንን፡ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት፡ ሓለውቲ ጃዋር ሒዞሞ ዝነበሩ ብረታትን ናይ ርክብ ሬድዮታትን ተታሒዙ ከምዘሎ ጠቒሶም።
ብመሰረት እቲ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 9 ከላሽናት፡ 5 ሸጓጉጥን፡ 9 ሬድዮታት ርክብን ካብቶም ሓለውቲ ተመንዚዑ'ሎ።
"ዝኾነ ሰብ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ኣይኮነን" ድሕሪ ምባል፡ ምስ ናይ ጸጥታ ኣካላት ክተሓበበር ይግብኦ ኢሉ።
ህዝቢ ንማእሰርቲ ጃዋርን ብጾቱን መምቅዋም፡ ኣብ ዘየድሊ ጎነጽ ከየምርሕ'ውን ተማሕጺኑ።
ኣብቲ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝወጸ ተመሳሳሊ መግለጺ፡ ብጃዋር መሓመድ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ሬሳ ናይቲ ሙዚቀኛ ከም ድሌት ስድራቤቱ ናብ ኣምቦ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝምለስ ገይሩ ክብል ከሲሱ።
ይኹን እምበር፡ ካብ ጃዋር ይኹን ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
ኣቐዲሙ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ።
ሓለውቱ ዕጥቆም ከውርዱ ብሓይልታት ጸጥታ ንዝቐረበሎም ትእዛዝ ድሕሪ ምእባዮም ከም ዝተኣስረ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
እቲ ኣብ መጀመርታ ደጋፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝነበረ ጃዋር፡ ዳሕራይ ግን ኣትሪሩ ክቃወሞ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሱ፡ ናብቲ ብፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ዝምርሕ ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራል ኮንግረስ ብምጽንባር፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ውድብ ብምዃን ናይ ምርጫ ጎስጓስ ከካይድ'ዩ ጸኒሑ።
ንሱ፡ መስራቲ ኦሮሚያ ሜድያ ኔትዎርክ (OMN) ኮይኑ፡ ነቲ ኣንጻር መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝግበር ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞታት ዝመርሕ ዝነበረን'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰብመዚ ጸጥታ ነቶም ብመንግስቲ ዝተዋህብዎ ሓለውቲ ክስሕብዎም ፈቲኖም ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተወልዑ ናዕብታት ልዕሊ 80 ሰባት ምቕታሎም ይዝከር።
ኣብቶም ናይ ሽዑ ተቓውሞታት፡ ናዕበኛተት ነቲ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝተጻሕፈ "መደመር" ዝብል መጽሓፍ ከንድዱ ተራእዮም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







