"መንግስቲ ዜጋታቱ ካብ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ክሕሉ ኣለዎ" ኣመንስቲ

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ምንጪ ስእሊ, AMNESTY INTERNATIONAL

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘዉጸኦ ጸብጻብ ከምዝገለጾ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄሌም ወለጋ ወረዳ ሰዮ ብጉጅለ ዝተኣከቡ መናእሰይ ኣብዚ ሰሙን መንበሪ ኣባይቲ ተወለድቲ ኣምሓራ ብምኽባብ፡ ደብዲቦምን ንብረት ዘሪፎምን ክብል ይኸስስ።

ካብዚ ሓሊፉ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ እንተዉሓደ 20 ዝበጽሑ ተወለድቲ ኣምሓራ ብኸምዚኦም ዝበሉ መጥቃዕታት ከምዝተቐተሉ ብምግላጽ፡ ሰበ ስልጣን እዚ ተግባር ጠጠዉ ክብል ኣብ ምግባር ዝሰርሑዎ ነገር ከምዘየለ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።

"መንግሰቲ ኢትዮጵያ ግዳያት ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ኾይኖም ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉ ዝበሉ ዜጋታት ካብ ዝፍጸሞም ዘሎ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ" ክብሉ ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቃላያትን ጆዋን ኒያኑከስ ተዛሪቦም።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ወረዳ ሰዮ 1400 ዝበጽሑ መጥቃዕቲ ክበጽሖም ዝኽእል ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብታ ወረዳ ከምዝተረፉ እንትገልጽ፡ እቶም ነበርቲ ንኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝበሉዎ፡

ቄሮን ፎሌን ብዝተብሃሉ ጉጅለታት መናእሰይ ብዝፍጸሙ ተደጋገምቲ መጥቃዕታት ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ተገዲዶም ክወጽኡ ስግኣት ኣለዎም።

"ንህይወት ደቅና ንሰግእ ኢና። መንግስቲ ኢዱ እንተድኣ ዘይሓዊሱ ካብዚ ከባቢ ንምዉጻእ ተዳሊና ኢና" ክብሉ ሓደ ነባሪ ተዛሪቦም።

እቶም ነባሪ ንኣምነስቲ ወሲኾም ከምዝሓበርሉ፡ ብዛዕባ እቶም ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕታት እቲ ሕብረተሰብ ብተደጋጋሚ ቅርትኡ ንወረዳን ኦባን እንተቕረበ መፍትሒ ከምዘይተዉሃቦም ተዛሪቦም።

ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ ዝተሓተቱ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ፡ ንቢቢሲ ከምዝበሉዎ "ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለናሉ ሓቒ ዘየንጸባርቕ መሰረት ኣልቦ ጸብጻብ'ዩ" ክብሉ ነጺገሞ።

ሕዚ ካብ ክልል ኦሮሚያ ተመዛቢልና ዝብሉ ሰባት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ዘይምርግጋእ ሰጊኦም ካብቲ ከባቢ ለጊሶም ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ከምዝተመለሱ ድማ ሓቢሮም።

ኣምነስቲ ኣብ ዘዉጸኦ ጸብጻብ ከምዝገለጾ ግና ኣብቲ ዝተብሃለ ከባቢ ከምዚ ዓይነት ጸገም ምልዓሉ ዝገልጽ ነገር ኣይሰማዕኹን ዝብል ዶክተር ነገሪ ሌንጮ፡ ኣብቲ ክልል ካብ ዝኾነ ከባቢ እታ ሃገር ዝመጽአ ሰብ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ክፍጸም መንግስቲ እቲ ክልል ከምዘይፈቅድ ተዛሪቦም።