ኮሚሽነር ሙሉወርቅ፡ "ነቲ መረጻ ንምፍጻም ዘጋጥመና ሕልኽልኽ ክህሉ እዩ ኣይንብልን"

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY WRITERS ASSOCIATION/FB
ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ፡ ብምክንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ እኳ እንተተናውሐ፡ መንግስቲ ትግራይ ግን ክልላውን ከባቢያውን መረጻ ክካየድ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል ወሲኑ እዩ።
እቲ ባይቶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትግራይ መረጻ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ግን ነዚ መረጻ ከፈጽም ከምዘይክእል ብምግላጽ ነጺግዎ እዩ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ክልል ናይ ባዕሉ መረጻ ዘፈጽም ኮሚሽን ብምቛም ኣዋጃትን መምርሒታትን መረጻ ክጸድቁ ገይሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንኮሚሽን መረጻ ትግራይ ዝመርሑ ኣካላት ንምምራጽ ካብ ህዝቢ ብመሰረት ዝተዋህበ ጥቆማ፡ ልዕሊ 700 ሰባት ተጠቚሞም'ዮም።
ካብዚኦም፡ ኮሚሽነርን ምኽትልን ዝርከቡዎም ሓሙሽተ ኣመራርሓ ስራሕ ናይቲ ኮሚሽን ድማ ተሸይሞም።
በዚ መሰረት፡ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ኮሚሽነር ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኮይኑ ተሸይሙ እዩ።
እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ፡ ዕውት መረጻ ንምክያድ እኹል ድዩ? ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ሓጺር ወግዒ እነሆ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ እንታይ ዓይነት መረጻ'ዩ ክካየድ?
ኮሚሽነር ሙሉወርቅ፡ ኣብ ትግራይ መረጻ ንምክያድ ዘኽእል እኹል ግዜ እዩ ዘሎ። ካብ ሕዚ ጀሚሩ ሓምለን ነሓሰን ኣለና። እዚ ድማ፡ ኣቐዲሙ ምድላዋት ክግበር ስለ ዝጸንሐ እኹል እዩ። ዝተወደአ ቅጥዕታት እንተሃሊዩካ ብዙሕ ነገር ዘድልዮ ኣይኮነን።
ቢቢሲ፡ ስለዚ፡ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ምችው ኩነታት'ዩ ዘሎ ዲኻ ትብል?
ኮሚሽነር ሙሉወርቅ፡ ብዙሕ ምቹእ ነገራት ኣሎ። እቲ ዝደንጎየ ነገር እቲ ምርጫ ንዘሳልጥ ኮሚሽን ዝመርሑ ኣካላት ምሻም እዩ ነይሩ። ዝተረፈ መሓውር ካልኦት ኣገደስቲ ስራሕቲ ክሰርሕ ጸኒሑ'ዩ። ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ምትእምማን ዘድልዮም ነገራት ምፍታሕ ከምኡ'ውን ንክትትል ዘመችኡ መገዲታት ምድላውን ሕትመት ኣገደስቲ ወረቓቕቲ ምውጋንን ክተርፈና እዩ።
ቅድም ኢሉ'ውን ምርጫ ይካየድ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፤ ብደረጃ ክልል ምክያዱ እንተዘይኮይኑ ፍልልይ የብሉን።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ሽመት ኣባላት ኮሚሽን፡ ኣባል ካቢኔ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነት ሰብ ኣባል እቲ ኮሚሽን ኮይና'ላ ብዝብል፡ ንሻራውነት እቲ ኮሚሽን ዝምልከት ሕቶ ይለዓል ኣሎ። እዚ ርኢይቶ ንዓኻ ቅቡል ድዩ?
ኮሚሽነር ሙሉወርቅ፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነዚ ዝምልከት ብዙሕ ሕቶታት ተላዒሉ መብርሂ ተዋሂቡዎ እዩ። እቲ ባይቶ እንተኣሚኑሉ፡ ካብ'ቲ መንግስታዊ ስራሕ'ውን ከትለዓል ይከኣል እዩ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡ።
ብተወሳኺ፡ ኣባል ካቢኔ ክትከውን ከላ'ውን፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣመራርሓ ክመጽኣ ኣለወን፣ ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዓውዲ'ውን ካብ ፖለቲካ ናጻ ብዝኾኑ ሰባት ክምራሕ ኣለዎ ብዝብል እያ ክትሰርሕ ጸኒሓ ዝብል መብርሂ ምስ ቀረበ፡ እቶም ኣባላት ሕቶና ኣልዒልና ኣለና ኢሎም።
ከምቲ ዝፍለጥ ድማ፡ ዶክተር ጸጋ ኣባል ካቢኔ እንተኾነት'ውን ኣባል ህወሓት ግን ኣይኮነትን፤ ብሱሩ'ውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ፊዚክስ መምህር እያ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዶክተር ጸጋ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣባኻን ኣብ ሓደ ኣባል እቲ ኮሚሽንን ዝለዓል ነገር ኣሎ። ቅድም ክብል ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ምስረታ 'ውድብ ናጽነት ትግራይ' ተረኺብኩም ዘረባ ኣስሚዕኩም ስለ ዝነበርኩም፡ ከመይ ኢሉ'ዩ በዞም ሰባት ዝምራሕ ኮሚሽን ሚዛናዊ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ቅርታ ይቐርበልኩም ኣሎ።
ኮሚሽነር ሙሉወርቅ፡ ስለምንታይ ናይ ውድብ ናጽነት ትግራይ ንበይኑ ይለዓል ኣሎ ኣይርድኣንን። ኣብ ምስረታ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ተረኺበ ዘረባ ኣስሚዐ'የ፤ ኣብ ምስረታ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ክርከብ'ውን ዕድመ ቐሪቡለይ ነይሩ [ብስራሕ ካብ መቐለ ወጻኢ ስለ ዝነበርኩ ኣይተረኸብኩን]። ህወሓት ጉባኤ ከካይድ ከሎ'ውን ተዓዛቢ ኮይንካ ተረኸበልና ይብሃል ነይረ እየ።
ስለዚ፡ ኣነ ኣባል ዝኾነ ፓርቲ ኣይኮንኩን፤ ትግራዋይ ግን እየ። ከም ትግራዋይ ከምኡ'ውን ከም በዓል ሞያ ፖለቲካል ሳይንስ ንትግራይ ይረብሑ'ዮም ዝብሎም ሓሳባት ይጽሕፍን ይዛረበሎምን እየ። ውድብ ናጽነት ትግራይ ድማ፡ እታ ናይ መወዳእታ ብ ትግራይ ዝተጣየሸት ውድብ እያ። ኩሎም ውድባት፡ ብዛዕባ ትግራይ ክዛረቡ ከለው ተረኺበ ይዛረብ እየ።
ትማሊ ሹመትና ክጸድቕ ከሎ'ውን ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት እወንታ ኢና ረኺብና። ደገፍቲ 'ውናት' እንተንኸውን ህወሓት'ውን ኣይመቕረበናን፤ ካልኦት ውድባት'ውን ኣይምተቐበሉናን። ክፍለጥ ዘለዎ፡ ኣብዚ እዋን ትግራይ ካብ ዘጋጥማ ዘሎ ጭንቂ ናይ ምግልጋል ሓላፍነት ኣለና፤ ስለዚ፡ ኩሉ ዓይነት ሓሳብ ምስ ዘለዎም ሰባት ተራኺብና ክንዘራረብ ኢና።
መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ፣ ባዕላ ንባዕላ ናይ ምምሕዳርን መሰላት ህዝብን ኩሎም ክሕለው ከም ዘለው ኩላትና እንኣምነሉ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ኣብ ሓደ ኣኼባ ስለ ዝተረኸብኩም ነዚ ሓላፍነት ኣይትበቕዑን ድዩ ዝበሃል ዘሎ?
እታ ኣነ ክብላ ዝኽእል፡ ንሕና ንዝኾነ ውድብ ከምዚ ግበር ኣይትግበር ንምባል ዝተቖጸርና ኣማኸርቲ ኣይኮንናን። ኩላትና ግን ንትግራይ ነድልያ ኢና።
ቢቢሲ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሰፊሑ ዝዝርግሐሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ትግራይ'ውን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ከም ዝዘለቐ ተገሊጹ ኣሎ። ጉዳያት ጸጥታ'ውን ኣሎ። ብኸመይ ኢኹም ክትኣልዩዎ?
ኮሚሽነር ሙሉወርቅ፡ ሕዚ፡ ምርጫ ናይ ምፍጻም ሓላፍነት'ዩ ተዋሂቡና ዘሎ። ትግራይ እዚ ምርጫ ትደልዮ'ያ፤ ዓርሳ ብዓርሳ ምምሕዳር'ውን ትደሊ'ያ። ነዚ ከም ውልቀሰባት'ውን ንድግፎ ነይርና።
ስለዚ፡ ነዚ ከነፈጽም ቐሪብና ኣለና። እዚ ብመሰረት እቲ ዝተወሃበና ኣዋጅ መረጻ ኢና ከነፈጽሞ። ስለዚ፡ ካብቲ ዝተወሃበና ሓላፍነት ወጻኢ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ 'ማልቲፕል' ስራሕቲ ክንዓምም ኣይንኽእልን ማለት'ዩ።
ጉዳይ ጸጥታ መንግስቲ ባዕሉ'ዩ ክሕሉ፤ ሰባት ብሰላም ክንቀሳቐሱን ክመርጹን ናይ ምግባር ሓላፍነት ናይ መንግስቲ'ዩ። ስለዚ፡ እቲ ምርጫ ንምፍጻም ዘጋጥመና ሕልኽልኽ ክህሉ እዩ ኣይንብልን። እዚ ምርጫ ንክካየድ ናይ ብዙሓት ድልየት ኮይኑ፤ ልዑል ተስፋ'ውን ኣሎ።
ቢቢሲ፡ እዚ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ክልላዊ መረጻ ከም ዝኾነ ይፍለጥ። ተኣማኒ ዝኾነ ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ዝፈጥር ምርጫ ንምፍጻም ዘኽእለኩም ዓቕምን ድልውነትን እንታይ ይመስል?
ኮሚሽነር ሙሉወርቅ፡ ኣብዚ ክልል ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ተፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ። ካብ ስርዓት ደርጊ ጀሚሩ ባይቶታት ተመስሪቶም ህዝቢ ከመይ ከም ዝመርጽን ከም ዝቃወምን እናፈለጠ እዩ ጸኒሑ። እዚ መሰረት ኣንጺፉ'ዩ። እዚ ሕዚ ዝካየድ መረጻ ድማ፡ ቐጻሊ ናይቲ ዝጸንሐ ባህሊ'ዩ።
ንምንታይ ድኣ ካብ ካልኦት ክልላት ብዝተፈለየ ትግራይ መረጻ ከካይድ እየ ኢላ? እቲ ባህሊ ንሱ ስለ ዘሎ'ዩ። እዚ ባህሊ ድማ፡ ንኤርትራ ኢሉ'ውን ንምብራቕ ኣፍሪቃ ይጠቅም'ዩ። መራሕትና ጎይቶትና ኣይኮኑን። ኣብዚ፤ እንነቕፎምን እነመስግኖም ተራ ሰባት እዮም። ከምዚ ዓይነት ባህሊ ኣለና።
እዚ ኣዝዩ ምዕቡል ዴሞክራሲ ኣለና ማለት ዘይኮነ፡ ናይ ነጻ ሰብ ኣተሓሳስባ ዘፍቅድ ኣሰራርሓ ግን ኣሎ። በዚ ሕዚ እነካይዶ መረጻ ኣቢልካ፡ ቐጻልን ዝሓሸን ባህሊ ክምዕብል ይኽእል'ዩ።




![ሃበራዊ ስእሊ ፖለቲከኛታት ኣቶ ልደቱ ኣያሌው [ጸጋም] ከምኡ'ውን ጀዋር መሓመድ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/5EB0/production/_113104242_2a92ba02-eb5d-447a-8ddb-a55eb982ee68.jpg.webp)
![ኣብ ናቑጣ መረጻ ድምጸን ንምሃብ ዝኸዳ ኣደ፡ ናጻ ወረቐት ተነሓናሕቲ ሰልፊታት እናተውሃበን [2010]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/181E2/production/_109668789_gettyimages-100348138.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







