ውድብ ዓረና ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱን ውልቀሰባትን ይበጽሕ ንዝበሎ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ደው ክብል ሓቲቱ

ኣርማ ዓረና

ምንጪ ስእሊ, Amdom Gebreslasie

ፖለቲካዊ ውድብ ዓረና ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣባላቱን ደገፍቱን ኣካላዊ መጥቃዕትን ምንግልታዕን ይበጽሕ ኣሎ ኢሉ።

እዚ ክሳብ ምስማምን (ምምራዝ) ምዝማት ንብረትን ከም ዝበጽሕ ብምግላጽ፡ ብሓይልታት ጸጥታን መሓውር መንግስቲ እቲ ክልልን ዝፍጸም ዘሎ'ዩ ክብል ከሲሱ።

"በብግዚኡ ሕገ-መንግስታዊ መትከላት ይጠሓሱ ኣለው። ብፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ገበን ተፈጺሙ ናብ ሕጊ ኣይቐርቡን፤ እዚ ጠጠው ክብል ኣለዎ" ኢሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሰልፊ ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ዝኾነ "ህወሓት፡ ብሓሳብ ንዝፍለዩ ሓይልታት ክወቅዕ'የ ኢሉ'ዩ ዝንቀሳቐስ" ዝብል ኣቶ ዓንዶም፡ እቲ ውድብ ኣብ ዘካይዶም ህዝባዊ ዋዕላታትን ህጹጽ ኣኼባታትን፡ ዘሸቑርሩ፣ ዝድህሉን ቃላት ብምጥቃም ጠቐነታት የብጽሐልና ኣሎ ኢሉ።

"ካብ ውድብን መንግስትን መልእኽቲ እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ ኣባላትናን ደገፍትናን መጥቃዕቲ ይፍጸም። ኣባላትና መጥቃዕቲ እንትበጽሖም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መርትዖ ሒዝና ጥርዓን'ኳ እንተቕረብና ህወሓት ግን ዝኣምን ውድብ ኣይኮነን። ስለዚ መንግስቲ ትግራይ መፍትሒ ክገብረሉን ጠጠው ከብሎን ይግባእ።"

ውድብ ዓረና ኣብ ልዕሊ ኣባላተይን ደገፍተይን ተፈጺሞም ዝብሎም ደበላት ዝምልከት ዝርዝር መረዳእታ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ኣብ የጭላ፣ ታሕታይ ማይጨው [ልዕሊ 6ተ ኣባላቲ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለየ ግዘ ተኣሲሮምን ተፈቲሖምን ይብል ኣቶ ዓንዶም] ዝንቀሳቐሱ ኣባላቱ ከም ዝተንገላትዑዎ ብምግላጽ፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኣቶ ሃይለኪሮስ ታፈረ ፈተነ ምስማም (ምምራዝ) በጺሑዎ ከም ዝነበረን፡ ቁጽሪ ተኣሲሮም ብዋሕስ ዝፍትሑ ኣባላቱ ይውስኽ ከም ዘሎን ይሕብር።

"ዓረና ኣብ ትግራይ ቀንዲ ተነሓናሒ ፖለቲካዊ ውድብ ስለ ዝኾነ ዓቕሙ ኣዳኺምኻ ሕብረተሰብ'ውን ስግኣት ክሓድሮ ንምግባር'ዩ እዚ ኹሉ በደል ዝፍጸም ዘሎ። ብዙሓት ተኣሲሮም'ዮም። ድሕሪኡ ካብ ዓረና ውጽኡ ዝብል ትእዛዝን ምፍርራሕን ይበጽሖም" ይብል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሰልፊ፡ ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ።

ቅድም ክብል ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ግና፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዓረና ዝቐርቡ ክስታት፡ እኹል መረዳእታ ዘይብሉ ክሲ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ብዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ዓረና ትግራይ ዝኾነ ዶክተር ማርቆስ ገሰሰ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ፡ ደገፍትን ኣመራርሓን እቲ ሰልፊ ይገልጹ ነይሮም።

"ዶክተር ማርቆስ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ኮይኑ ካብ ዝምረጽ ጀሚሩ ብብዙሓት ሰባት ውጻእ ዝብል ሽምገላን ምፍርራሕን ይበጽሖ ነይሩ" ዝበለ ኣቶ ዓንዶም፡ ሕዚ ድማ ሚሊሻታት ዝርከቡዎም ውልቀሰባት፡ ኣብ ከባቢ ክሳዱን መንጋግኡን መጥቃዕቲ ኣብጺሖምሉ ኣለው" ኢሉ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት እንተብርህ።

"ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣባና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ተራ ማሕበረሰብ'ውን ብሓይልታት ጸጥታ መጥቃዕቲ ይበጽሕን ይደጋገም ብምህላዉ፡ ንሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ስግኣት ብምዃኑን እዚ ተግባር ደው ክብል ኣለዎ። ከም ውድብ ድማ ብሰላም ኣብ መላእ ትግራይ ተንቀሳቒስና ሓሳብና እነቕርበሉ ዕድል ክፍጠር ኣለዎ" ኢሉ ኣቶ ዓንዶም።

እዚ ዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ጸጥታ መሓውርን ከም ዝዘራረቡ ዝገልጸ ኣቶ ዓንዶም፡ ንመአረምታ ዝኸውን ቅኑዕ ምላሽ ኣይንረክብን ክብል ግን ይኸስስ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንቤት-ፍርዲ፣ ንቦርድ መረጻ እታ ሃገር፣ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልልን ውድብ ህወሓትን ከምዘፍለጠ ዝገልጽ እዚ ውድብ፡ በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ መረጻ ጎስጓስ ንምክያድ ኣብቲ ክልል ጥጡሕ ባይታ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።