ገዳይም ተጋደልቲ ህወሓት፡ ንዘረባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ መልሲ ሂቦም

ኣይተ ስዩም መስፍን

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV

መግለጺ ስእሊ, ኣይተ ስዩም መስፍን

ኣብ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ ንዞባዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕተት፤ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣስፊሑ ዝተዛረበሉ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጉዳይ ዶባት ንህወሓት ነቒፉ ነይሩ።

ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዝምድና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ "ኣብ ጉዳይ ዶብን ባድመን ከይተሓጸርና፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዘሎ ናይ ዕረያ (ሪፎርም) ብኹሉ ዓቕምና ክንድግፎ ኢና" ኢሉ ነይሩ።

ንኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ከም ጓኖትን ጎረቤትን ዘይኮነ፤ ንኤርትራ እውን ስለዝጸልዋ ብንጥፈት ከም እትዋሳእን ብምግላጽ፡ "ኢድና ኣጣሚርና ኮፍ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ብዛዕባ'ዚ ዘረባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ መልሲ ክህበሉ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ቤት ጽሕፈት ህወሓት፡ ኣብዚ እዋን ዝህቦ ዝኾነ ወግዓዊ መልሲ ከምዘየለ ገሊጹ ነይሩ።

ህወሓት ከም ውድብ ቅዋሙ እኳ እንተዘይገለጸ፡ ገለ ገዳይም ተጋደልቲን ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበር ህወሓትን ግን ነዚ ዘረባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ 'ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ከም ምእታው' ከምዝርእይዎ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኣብ ዝጽምበል ዘሎ በዓል 11 ለካቲት መደረ ዘስምዑ ገዳይም ተጋደልቲ ህወሓት ኣይተ ስዩም መስፍንን ኣይተ ጸጋይ በርሀን ድማ፡ ኣብዚ ጉዳይ ብቕሉዕ ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ነበር ኣይተ ጸጋይ በርሀ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ማይ ጸብሪ ኣብ ዝነበረ ጽምብል 11 ለካቲት ክዛረብ እንከሎ "ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝብሎ ዝነበረ" ኢሉ ብምጅማር፤ ነቲ "ኢድና ኣጣሚርና ኮፍ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ዝብል ዘረባ ኢሳይያስ ጠቒሱ፡ ኢሳይያስ "ብዛዕባ ኢትዮጵያ የእትወኒ እዩ" ከምዝበለ ገሊጹ።

ቀጺሉ ድማ "ኢዱ እንተእትዩ፡ ኢዱ ክስበር እምበር ዝገብሮ የብሉን" ኢሉ።

ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣየእትዎን "እዚ ናይ ኢትዮጵያውያን ጉዳይ እዩ" ዝበለ ኣይተ ጸጋይ፤ ነዚ 'ኢድ ኣታውነት' ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ "የገድሰና እዩ ዝብሉ ኢትዮጵያውያንን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክቃወምዎ ኣለዎም" ክብል ተዛሪቡ።

ኣይተ ጸጋይ በርሀ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV

መግለጺ ስእሊ, ኣይተ ጸጋይ በርሀ

"ዓድና ከፍርስ እዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ" ክብል ድማ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ከሲስዎ። "ክልተ ግዜ ሰለስተ ግዜ ይሕሰበሉ" ክብል ከኣ ነቲ ፕረዚደንት ኣጠንቂቑ።

ብሰምበት ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል 11 ለካቲት ዘረባ ዘስመዐ ገዲም ተጋላይ ህወሓት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ስዩም መስፍን'ውን "[ፕረዚደንት ኢሳይያስ] ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃብዎ መግለጺ ኩልና ዝተኸታተልናዮ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ ንዘረባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ነውሪ" ክብል ገሊጽዎ።

"ኢሳይያስ ንፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ በቲኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየመሓደረን፡ ንራህዋን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ደው ዘይበለስ፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰላምን ልምዓትን ከምጽእ ኣይኽእልን" ኢሉ።

ኣይተ ስዩም 'ከምቲ ንሕና ናይ ውሽጢ ጸገምና ባዕልና ክንፈትሕ ንብል ዘለና፡ ህዝቢ ኤርትራ'ውን ንኢሳይያስ ናይ ውሽጢ ጸገምና ባዕልና ክንፈትሕ ክብሎ ኣለዎ' ኢሉ።

"ድሕሪኡ ብሓባር ኮይንና ከም ህዝቢ፣ ከም ሃገራት፣ ከም መንግስታት ንስራሕ እንተይልና ክንሰርሕ፤ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ [ጣልቃ] እንተይኣተወ..." ክብል መደረ ኣስሚዑ።

"ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓውና ከም ቀረባ ጎረቤትና ተኸባቢርናን ተደጋጊፍናን ክንለምዕን ሰላም ክንሃንጽን እንተዘይኮይኑ መታኽንቲ ኣይኮንናን ኢሉ።

ስም ፕረዘደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን ኣሕመድን ብምጽራሕ ድማ "መታኽንቲ [መተፋንንቲ] ክገብሩና ዝደልዩ ዘለዉ፡ ኢሳይያስን ኣብዪን እንተኾይኖም፡ ኣደብ ግበሩ ክበሃሉ ኣለዎም" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ንወያነን ወያነ ዝሃነጾ ሕገመንግስትን ክስበር ክንሕግዝ ኢና" ከምዝብል ዝተዛረበ ኣይተ ስዩም "ነዚ ሕገመንግስቲ ከፍርስ'የ ኢሉ ዝመጽእ፡ ሙሶሎኒ እዩ። ሂትለር እዩ" ኢሉ።