ክቡራት ጻጸ ካብ ኬንያ ከውጽእ ዝተትሓዘ ቻይናዊ ፍርዲ ተቐቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Kenya Wildlife Service
ካብ ኬንያ ኣሽሓት ንግስቲ ጻጸታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ወጻኢ ንምውጻእ ዝፈተነ ቻይናዊ፡ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ።
ቤትፍርዲ ናይሮቢ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዣንግ ክዩን ዝተባህለ ውልቀሰብ 7,737 ዶላር ገንዘባዊ መቕጻዕቲ እውን ኣንቢሩ ኣሎ።
ዳኛ ኢረን ጊቾቢ ነቲ ውልቀሰብ፡ "ሓቀኛ ዘይኰነ" ከምኡ እውን ናይ ጣዕሳ ስምዒት ዘይብሉ ክትብል ገሊጻቶ።
እቲ ውልቀሰብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ናይሮቢ፡ ልዕሊ 2,000 ጻጸታት ኣብ ቦርሳኡ ሓቢኡ ናብ ቻይና ክጓዓዝ ከሎ ድሕሪ ምትሓዙ፡ ብገበን ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳ ዘገዳም ክኽሰስ ጸኒሑ።
ብዓልመዚ ኬንያ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ኤውሮጳን እስያን ነተን ጻጸታት ዝደልዩ ዓቀብቲ ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ሓንቲ ንግስቲ ጻጸ ጥራሕ ክሳብ 220 ዶላር ክትሽየጥ ከም እትኽእል ይግለጽ።
ዳኛ ጊቾቢ፡ "ብብዝሒ ኣብ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግዲ ጻጸን እቲ ኣብ ከባቢ ዘስዕቦ ሕማቕ ጽልዋን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኻልኦት መምሃሪ ዝኸውን ተሪር መቕጻዕቲ የድሊ እዩ፡" ኢላ።
እቲ ውልቀሰብ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቱ ምስ ወድአ ናብ ሃገሩ ከም ዝጥረዝ ወሲኻ ገሊጻ።
እቲ ቻይናዊ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ይግባይ ናይ ምባል መሰል ዘለዎ ኰይኑ፡ ጠበቓኡ ድማ ይግባይ ከም ዝሓትት ኣፍሊጡ።
እቲ ተኸሳሲ ኣብ መጀመርታ "በደለኛ ኣይኰንኩን" ዝብል ቃል እኳ እንተ ሃበ፡ ጸኒሑ ግን ገበኑ ተኣሚኑ እዩ።
ዣንግ ነተን ጻጸታት ቻርለስ ምዋንጊ ካብ ዝተባህለ ኬንያዊ፡ ንነፍሲወከፍ 100 ጻጸታት ብ77 ዶላር ከም ዝዓደገ ቤትፍርዲ ሰሚዑ ኣሎ።
እቲ ጻጸ ዝሸጠሉ ምዋንጊ'ውን ተኸሲሱ ሕጂ ብዋሕስ ወጺኡ ይርከብ።
ኣብ ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት ቤትፍርዲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ክልተ በልጁማውያን፡ ሓደ ቬትናማውን ሓደ ኬንያውን፡ ብተመሳሳሊ ገበን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣሽሓት ንግስቲ ጻጸታት ንምስጋር ብምፍታኖም ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ወይ 7,700 ዶላር መቕጻዕቲ ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


