ቤትፍርዲ ኬንያ፡ ጻጸ ብኮንትራባንድ ካብታ ሃገር ከውጽኡ ንዝፈተኑ ሰባት መቕጻዕቲ በዪኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቤትፍርዲ ኬንያ ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ጻጸ ካብታ ሃገር ከውጽኡ ዝፈተኑ ኣርባዕተ ሰባት ንሓደ ዓመት ማእሰርቲ ወይ ድማ ነፍስ-ወከፎም 7,700 ዶላር ክኸፍሉ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
እቶም ኣርባዕተ ጥርጡራት፡ ክልተ ቤልጅማውያን፡ ሓደ ቬትናማውን ሓደ ኬንያውን ኰይኖም፡ ናብቶም ኣብ ኤውሮጳን እስያን ዝርከቡ ኣከብቲ ጻጸ ከብጽሑዎም ከም ዝመደቡ ስለ ዝተጠርጠሩ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።
ንሳቶም በቲ ክሲ ገበነኛታት ምዃኖም ተኣሚኖም። ቤልጁማውያን ነቶም ፍሉያት ጻጸ ከም መዘናግዒ ይእክቡዎም ከም ዝነበሩን ኣንጻር ሕጊ ከም ዘይመሰሎምን ንቤትፍርዲ ተዛሪቦም።
እቲ ዳኛ ግን እቶም ዝኣከቡዎም ጻጸ ክቡራት ምዃኖምን ውሑዳት ጥራይ ዘይኰኑስ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምዃኖምን ትማሊ ረቡዕ ገሊጹ።
"ውሑዳት ጻጸ ምእካብ ከም መዘናግዒ ክውሰድ ይኽእል'ዩ፣ 5000 ጻጸ ግን ክንዮ መዘናግዒ'ዩ፡" ትብል ዳኛ ንጀሪ ቱኩ።
"ዓለምና ብሰንኪ ስስዐ ድሮ ብርክት ዝበሉ ዓይነት እንስሳታት ስኢና ኣላ። ነዚ ከይዲ'ዚ ንምዕጋት ግዜኡ ሕጂ'ዩ።"
ወሲኻ ድማ፡ "እዚ ቤትፍርዲ ንዅሎም ዓበይትን ንኣሽቱን ፍጡራት ንምሕላው ዝከኣሎ ክገብር'ዩ፡" ኢላ።
እቲ ኮንትሮባንዳዊ ንግዲ፡ ዓበይቲ ኣፍሪቃውያን ጻጸ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ብገለ ነጋዶ ዓባይ ብሪጣንያ ንነፍሲ-ወከፎም ክሳብ 220 ዶላር ይግመቱ።
ዜጋታት ቤልጁም ሎርኖይ ዳቪድን ሴፐ ሎደዊክስን ክልተኦም ደቂ 19 ዓመት፡ ከምኡ'ውን ቬትናማዊ ዱህ ሁንግ ንጉየንን ኬንያዊ ደኒስ ንግኣንግን፡ ዳኛ ምኽንያታቶም ምስ ሰምዐ ተመሳሳሊ ፍርዲ ተቐቢሎም።
እቶም ቤልጁማውያን 5,000 ጻጸ ሒዞም ክርከቡ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ልዕሊ 300 ጻጸ ኣብ ክፍሎም ሒዞም ተረኺቦም።
እቶም ጻጸ ንኣዋርሕ ብህይወት ምእንቲ ክነብሩ ኣብ ልዕሊ 2,000 ብጡጥ ዝተመልአ ሻምብቆታት መመርመሪ ተዓሺጐም ከም ዝነበሩ ሰብመዚ ገሊጾም።
እዞም ቤልጁማውያን መንእሰያት ብናይ በጻሕቲ ቪዛ ናብ ኬንያ ዝኣተዉ ኰይኖም፡ ኣብታ ብናይ እንስሳታት መናፈሻታትን ቀላያትን ብበጻሕቲ እትፍቶ ከተማ ናይቫሻ ይሓድሩ ነይሮም።
ወዲ 23 ዓመት ንጉየን፡ ነቶም ጻጸ ንምውሳድ ጥራይ ስለ ዝተላእከ፡ እቲ ዝለኣኾ ሰብ ድማ ትኬቱ ከፊሉ ብምንባሩ፡ "በቕሊ ወይ መልእኽተኛ፡" ተባሂሉ ብቤትፍርዲ ተገሊጹ።
እቲ ቤትፍርዲ፡ ወዲ 26 ዓመት ንግኣንግኣ፡ ኣብ ገጠር ዓዱ ብዝነበሮ ኣፍልጦ፡ ከም "ደላላይ" ኰይኑ ከም ዝተዋስአ ገሊጹ።
እታ ዳኛ፡ ንጉየንን ንግኣንግኣን ኣብ ዝፍረድሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣብቲ "ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳ ዘገዳምን ምናልባት'ውን ቅርሰና ስነህይወታውን፡" ኢላ ዝገለጸቶ ስራሕ ከም ዝተሳተፉ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ቤልጁም ኣብ ገዛኡ 10 ዓይነታት ጻጸ ዘለዎ ኣፍቃሪ ጻጸ ዝዀነ ዳቪድ፡ ኣባል ናይቲ "ጕጅለ ጻጸ" ዝበሃል ናይ ፈይስቡክ መዝገብ ምዃኑ እቲ ቤትፍርዲ ሰሚዑ።
እዚ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኬንያ ዝበጽሐ ቤልጁማዊ መንእሰይ፡ ተወሳኺ ክደሊ ኣብ ዝተኣስረሉ እዋን፡ 2,500 ፍሉያት ጻጸ ብ200 ዶላር ከም ዝገዝአ ገሊጹ።
ዳቪድ ምሕረት ክግበረሉ ኣብ ዝልምነሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ዝተጣዕሰሉ ተግባራቱ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ይፈልጥ ከም ዘይነበረ ንቤትፍርዲ ገሊጹ።
ሎደዊክስ ብወገኑ፡ ነቶም ጻጸ ንተገዳስነት ስነሓሸራ (ኢንቶሞሎጂ) ጥራይ ኢሉ ክገዝኦም ከም ዝደለየ እኳ እንተ ገለጸ፡ ዕላማኡ ግን ንምሻጥ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ።
እቲ ቤትፍርዲ፡ እቶም ሰለስተ ወጻእተኛታት፡ እቲ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቶም ምስ ተኸፍለ ወይ ድማ ግዜ ማእሰርቶም ምስ ተዛዘመ ናብ መበቈል ሃገሮም ክምለሱ ኣዚዙ።
እቶም ሰባት ነቲ ብይን ይግባይ ክብሉ 14 መዓልታት ኣለዎም።
ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብይን፡ "ኬንያ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር እንስሳ ዘገዳም ዜሮ ተጻዋርነት ከም ዘለዋ ዘመስክር እዩ፡" ክብል ንኢዱዎ።
"ነጋዶ መብዛሕትኡ ግዜ ንስነኣከባብያዊ ንኣሽቱ ዓይነታት እንስሳታት ኣትሒቶም ይርእዩዎ፣ ኣብ ስነህይወትና ዘለዎም ተራ ግን መተካእታ የብሉን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ኬንያ እቶም ጻጸ ብኣህጉራዊ ውዕላት ብዙሕነት ህይወት ዝሕለዉ ኰይኖም፡ ንግዶም ድማ ልዑል ቍጽጽር ዝግበረሉ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







