ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ስለምንታይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ 'ኢዱ ከእቱ' ዝደሊ?

ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, Office of PM/twitter

መግለጺ ስእሊ, ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ "ኢድና ኣጣሚርና ኣእክንርእን ኢና" ኢሉ ደፊሩ ምዝራቡ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓብዪ ጸገም ወዲቓ ከምዘላ መርአያ እዩ ይብሉ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ።

ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዞባውን ዘቤታውን ጉዳያት ንውሕ ዝበለ ቃለ-መሕትት ክህብ ሎሚ ንሳልሳይ ግዝኡ'ዩ።

ኩሎም ቃለ መሕትታት ምስ ሃገራዊ ቴሌቪዥን [ማለት ቲቪ ኤረን ድምጺ ሓፋሽን ] ዝተኻየዱ'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን [ብዓርቢ 07 ለካቲት 2020]፡ ንዞባውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ኣተኲሩ ኣብ ዝገበሮ ልዕሊ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ቀዳማይ ክፋል ቃለ-መሕትት፡ ዝበዝሐ ክፋሉ ናብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘቕነዐ'ዩ ነይሩ።

ኣቶ ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ኣዕኑድ ናይቲ ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈረመ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ኤርትራን ኢትዮጵያንን ዘጋጠሞም ብድሆታትን'ውን ጠቒሱ።

ፕረሲደንት ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, MoI Eritrea

መግለጺ ስእሊ, ፕረሲደንት ኢሳይያስ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስዉኣት መደረ እናስምዐ

ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዝመጽአ ሰላም ከበድቲ ሕልኽላኻት ዘሰነዩዎ ምዃኑ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ዕረያ [ሪፎርም] ዘላቒ ፍታሕ ንከምጽእ ከቢድ ዓቐብ ዝጽበዮ'ዩ ብምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትእትታው ከም ዝገብር ኣተንቢሁ።

ኢትዮጵያ ብዓሌትን ቀቢላን ኣብ ዝኸፋፈላ ፖለቲካ ኣትያ ትቕንዞ ከም ዘላ ዘልዓለ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብታ ሃገር ዝኾኑ ነገራት ኩሎም ንኤርትራ ከም ዝጸልውዋ ተዛሪቡ።

"እዚ ንዓና ብቐጥታ ኣይምልከተናን ይኸውን። 'ናታቶም ጕዳይ'ዩ፣ ባዕላቶም ከም ድላዮም ገይሮም ይወድእዎ' ክንብል ንኽእል ኢና - ከም መጎተ። ኣብ መወዳታ ግን፡ ክንተሓጋገዘሉ ዘለና ጕዳይ እዩ" ኢሉ።

"ጓኖት ኣይኰንናን ኣብ'ቲ ምዕባለ። ናይ ውሽጦም ከመይ ገይሮም ይፈትሑዎ፡ ንዓኣቶም ዝምልከት እዩ። መወዳእታ ግን ንሕና ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንዕዘቦ ስለዘይንኽእል፡ ብንጥፈት ጽምዶ ክንገብር ኣለና"።

ብዓይኒ ኢትዮጵያውያን ተንተንቲ

ፕረዚደንት ኤርትራ ብዛዕባ ኢትዮጵያ በዚ ደረጃ ምዝራቡ፡ "ናይ ብሓቂ ኣብ ዓብዪ ጸገም ኢና ዘለና ማለት'ዩ" ዝብል ክኢላ ህዝባዊ ፖሊሲን ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዳደ ደስታ፡ እዚ ኢትዮጵያውያን ብትኹረት ክርእዩዎ ኣለዎም ይብል።

ኢትዮጵያ፡ ውሽጣዊ ጸገማታ ብናይ ባዕላ ዓቕምን መሪሕነትን ንምፍታሕ ኣይትሰንፍን ዝብል ኣቶ ዳደ፡ ኣቶ ኢሳይያስ ግዜ ወሲዱ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምዝራቡ ልክዕ ኣይኮነን ብምባል ይነቅፍ።

"ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክንድዚ ኣንዊሖም ክዛረቡ ክፍቀደሎምን ርእይቶ ክህቡን ኣይግባእን። ኣብዚ ሰዓት መራሒ ኢትዮጵያ [እንተዝኸውን] ቀልጢፈ ምላሽ ምሃብኩሉን መአረምታ ክግበረሉ ምተዛረብኩን፤ ስቕ ምባል ተሰማሚዐሉ ኣለኹ ማለት'ዩ።

". . . ንሶም፡ ከም ሓደ ጽቡቕ ገስጋሳይ መራሒ ንክረአዩ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስደት፣ ድከት፣ ኣብ ምፍታሕ ኣርእዮምና እንተዝኾኑ፡ ንዓና'ውን ክትሕግዙና ትኽእሉ ኢኹም ምበልናዮም። ከም ናተይ ግምት ግን ኣብ ከባቢና እወንታዊ ኣብነት ክኾኑ ዝኽእሉ ኣይኮኑን" ኢሉ።

ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ፣ ስደተኛታትን ጂኦፖለቲካ ቐርኒ ኣፍሪቃን ተደጋጋሚ መጽናዕቲ ዘካየደ ምሁር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መጽናዕትን፡ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ ብወገኑ፡ እቲ ዝበዝሐ ትንታነ ናብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘቕንዐ ዝኾነሉ ምኽንያት እንከብርህ፡ ኣብቲ ዞባ ክህልዎ ካብ ዝደልዮ ጽልዋ ዝብገስ'ዩ ይብል።

ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ፕረዚደንት ንኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባ ክህልዎ ንዝደሊ ጽልዋ ዝነበሮ ኣናብባ ከም ዘይተቐየረን'ዩ ዘርኢ ክብል ፕ/ር መረሳ ይዛረብ።

ኢሳይያስን ኣብዪ ኣሕመድን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ፡ ሕሉፍ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ካብ ዝነበሮም ኣመለኻኽታን ፖለቲካዊ ኣካይዳን ተበጊሱ፡ ኢትዮጵያ መቐጸልታ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኤውሮጳ'ያ ዝብል ንባብ ኣለዎ ክብል'ውን ይምጉት።

"ካብ መግዛእቲ ጥልያን፣ ስርዓት ሃይለስላሰ፣ ደርግ ድሕሪኡ ድማ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ዘሎ ግዘ ኩሉ፡ ኢትዮጵያ ተለኣኻኺት ምዕራባውያንን ናይ ደገ ሓይልታትን ምዃና ይገልጹ ነይሮም።

"ፕሬዝደንት ኢሳይያስ፡ ድሕሪ ናጽነት ወይ ንሶም ዝቆጻጸሩዋ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ምፍጣር፤ እንተዘይኮይኑ ግን ኢትዮጵያ ድኹም መንግስቲ ክህልዋ፣ ዝፈራረሰት ክትኸውን ዝብል ባህጊ'ዩ ነይሩዎም። እዚ ንምዕዋት ዕንቅፋት ዝኾኖም ግን፡ ህወሓት ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን ምህላው'ዩ" ይብል።

ኦነግ፣ ኦብነግ፣ ግንቦት ሸውዓተን ካልኦት ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ሓይልታትን ኢትዮጵያ፡ ን20 ዓመት ዝኣክል ኣብ ኤርትራ'ዮም ጸኒሖም።

ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2018 ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓድሽ ውዕል ሰላም ምስ ፈረማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብመሰረት ዘቕረበሎም ዕድመ ሰላማዊ ቓልሲ ንምክያድ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

እዞም ተቓወምቲ ግን ኣብ ድኽመት ኢትዮጵያ ተሞርኲዞም'ዮም ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ዝብል ፕ/ር መረሳ፡ "ብናይ ኢህወደግ ስሕተት ናብ ስልጣን ዝመጽአ ኣብዪ ኣሕመድ ድማ ንኢሳይያስ ዓብዪ ዕድል ፈጢሩሉ" ይብል።

መሪሕነት ዶክተር ኣብዪ፡ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ሓያል መንግስቲ ክምስርት ኣይክኣለን፣ ኣብታ ሃገር ዝተርኣየ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣይተቖጻጸረን፣ ምኽንያት ዓመጽ መናእሰይ ኦሮሞ ዝኾኑ ሕቶታት ኣይመለሰን፣ እታ ሃገር ድማ ጸጥታን ውሕስነትን ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ዝሰፈነላ ትኸውን ኣላ ክብል ይነቅፍ።

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግልጺ'ዮም

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብወግዒ ምርኻብ ካብ ዝጀመርሉ ግዘ ኣትሒዙ ዝርዝር ዝበጽሑዎም ስምምዓትን ዘካይዱዎም ዘተታትን፡ ክሳብ ሕጂ ዝተብሃለ ነገር የለን።

ኣብ ጉዳይ እዘን ክልተ ሃገራት ሕድሕዶም ዝብሉዎም ናይ 'ወኪለካን ወኪል ኢኻን' ዘረባታት ድማ፡ ንሉእላውነት፣ ቐጻሊ ሃገራዊ ህልውናንን ዘላቒ ሰላምን እተን ሃገራት ይጻባእ'ዩ ብምባል፡ ዜጋታቶም ብተደጋጋሚ ነቒፎምዎ'ዮም።

'ኣብዪ ወኪል ጉዳይ ወጻኢና'ዩ፡ ንሱ'ዩ ዝመርሓና' ክብል ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሎሚ ድማ ኢትዮጵያ ዝገጥሙዋ ዘለው ሽግራት ዝተሓላለኹ ብምዃኖም ኢዱ ኣእቲው ንምፍትሖም ክሕግዝ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግልጺ'ዮም። ናብ ኢትዮጵያ ኢዶም ዘእትው ንሓንትን ሓንትን ጉዳይ'ዩ፤ ንሱ ድማ ህወሓት ንምጥፋእ። ግን ድማ 20 ዓመት ሙሉእ ንህወሓት ንምድኻም ክብሉ ንኤርትራ ኣጥፊኦምዋ'ዮም" ይብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ።

ኢትዮጵያ እትምርሐሉ ስርዓት ፌደራሊዝም ድማ፡ 'መርዚ ሓድነት ህዝብታት'ዩ' ብምባል ስለ ዝነቕፎ፡ ስግኣት ምብትታን ህዝብታት ኢትዮጵያ'ዩ ተባሂሉ ዝሙጎት ዓንቀጽ 39 ክጠፍእ፣ ምርጫ ክተርፍ ከም ዝደሊ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሙሁራት ይኣምኑ።

"እቲ እዋንን ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ሒዝካ ክርአ እንከሎ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሙሉእ ንሙሉእ ኢዶም ከእትው ከም ዝኽእሉ ዘመላኽት'ዩ" ይብል ኣቶ ዳደ ደስታ።

እዚ ክሳብ ክንደይ ብግብሪ ዝርአይ'ዩ ዝብል ካልእ ኣርእስቲ ኮይኑ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክፍጸም ዝኽእልን'ዩ ብምባል ነታ ዓዲ ርግኣት ዝፈጥር ኣይኮነን ይብሉ እዞም ሙሁራት።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ሙሁራትን ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት መንግስታት ካልኦት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ኣሎ ብምባል ንመንግስቲ ክነቕፉ ጸኒሐም'ዮም።

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዙርያ ክልትኣዊ ጉዳያት ስምምዕ ፈሪመን

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER

ዋላ'ኳ ድሕሪ'ቲ ናይ ሓምለ 2018 ናይ ሰላም ስምምዕ ንሓጺር እዋን፡ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተኸፊቶም እንተነበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ኩሎም ብኤርትራ ተዓጽዮም ይርከቡ።

ጠንቂ ናይቲ ምዕጻው፡ ናይ ጸጥታን፡ ንዋሕዚ ሰባትን ንግድን ቅጥዕታት ንምትሓዝ'ዩ እኳ እንተተባህለ፡ ብወግዒ ግን ዝተነጸረ የለን። ክሳብ መዓስ ተዓጽዩ ከም ዝጸንሕ'ውን ኣይተፈለጠን።

ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ስለምንታይከ ደጋጊሙ ንህወሓት ይኸስስ?

ኣብ ጽምብል መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ 2019 መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንውሳነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብምንኣድ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ህወሓት ዝመርሖ ስርዓት 'ጌም ኦቨር' ክብል ከም ዝገለጾ ይዝከር።

ድሕሪ ዕርቀ-ሰላም ክልቲአን ሃገራት፡ ዶባት ኣብ ምኽፋት ኣብ ዝነበረ ጽምብላት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኣቦመንበር ህወሓትን ኣማሓዳሪ ክልል ትገራይን ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተራኺቡ ነይሩ'ዩ።

ክልቲኦም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክላዘቡ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ዝተዘርገሓሉ እዋን ድማ፡ እቲ ዝተፈረመ ሰላም ናብ ምሉእ ዕርቂ ከምርሕ'ዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ነይሩ።

ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ቃለመሕትቱ ግን፡ እቲ 'ዝጠፈሸ ጃንዳ' ክብል ዝጠቀኖ ህወሓት፡ ብምእባዩ ባድመን ካልኦት ንኤርትራ ዝተውሃበ ቦታታትን ክምለስ ኣይክኣለን ክብል ከሲሱ።

ኣቶ ዳደ ደስታ፡ ስለምንታይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ እዋን'ዚ ንህወሓት ከጥቅዕ ከም ዝደለየ ክዛረብ እንከሎ፡ "እቲ ኩነታት ናብቲ ዝነበሮ ክመልሱዎ ዝደለዩ ይመስሉ። ናይዚ ምኽንያት ዝብሎ፡ ሓደ ስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ፡ ተማሒው ክኸይድ ኣለዎ ስለ ዝብሉ፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት እናተቐየረ ብምምጽኡ፡ ንዕኦም ከገልግል ዝኽእል ኣብ ጽልኢ ኢና ዘለና ዝብል ኣተናትና ቦትኡ ከይለቅቕ ስለ ዝደለዩ ይመስለኒ" ይብል።

ህወሓትን ህዝባዊ ግንባርን፡ ሽሕ'ኳ ኣብቲ ስርዓት ደርግ ምሒኻ ንምውጋድ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ውግኣት ብሓባር እንተተሰውኡ፡ ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ናይ ሰላም ዓመታት ግን፡ ዳርጋ 'ሓውን ሓሰርን' ኮይኖም ሓድሕዶም ክጣቖሱ ጸኒሖም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ናብ ትግራይ ተደፊኡ ዝኸደ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት፡ ነቲ መራሕቲ እዘን ሃገራት ዝፈጠሩዎ ሰላም ተኸቲሉ፡ ዕርቅን ሰላማዊ ርክብ ህዝብታትን ከም ዝደሊ ክገልጽ ጀሚሩ።

ተጋዳላይ ህወሓት ኣባይ ጸሃየ፡ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ከመይ እንተቐጸለ ይሓይሽ? ዝብል ተሓቲቱ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል [ትግራይ] ሰላምን ህዝባዊ ርክባትን ከም ዝደሊ ብምግላጽ፡ "እቲ ቂምታ ህወሓት ረሲዑዎ ኣሎ፤ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ'ውን ይረስዑዎ እንዶ" ብምባል እቲ ዕርቀ ሰላም ዝተማለአ ክኸውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣባይ ጸሃየ

ቐጺሉ'ውን ህወሓትን ህዝባዊ ግንባርን ንምዕራቕ ጻዕርታት ከም ዘሎ ዝገልጹ ተበግሶታት ይወሰዱ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ማይ ዝዓቁር ውጽኢት ኣየምጽኡን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ሰላም እዘን ሃገራት ሕጂ'ውን 'ህወሓትን መጋበርያታቱን' ይዕንቅጹ ከም ዘለው ይኣምን።

ቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ጸረ ዲሞክራሲ ከም ዝኾነ፣ ንኤርትራ ክመርሕ ከም ዘይኽእል ብምእማን፡ ካብ ህዝቡን ዓለምለኻዊ ርክባት'ውን ነጺልካ [እገዳታት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃም] መወዳእታ ናይ ስርዓት ለውጢ ክመጽእ ምግባር ዝብል ፖሊሲ ይኽተል ነይሩ።

ኣቶ መለስ ምስ ሞተ ናብ ስልጣን ዝመጽአ መሪሕነት ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተዳኺሙ፡ ኢህወደግ'ውን መሪሕነቱ ዝተማእኸለ ናብ ዘይኾነሉ ደረጃ ከም ዝመጽአ ይእመን።

"ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ህወሓት ናይ ደገ መጋበርያ ከም ዝኾነ'ዮም ዝኸሱ። ግን ድማ ንሶም ንህወሓት ንከጥፍኡ ምስ ሃገራት ዓረብ ዘይገበሩዎ የለን" ዝብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ'ውን ብታሪኾም ካብዚ ዝተፈለዩ ኣይኮኑን ክብል ይዛረብ።

"ናይ ዶብ ሽግር ካብቲ [ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ] ዝተዛረበሉ እዋን ክሳብ ሎሚን፡ ናይ ባድመን ከባቢኡን እንተሪኢና ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ'ዩ ዘሎ" ዝበለ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ፡ ክምለስ ዝግብኦ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ክምለስ ኣይክኣለን ኢሉ'ዩ።

"ስለምንታይ ክምለስ ኣይካኣለን እንድሕር ኢልና፡ እቲ ዝጠፈሸ ጃንዳ [ህወሓት] ነዚ ናይ ዶብ ኩነታት ከም መሀደዲ በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ መጣልዒ ንምሓዙ ምእንቲ፡ ኣብ ውሽጢ እዘን ዓመትን ፈረቓን ኣብ ባድመን ከባቢኡን እንታይ ምዕባለታት መጺኡ እንተ ኢልና፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣተና፡ መመሊሱ ከፊኡ" ኢሉ።

ኣመራርሓ ህወሓት ግን፡ ኣብዚ ሰዓት ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ዝበሉዎ ክስን ነቐፌታን ርኢይቶ ክህብሉ ከም ዘይደልዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቅድም ክብል ግን፡ ንውሳነ ውዕሊ ኣልጀርስ ከም ዝቕበሉዎ እንተገለጹ'ውን፡ ኣቐዲሙ ህዝባዊ ዘተታት ክካየዱ ኣለዎም ኢሎም ከም ዝኣምኑ ገሊጾም።

ዕጫ ኢትዮጵያ ናበይ ከብል ይኸውን?

ህልዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ብንጹር እዛ ሃገር ናበይ ክወስዳ'ዩ ዝብል ምግማት'ኳ እንተዘይተኽኣለ፡ ካብ ሓደጋ ምብትታን ናብ ዝፈራረሱ ወይ ዝወዳደቑ መንግስታት ዝወስዳ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ'ዩ።

"ውዱቓት መንግስታት እንተመጺኦም ድማ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ዝህቢ ዝተሸከመት ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ፣ ጂኦፖለቲካውን ቑጠባውን ቅልውላው ክትፈጥር ትኽእል'ያ፤ ስደት፥ ዘይሕጋዊ መሸጣ ኣጽዋር፣ ክበራኸት ይኽእል'ዩ።

. . . በዚ ዝተልዓለ ዕድል ኤርትራ'ውን ተመሳሳሊ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ናይዘን ክልተ ሃገራት ቅልውላው ከምቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ዕንወትን ውድቀትን ተፈጢሩ ናይ ኲናት ቀጠና ከይፈጥራ ይሰግእ" ይብል።

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ'ዚ ብተግባር እንታይ'ዮም ክገብሩ ዝብል'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ኢትዮጵያ ግን ዘሰክፍ ዕጫ ኣብ ቅድሚኣ ይጽበያ ከም ዘሎ ክኢላ ህዝባዊ ፖሊሲ ኣቶ ዳደ ደስታ የብርህ።

"እቲ ዘሰክፍ፡ ናይ ኢትዮጵያ መራሕቲ ምስ ሓደ ክልል ብዘለዎም ዘይምቅድዳው ወይ እዋናዊ ፖለቲካዊ ሽግር ምስ ደገ ዘሎ ስርዓት ተደጋጊፍካ ንምስኳን ምፍታን ሓደገኛን ንኢትዮጵያ ብዙሕ ጣጣ ዘለዎን'ዩ" ብምባል፡ ካብ ጽዕንቶ ኢድ ኣእታወነት ክቑጠቡ ኣለዎም ክብል ሓሳቡ ይዛዝም።