ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዝወዓሉ ተጋደልቲ እንታይ ይብሉ?

ህዝባዊ ግንባር: እቲ ውሩይ ጋዜጠኛን ተመራማሪ ታሪኽን ባዚል ዴቪሰን መዘና 'ዴንቬንፉ' ክብል ንዝገለጾ ናደው እዝ፡ ብምሉእ ክባዊ ቀለቤት ስዒሩ፡ ቅድሚ ሽዑ ዓጢቑዎ ዘይፈልጥ ከም ቢኤም ወንጫፊ ሮኬታትን ከም 130 ሚሊ ሜተር ዝኣመሰለ እስትራተጂካያዊ መዳፍዕ ሰሊቡ፡ ራሻውያን ኣማኸርቲ መኮንናት ከምዝማረኸ፡ እታ ክሳብ ሩስያ ከይዳ ነቶም ራሻውያን ምሩኻት ዘዘራረበቶም ጸሓፊት ታሪኽ ሚኪኤላ ሮንግ፡ ኣብታ "I didn't do it for you!" ንዓኺ ኢለ ኣይገበርኩዎን ኣብ ዘርእስታ መጽሓፋ ኣስፊራቶ ኣላ።
ኣብ እዋኑ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ንዓወት ኣፍዓበት፡ 'ነጥበ መቐይሮ ሰውራ ኤርትራ' ክብሉ እዮም ገሊጾሙዎ።
እቲ ውድብ ኣብ 1977 ዝነበሮ ጸብለልታ ብምትእትታው ሕብረት ሶቬት ብደርግ ተመንዚዑ፡ ካብ ኩሉ እቲ ተቖጻጺሩዎ ዝነበረ ከተማታትን ድፍዓት ከበሳን ኣዝሊቑ ኣብ ሳሕል እዩ ዓሪዱ።
ኣብቲ ሰንሰለታዊ ኣኽራናት ኮይኑ ከኣ ነቲ 'ላንዴ እና ለመጨረሻ' (ንሓንሳብን ንሓዋሩን) ዝተባህለ ሻድሻይ ወራርን ድሕሪኡ ዝቐጸለ ተኸታታሊ ወፍርን መኪቱ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጸብለል ምባሉ ኣመስኪሩ።
ድሕሪ ዓወት ኣፍዓበት፡ ስርዓት ደርግ ብዝተፈላለየ ግንባራት ንኣፍዓበት ክምለስ ዘካየዶ ፈተነ ኣይሰለጦን።
እቲ ተደጋጋሚ ፈተነ ምስ ፈሸለን ሰራዊት ደርግ ካብ ከተማታት ተሰነይ ባረንቱን ኣቑርደትን ሰራዊቱ ምስ ሰሓበን፡ ሽዑ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ደጊም ንድሕሪት ኣይንምለስን ኢና ዝብል ሞራል አሕዲሮም።
ዝኽሪ 30 ዓመት ስርሒት ፈንቅል ከካፍሉና ካብ ዝተሓተቱ ገዳይም ተጋደልቲ እቲ ግንባር፡ ተጋዳላይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት፡ "ድሕሪ ዓወት ኣፍዓበት መዓስን ኣበይን ምዃኑ እዩ ዘይፈለጥና እምበር ህዝባዊ ግንባር፡ ወይ ብከረን ወይ ብባጽዕ ብስራት ዓወት ከስምዓና'ዩ" ዝብል ትጽቢት ከምዝነበሮ ይዝክር።

ምንጪ ስእሊ, TO
ኣብ ክፍለ ሰራዊት 85 ኣብ ብርጌድ ወረደ ዳኒኤል ኣብ ጎላጉል ሰምሃር ኣብ ቢሰስ ዝነበረት ሂወት ገብረእግዚኣብሄር (ሓይኩ) እውን "ድሕሪ ኣፍዓበት፡ ባጽዕ ወይ ከኣ ከረን እያ ክትስዕብ" ዝብል ስምዒት ነይሩዋ።
እቲ ዝነበረቶ ብርጌድ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምድረ ሰምሃር፡ ኣብ ጎላጉል ቢሰስ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይድ ብምንባሩን፡ ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ውድብ ብብዝሒ ናብቲ ቦታ ይመጽኡ ብምንባሮም፡ መዓስን ኣበይን እዩ እምበር ኣብ ቀረባ እዋን ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዘሎስ ርኡይ ምንባሩ ትዝክር።
ኣብ ክፍለ ሰራዊት 61 ኣኒስቴዚስት ናይቲ ኣሃዱ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ (1974) ሞገስ ብርሃነ እውን፡ ኣሃዱኡ ዓሪዱሉ ካብ ዝነበረ ግንባር ሓልሓል፡ ካብ ድፍዓት ደሪቐልን መለብሶን ተበጊሶም፡ ንኣፍዓበት ረጊጾም ብዒንን ማይ ኦልዮን ገይሮም ናብቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝተጋደለሉን ኣጸቢቑ ዝፈልጦን ምድረ ሰምሃር ምስ መጽአ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንባጽዕ ክኸውን ከምዝኽእል ኣይተጠራጠረን።
ሓያሎ ካብተን ኣብ መጥቃዕቲ ሰምሃር 1977 ዝተሳተፋ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር በቲ መስመር እቲ ይንቀሳቐሳ ምንባረን ብምዝካር ከኣ፡ ዋላኳ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ተስዓታት ብዕጥቅን ተተኳስን እንተዓበየ፡ ሰራዊት ደርግ'ውን ብኡ መጠን ክዓቢ ከምዝኽእል ብምግማት ተመኩሮ ሳሊና ከይድገም ስግኣት ከምዝነበሮ ኣይሓብአን።
ኣብ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ጽንዓትን ቅሩብነት ንመስዋእትን ኣብ ሰራዊት ደርግ ስለዘይነበረ ግን ብእኡ ከምዝተደዓዓሰ ይዛረብ።
ኣባል ኣጋር ከቢድ ብረት ክፍለ ሰራዊት 70 ኣብርሃም መሓረና እውን፡ "ዓሪድናሉ ኣብ ዝነበርና ግንባራት ጽዑቕ ታዕሊም ስለዝነበረ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ከምዝጽበየና ርዱእ እዩ ነይሩ ይብል።
ዝኾነ ወተሃደር ንኲናት ከም ቀዋሚ ስርሑ ስለዝርእዮ እዩ ኣብርሃም፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ከምዘሎ ርኡይ ነይሩ" ክብል ንኲናት ከም ስራሕ ዝገለጾ። እቲ ሰራዊት "ተበገስ" ምስተባህለ ከኣ ከካብ ዓሪዱሉ ዝነበረ ድፋዕ ብእግርን መኪናን ተጓዒዙ ኣብ ሰምሃር ተኣኻኸበ።
እታ 14.5 ሚሊ ሜተር ረሻሽ ዝዓጠቐት ኣብርሃም ዝነበራ ጋንታ ከኣ፡ ሓጺርን ነዊሕን ዝሻምብቆኡ ረሻሽን መዳፍዕ ምስ ዝዓጠቐት ቦጦሎኒኡ፡ ነቲ ብኣጋር ዝኣቱ ዝነበረ ሰራዊት ጉልባብ ክትገብረሉ ብድሕሪኡ ተሰለፈት።
ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ካብቲ መበገሲ ነቑጣ ነናብ ሸቶታቱ ክብገስ እንከሎ እውን እንተኾነ ናበይ ከምዘጥቅዕ ኣይተነግሮን። ከም ዝኾነ ወተሃደራዊ ውድብ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ምስጢር ጽኑዕ እዩ - ሕልፍ ክብል ጽኑዕ። "ክሳብ እታ ናይ መጨረሽታ ደቒቕ፡ ኣበይን እንታይን ከምእትገብር ኣይንገርን እዩ" ይብል መጎስ ብርሃነ።
"ዝበዝሕ ግዜ ቅድሚ ሐደት ሰዓታት፡ ንሓንሳብ እውን ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ'ዩ ኣበይ ከምእተጥቅዕን መዓስ ተኹሲ ከምእትጅምርን ዝነገረካ" ክብል ኣብርሃም መሓረና እውን ተመኩሮኡ ይነግር። ብሓጺሩ "ምስጢራውነት ኣብቲ ውድብ ባህሊ'ዩ" ትብል ሂወት ሓይኩ ብወገና።

ምንጪ ስእሊ, HIWOT GEBREEGZIABHER
ሸሞንተ ለካቲት 1990፤ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ ምድረ ሰምሃር ባርዕ ኣጽዋራት ተኣጉዶ። እቲ ካብን ናብን ዝመላለስ ኣብ ህዋ ዝመሓላለፍ ሓባሪ ጠያይትን፡ እቲ ንጸላም ከሰንፍ ዝትኮስ ባውዛታትን ነቲ ናይ ኩናት ዞባ ናብ ቀትሪ ቐየሮ።
ኣብ ኩናት ሰምሃር ዝተሳተፉ ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ ኣብ ድሕሪ ስዕረቶም ኣብ ዝጸሓፉዎ መጻሕፍቲ ከምዝገለጹዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዘየላቡን ቅልጡፍን እዩ ነይሩ።
ልዕሊ ኹሉ፡ ወተሃደራት ደርግ ፈጺሞም ኣብ ዘይተጸበዩዎ ግዜን ቦታን መጥቃዕቲ ስለዘጋጠሞም ዕርድታቶም ለቒቖም ናብ ባጽዕ ኣዝሊቖም። እንተኾነ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ቀልጢፉ ኣብ ኣፍደገ ስጋለት ስለዝበጽሐ ክወዳደቡን ክተዓጻጸፉን ዕድል ኣይረኸቡን።
ኩናት ብባህሪኡ ዓውዲ ሞትን መቑሰልትን እዩ። ኩናት ሰምሃር ከኣ እቶን ሞት ምንባሩ፡ ኣብ ፍቸይን ሰለሙናን ዝነበረ መዛግብ ደርግ ኣብ ሓጺር ደቓይቕ ፈሪሱ፡ እቲ እዚ ከምዝተበታተነን፡ እቲ ምስ ብዙሓት ታንክታቱ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ተዘርጊሑ ዝነበረ ክፍላተ ሰራዊት ከኣ ተደፊኡ ንባጽዕ ከምዝኣተወ ጸሓፍቲ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከይተረፈ እዮም ተዛሪቦሙሉ።
ኣዛዚ ካልኣይ ክፈለ ጦር ሑሴን ኣሕመድ፡ ንባጽዕ ክመልሱ ዘዋፈሮም ዝተፈላለየ ክፍለ ጦራት ካብ መዛግብ ጊንዳዕ ክሰግሩ ኣይከኣሉን። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጥዋለትን ዕዳጋን ምስ በጽሐ ብዝናብ ኣጽዋራት ተዓጊቱ ደው በለ።
ስጋለት ቀጣን ብቀሊሉ ትድፈር ኣይነበረትን። ተጋደልቲ ኣብታ ብየማነ ጸጋማ ብባሕሪ ዝተኸበበት ናይ ኣስታት ሓደ ኪሎሜትር ንውሓት ዘለዋ ቀጣን መስመር ስጋለት ምስ በጽሑ ንቕድሚት ክስጉሙ ኣይከኣሉን። ኣብ ኣፍደገ ስጋለት ኮይኑ ረሻሽ ዝትኩስ ዝነበረ ኣብርሃም " ዝከኣለና ፈቲንና ክንቅጽል ኣይከኣልና" ይብል 30 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ሕሉፉ ክዝክር እንከሎ።
ምዝላቕ 1977 መታን ከይድገም፡ ብኹሉ ነገር ክፍተን ኣለዎ ስለዝተባህለ፡ ታንከኛታት ህዝባዊ ግንባር፡ ጃጉዋር፡ ታይገርን ኮማንደርን ዝተባህላ ሰለስተ ታንኪ ኣምሪሖም፡ እናተኮሱ ንቕድሚት ተወንጪፎም። ግን ብሙሉኡ ኣጽዋራት ደርግ ናብታ ጸባብ ጽርግያ ስለዝቐንዐ ኩለን እተን ታንክታት ብተመራሒ ሚሳይል ተሃሪመን ነዲደን። ብድሕርዚ እንታይ ንግበር ኮነ።

ምንጪ ስእሊ, AM
ኣብርሃም ተዘክሮኡ ይቕጽል፦ ብኹሉ ተፈቲኑ ምስተቐብጸ ኣብ ፈጣናት ጀላቡ ተጻዒኖም ኣብ ወደብ ነኺሶም ኢድ ብኢድ ዝገጥሙ ተስዓ ሰባት ንመስዋእቲ ተሓርዮም።
" ነብሲ ወከፍኩም ስረኹም ቁረጹዎ። ሓምሳ ሜትር ምስተረፈኩም ብባሕሪ ክትኣትዉ ስለዝኾንኩም ጫማኹም ከየግድዓኩም ኣሳእንኩም ጽቡቕ ጌርኩም ብጨርቂ እሰሩዎ። ኣብ ጎድንኹም ዘሎ ሰብ እንተተሃሪሙ ኣብ ጥቕኡ ዘሎ ሰብ እንተዘይኮይኑ፡ እታ ጃልባ ሚዛን ስሒታ ከይትግምጠል ማንም ካልእ ክሕክሞ ኢሉ ካብ መቓምጦኡ ከይትንስእ" ዝብል ቀጢን ትእዛዝ ከምዝተመሓላለፈ ይዝከር።
ብኹሉ ምስተቐብጸ ፍስሃ ዝተባህለ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ወዲ ዕስራታት መንእሰይ እዩ እታ ሓሳብ ኣምጺኡዋ። ብፈጣናት ጀላቡ ናብ ወደብ ሰባት ምስጋር ከምዝከኣል ንጴጥሮስ ሰሎሞን ምስ ሓበሮ ከኣ ጴጥሮስ ምስ መሳርሕቱ ተዘራሪቡ ነታ ሓሳብ ከምዝደገፋ ኣብ መበል 10ይ ዓመት ዓወት ፈንቅል ሰዋሕል ኣብ ዝተባህለት መጽሔት ብኣድናቖት ናይ ፍስሃ ምስክርነቱ ሂቡ ነይሩ።
ኣብርሃም ምስቶም ንመስዋእቲ ዝተሓርዩ ተስዓ ተጋደልቲ መስርዑ ሒዙ ኣብታ ፈጣን ደይቡ። ነቶም "ምዑታት እዮም" ዝበሎም ውልዶ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ኣድኒቔ ኣይጸግቦምን እዩ።
"ሺሾ ጠያይት እናዘነቦም ናብ ምድሪ ኣጸጊዖምና። መሬት ነኺስና ኩናት ምስ ጀመርና ከኣ ሰራዊት ደርግ ብዘይተጸበዩዎ ስለዝኣተናዮም - ተዓዊትናሎም። ይኹን እምበር ካብ ትሽዓተ ኣባላት መስርዐይ ኣነ ዝሻድሻዮም ኢና ተወጊእና።
"ብሬን -ፒከይ ዝሓዘ ጅግና ኸኣ ተሰዊኡና። ኣይደንጎዩን ከኣ ሰራዊትና ብኹሉ ፈሲሶም ስለዝተጸንበሩና - ኣብ ሓጺር ሰዓታት ሓርነት ባጽዕ ተበሲሩ!" ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ካብ ኣኽራናት ሃገር ሳሕል "ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ንወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተቖጻጺሩዋ" ኢላ ንህዝቢ ኤርትራና ዓለምን ነጊራ።
ኣብ መዓስከር ባድን ባርካ ንህዝቢ ዝኣሊ ዝነበረ ካብ ኩናት ሳሊና 1977 ካብ ትሽዓተ ስውኣትን ውጉኣትን ደቂ መስርዑ ብጾቱ፡ ተወጊኡ ንስክላ ዝወጽአ ተጋዳላይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት፡ ዓወት ባጽዕ ምስተበሰረ እንታይ ከምዝተሰመዖ ከዘንትወልና'ዩ - ኣብ ካልኣይ ክፋል የራኽበና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







