ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ሕድገትን ምሕረትን ጥራሕ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ድሕሪ ናይ 24 ኣዋርሕ መሪር ኵናት ዶባት፡ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድንኦም በቲኾም ኣብ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ነይሮም።
ኣብዚ ዓመት ግና፡ እዞም መንግስታት ዝኣወጁዎ ዕርቀ ሰላም፡ ኣብ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ዓቢ ተስፋ አሕዲሩ ኣሎ።
እቶም ነቲ ዕርቀ ሰላም ዘሰላሰሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣህመድን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝተኸስረ ዕድላት ንምኽሓስ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።
ብምዃኑ ድማ፡ ን20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ስልክን በረራን ኣጀሚሮም፡ እቲ ንዓመታት ተፈላለዩ ዝጸንሐ ቀረባ ቤተሰብ ከምዝራኸብን ከምዝበጻጻሕን ገይሮም።
እቲ ርክብ ብነፈርቲ ጥራሕ ዘይኮነ ብመኪናን ኣጋርን'ውን ንኽጅመር ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽቡ መስመራት ግቡእ ጽገና ይግበረሎም ምህላው ዝምልከቶም ሰብ መዚ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ኣለዉ።
ንሱ ጥራሕ እውን ኣይኮነን። ወደብ ባጽዕ ንቡር ኣገልግሎት ንምሃብ ቅድመ ምድላዋት ኣሳሊጡ ምህላዉ ሓላፊ ኣገልግሎት ወደብ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።
ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ነዳዲ ዘጓዓዕዝ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ከምዝዝርጋሕ እውን ጋዜጣታት ኣልዓረቢያን ኣበሲረን።
እቲ ዝዝርጋሕ ናይ ነዳዲ ሻምብቆ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥርን ዓቢ ቁጠባዊ ረብሓ ከበርክትን ተስፋ ይግበረሉ። እዚ ኸኣ ነዚ ጀማሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም ንፋስ መሊሱ ዘድምቖ ዜና እዩ።
እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ፡ ሓያሎ ዜጋታት፡ ነዚ ናይ ሰላም ተስፋ ዘለምልም ካልእ ተወሳኺ ምልክት ክርእዩ ድላይ ኣለዎም።
ኣብ ሽወደን እትቕመጥ ገዲም ተጋዳሊት ሂወት ገብረእግዚኣብሄር፡ ሰላም መዳርግቲ ዘይብላ ህያብ ብምዃና በዚ ትምጻእ በቲ ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ትገልጽ።
እዚ ጀማሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም ምሉእን እሙንን ንክኸውን ብዙሕ ግብራዊ ስጉምቲ ከምእትጽበ ትሕብር'ሞ "መራሕትና፡ ጠንቂ እዚ ኩሉ'ዚ ብዝኾነ ኣሃዝ ዘይትመን ዘጋጠመ ክሳራን ስለዝኾኑ ንህዝቢ ክድብሱዎን ክኽሕሱዎን ብግሉጽነት ክሰርሑ ይግባእ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, HIWOT GEBREGZIABHER
ደስ በለ መሓሪ ካብ ዓዲ ጥልያን፡ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ፡ እቲ ዝድለ ዕላማ ክወቅዕን ነባሪ ዝኾነ ሰላም ንክፍጠር ዘለዎ ልዑል ባህጊ ይገልጽ።
"እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ክሳብ ሕጂ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ዝተገልጸሉ ነገር ስለዘየሎ፡ እቲ ስምምዕን ምዕባለታቱን ብዝርዝር ክግልጸሉ ይግባእ" በሃሊ'ዩ።
መራሕቲ፡ ጓሶት ህዝቢ ብምዃኖም ድምጺ ህዝቢ ክሰምዑን ጻውዒት ህዝቢ ከኽብሩን ከምዝግባእ ዘዘኻረ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ መጎስ ብርሃነ፡ "ነባሪ ሰላም ብሕድገትን ፍቕርን ጥራሕ ዘይኮነ ብፍትሕን ርትዕን እውን እዩ ዝረጋገጽ። ስለዚ መራሕቲ ክልቲኡ ህዝቢ ኣኣብ ሃገሮም ዝተፈጸመን ዝፍጸምን ንዘሎ ጉዳያት ብፍትሒ ከረጋግጹዎ ይግባእ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ 8 ነሓሰ 2018፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዘተ ዕርቂ ኣካይዶም" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንስእልታት ንልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣሰንያ ዜና ኣሐቲማ።
ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ክልተ ሓይልታት ጉዳዮም ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብዘተ ንክፈትሑ መንገዲ ዝኸፈተ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ዶክተር ኣቢይ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ ሓይልታት ክዘራረብ ክደፍእን ከተባብዕን፡ ባይታ ከጣጥሕ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክስከም ኣዘኻኺሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዛዕባ እዚ ዕርቀ ሰላም ክልተ ሓይልታት ብዝምልከት ተጋዳሊት ሂወት፡ "እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ኢና ዘሎና እናተባህለ፡ ዛጊት ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቐረቡ ንልዕሊ 17 ዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ክፍትሑን፡ ዕርቀ ሰላም ኣብ ቤት ክጅመርን ኣለዎ" ትብል።
መጎስ ብርሃነ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎ።
ዶክተር ኣቢይ፡ ንኹሉ ኣብ ስደት ዝነበረ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ኣትዩ ብሰላማዊ መገዲ ንኺቃለስ ብዝገበሮ ጻውዒት ብዙሓት ኣብ ግዳም ዝጸንሑ ተቓወምቲ እንኮላይ እቶም ኣብ ሊስታ ግብረ ሽበራ ከይተረፈ ዝጸንሑ ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ብምህላዎ ዝተሰመዖ ሓጎስ ይገልጽ።
"ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ካልእ ይትረፍ፡ ነቶም ንዓመታት ተቐይዶም ዘለዉ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን እንተዝፈትሕ ህዝቢ ልቡ ምረግኣሉ" ብምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ'ዉን ምሕረትን ሕድገትን ከርእን ብፍቕሪ ክመርሕን ኣቶ ሞጎስ ኣዘኻኺሩ።

ምንጪ ስእሊ, MOGES BERHANE
ኩላቶም ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ርእይተኦም ዘካፈሉ፡ ከምቲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራና፡ "መንግስቲ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ዘተ ዕርቂ ኣካይዶም" ብዝብል ኣርእስቲ ብስራት ዘተን ዕርቅን ዘስመዐት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንእሱራት ፈቲሑን ምሒሩን ዝብል ፈላሚ ዜና ክሰምዑ ሃረር ከምዝብሉ ሓቢሮም።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ከቢድ ህይወት ሰለዘሕለፈ በዚ ሓዲሽ ናይ ዕርቀ ሰላም ብስራት ልዑል ተስፋ አሕዲሩ ኣሎ።
እዚ ሰላም እዚ ግብራዊ ንኪኸውን ኩሉ ደላይ ሰላምን ምዕባለን እዚ ህዝቢ ነዚ ሰላም ንምድራዕ ክበራበር ብምጽዋዕ፡ "ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብኩናትን ሳዕቤናቱን ዝተወጽዐ ህዝቢ ክኽሕሱ ልዑል ተራ ክጻወቱ ይግባእ" ክትብል ጻውዒታ ተመሓላልፍ ተጋዳሊት ሂወት።
ደስበለ መሓሪ ብወገኑ፡ እዚ ሓድሕድ ምብጽጻሕ መራሕትን ልኡኻትን ሰናይ ምዃኑ፡ እንተኾነ እቲ ናብ ኩናት ኣምሪሑና ዝተባህለ ጉዳይ ዶባት ንመጻኢ ወለዶታት ክልቲኦም ህዝብታት ኣገዳሲ ስለዝኾነ ካብ ሕጂ ግቡእ መዓልቦን መኸተምታን ክግበረሉ የተሓሳስብ።
መጎስ ብርሃነ እውን እቲ ዝሰፍሐ ዝተዋጋእናሉ ዶባት ምስ ትግራይ ስለዝዳወብ፡ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ነባሪ ሰላም ንኽስረት፡ ምስ ክልል ትግራይ እውን ንቡር ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ዝምድናን ክጅመር ኣገዳሲ ምዃኑ የረድእ።
ካብኡ ተረፈ እዚ ናይ "ጌም ኦቨር" ፖለቲካ ንማንም ወገን ከምዘየርብሕ ብምዝኻኻር "እቶም ዝመርሑ ሕጂ እውን ካብ ሕሉፍ ክመሃሩ ኣሎዎም" ክብል ዕርቀ ሰላም ማለት ንዝሓለፈ ነገራት ከም መምሃሪ ወሲድካ፡ ንዝሓለፈ ከይረሳዕካ ግን ሕድገት ጌርካ ንቕድሚት ምቕጻል ማለት ምዃኑ ክዝክሩ ከምዝግባእ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







