ኣፍሪቃዉያን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብዘይ ቪዛ ዝንቀሳቐስሉ እዋን መዓዝ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሃብቱ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ናይጀርያዊ ኣኪሎ ዳንጎቴ፡ ናብ 38 ሃገራት ኣፍሪቃ ክገይሽ ቪዛ ከድልዮ ከሎ፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት ኤውሮጳ ግና ናብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ድላዮም ብዘይ ቪዛ ይገሹ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ብመሰረት ዝበጽሐኦ ስምምዕ፡ ኣብ 2018 ንኣፍሪቃዉያን ቪዛ ምሕታት ከብቅዓ ትጽቢት ነይሩ።
እዚ፡ ኣብቲ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ 2013 ዝተሰማምዓሉ "ናይ ዝቕጽል 50 ዓመት ራእይን ውጥንን" ሕብረት ኣፍሪቃ ብቐንዲ ዝጥቀስ ኢዩ።
እንተኾነ ግና ክሳብ ሎሚ፡ እታ እንኮ ንኩሎም ኣፍሪቃዉያን ቪዛ ዘይትሓትት ሃገር ሲሸልስ ኮይና፡ ናይ ዝኾነ ሃገር ዜጋ ቪዛ ምሕታት ካብ ተቋርጽ ዓመታት ተቖጺሩ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጸብጻብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝሕብሮ፡ ኣፍሪቃዉያን ናብ 22% ናይታ ክፍለዓለም ጥራይ ኢዮም ብዘይ ቪዛ ክገሹ ዝኽእሉ።
ነጻ ምንቅስቓስ ሰባት፡ ንቑጠባዊ ምዕባለ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ'ኳ እንተሞገቱ፤ እቲ ጉዳይ ኣብ ሃብታማት ሃገራት እታ ኣህጉር፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ጽልኢ ዘለዓዕል ተኣፋፊ ዛዕባ ኮይኑ እዩ።
ካብተን 55 ሃገራት ኣፍሪቃ ናብተን 35 ዝበጽሐት ካቺ ንዛማ "መራሕትና ነቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዶባት ንምሕላው ትርጉም ዘይብሉ ርሕቀት ኢዮም ዝኸዱ" ትብል።
ኣፍሪቃ 1.2 ቢልዮን ህዝቢ ብነጻነት ዝንቐሳቐሰላ ዶብ ኣልቦ ክፍለዓለም ክትከውን ድልየት እቲ ሕብረት እኳ እንተኾነ፡ እዚ ግና ብድሆታት ከየጓነፎ ኣይተረፈን።
ነታ ንቪዛ 200 ዶላር እተኽፍል ቡርኪና ፋሶን፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝኣተዉ ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ እትኣስርን ትጥርዝን ታንዛንያ ወይ'ዉን ነታ በረራታት ብምስራዙ ንኣፍሪቃውያን ገያሾ ቪዛ ዝኸልከለት ቱኒዝያ ምስ እትዝክር፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝግበር መገሻታት ጥርጣረ ዝመልኦ ምዃኑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, China News Service
ድርብ መለክዒ?
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጉዳይ ቪዛ እታ ቀንዲ ድርብ መለክዒ ከም ትጥቀም እትጥቀስ ሃገር ኢያ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ንመብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ዕጽዉቲ ክትኸዉን ከላ፡ ንዜጋታት ዝበዝሐ ካልእ ክፍለዓለም ግና ክፍትቲ ኢያ።
ዜጋታት 28 ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይ ቪዛ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክገሹ ክኽእሉ ከለዉ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና፡ ዜጋታት 15 ሃገራት ጥራይ ኢዮም ብናጻ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክገሹ ዝኽእሉ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ታቦ ሞክጎላ "እዚ ቅኑዕ ዘይኮነ ዘረባ'ዩ፤ ቪዛ ናይ ምግዳፍ ስምምዕ ብክልተኣዊ ዝግበር እዩ። ነዚ ድማ ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ነጻፍፍ ኣሎና" ክብል ነቲ ፖሊሲ ይምጉት።
ግና እዚ ብኸመይ ከም ዝግበር ንጹር ኣይኮነን።
ንኣብነት፡ ኬንያ ንዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኬንያ ኣብ ዝበጽሑሉ ቪዛ ብነጻ ክትህብ እንከላ፡ ኬንያዉያን ናብ ደቡብ ኣፍርቃ ክገሹ ምስ ዝደልዩ ግና ቅድሚ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ቪዛ ክሓቱን ክፍሊት ኣገልግሎት ክኸፍሉን ይግደዱ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃውያን ቪዛ ምሕታት፡ ኣብ 2018 ምሉእ ብምሉእ ደዉ ከብላ ክሰርሓ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምሕታቱ፡ እቲ ውሳነ ዕላዊ ስዒቡ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ማለት'ውን ኣብ 2015፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኣንጻሩ ጽኑዕ ዝኾነ ሕጊ ብምትእትታዋ ትኽሰስ።
ቁጠባዊ ምንቁልቋልን ቁጽሪ በጻሕቲ ድሕሪ ምንካዩን ግና እታ ሃገር ቁጽሪ በጻሕቲ ንምብርባር ኣብ ናይ መገሻ ሕግታት ምምሕያሸ ከም እትገብር ኣፍሊጣ ኣላ።
ፓስፖርት ኣፍሪቃ
ናሚብያ፡ ሞዉሪሸስ፡ ጋና፡ ርዋንዳ፡ በኒንን ኬንያን ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መገሻ ሕግታተን ኣፍኲሰን ኣለዋ።
እንተኾነ ግና ዜጋታት ኣፍሪቃ ናብ ልዕሊ ፍርቂ ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ክገሹ ገና ቪዛ የድልዮም ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/BBC
ናይጀርያዊ በዓል ጸጋ ኣኪሎ ዳንጎቴ ኣብ 2016 ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ "ወላ'ኳ ዓቢይ ኣህጉራዊ ቢዝነስ እንተ ሃለወኒ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክገይሽ 38 ቪዛ የድልየኒ" ክብል ጠሪዑ።
ንሱ ነቲ ኣብ 2016 ዝጀመረ ፓስፖርት ኣፍሪቃ ክወሃቦም ካብ ዝሓተቱ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ዘለዉ ሓደ ኢዩ።
እዚ ፓስፖርት ምስ ግዜ ነቲ ናይ ሕድሕድ ሃገራት ፓስፖርት ተኪኡ ክሰርሕ ትጽቢት ዝግበረሉ እኳ እንተኾነ፡ ዛጊድ ንመራሕቲ ሃገራት፡ ላዕለዎት ዲፕሎማትን ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃን ጥራይ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ።
ምእላይ ቪዛ ንኣፍሪቃውያን ገያሾ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ደገፍ ዘለዎ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ 2018 ተግባራዊ ክኸዉን ከም ዘይኽእል ብዙሓት ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







