ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስደተኛታት ንብረቶም ይዝመት

ሓደ በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰለ ስደተኛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ወጻእተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብብእዋኑ መጥቃዕቲ ይካየድ'ዩ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆንሃንስበርግ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ወጻእተኛታት ዘነጻጸረ ናይ ጽልኢ መጥቃዕቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ካልኦት ከም ዝቐሰሉን ፓሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።

ሓያሎ ብስደተኛታት ዝውነኑ ድኳናትን ንብረትን ከም ዝተሰርቁን ከም ዝዓነው'ውን ገለ ኣባላት ማሕበረኮም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ደቡብ ኣፍሪቃውያን ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ግጭት ሓንሳብ ምስተወልዐ፡ ንንብረት ናይቶም ግዳያት ኣብ ምዝማት ከም ዝኣተዉ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ብስእሊ ዝተሰነየ ጸብጻብ የርኢ።

ጠንቂ ናይቲ ግጭት፡ ሓደ ስደተኛ ንሓደ ክሰርቆ ዝመጸ መንእሰይ ተኲሱ ድሕሪ ምቕታሉ ዝተላዕለ'ዩ እኳ እንተተባህለ፡ ኣብታ ሃገር ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ወጻእተኛታት (ዜኖፎቢያ) ከም ዘሎን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብቐጻሊ መጥቃዕትታት ከም ዝካየድ ይንገር።

ነዋዊ ሙሳ ሓደ ካብ መራሕቲ ማሕበረኮም ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ጌና ከም ዘይተረጋገአን፡ ሳዕቤን ናይቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከብን እንተኾነ ግን ሓደ ኢትዮጵያዊ ከም ዝተቐትለ ከም ዘረጋገጸ ሓቢሩና።

"ብዙሕ ንብረት'ዩ ዓንዩ ዘሎ፡ በቲ ኩነታት ዝሰግኡ ሰብ ድኳን ድማ ንብረቶም እናግዓዙ'ዮም ዝርከቡ ዘለዉ" ድማ ኢሉ።

ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድኳናት ስደተኛታት እንናዘመቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓይሎ ድኳናት በቶም ነቲ ናዕቢ ዘካየዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ተዘሚቱ

ንሱ ከም ዝበሎ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ካብቲ ቦታ መጥቃዕቲ ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውንን ሶማላውያንን ስደተኛታት ኣብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ጆሃንስበርግ ዝርከብ መይፌር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውሑስ ቦታ ንጊዜኡ ተዓቑቦም ኣለዉ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ብሰዌቶ ዝፍለጥ ካብ ከተማ ጆሃንስበር ንደቡባዊ ምዕራብ ውጽእ ኢሉ ዘሎ ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ። ነበርቲ ናይቲ ከባቢ እቶም ስደተኛታት ጊዜኡ ዝሓለፎ ኣቑሑት ከም ዝሸጥሎም እኳ ንተተዛረቡ፡ ነቲ ዝበልዎ ኣቑሑት ምዝማት ግን ድሕሪ ኣይበሉን።

ኣብቲ መጥቃዕትን ዝምታን ተሳቲፎም ዝበሎም 27 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ፓሊስ ገሊጹ።

ወኪል ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝበሎ ድማ፡ እቲ ኤምባሲ ምስ ገለ ካብቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተጸልዉ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተራኸበን ንምድጋፎም ድልዉ ከምዘሎን ገሊጹ።

"እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኢትዮጵያውያን ዘስዓቦ ጽልዋ፡ ክንደይ ተጎዲኦም፡ ክንደይ ንብረት ዓይንዩ ኣብ ምጽራይ ኢና ንርከብ" ኢሉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ወጻእተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብብእዋኑ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸም ኣብ ዩኒቭርሲቲ ቪትስ ዝምህርን ብዛዕባ እቶም መጥቃዕትታት ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘካይድ ዶ/ር ጃን ፔር ሚሳጎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እዚ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን፡ ብቐጻሊ ክንብሎ ዝጸናሕና ጎነጽ ኣንጻር ወጻእተኛታት [ዜኖፎቢክ ኣታክስ] ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን'ዩ። ነዚ ድማ ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ፓለቲከኛታት'ዮም ዘጓሃህርዎ። ንድኽመቶም ናብ ስደተኛታት ኣሳቢቦም፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝለዓል ይገብሩ" ይብል።

ኣብ 2008 ኣብ ሓደ እዋን ዓሰርተታት ስደተኛታት ዝሞትሉ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ሓደ ሞዛምቢካዊ ብሂወቱ እንከሎ ብሓዊ ክቃጸል ዘርእይ ስእሊ ንዓለም ዘቖጠዐ ትርኢት ምንባሩ ይዝከር።