ጀርመን፡ ቅትለት ሓደ ዜጋ፡ ተቓውሞን ህውከትን ጸረ-ስደተኛታት ኣለዓዒሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቅትለትን ማህሰይትን ጀርመናውያን ብስደተኛታት ደቂ ሶርያን ዒራቕን ኣብቲ ሃገር፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ሳክሶኒ ብሕሉፍ-የማናውያን ዝተወደበ ጸረ-ስደተኛታት ተቓውሞን ህውከትን ኣላዒሉ።
እዚ ድሕሪ መንግስቲ ማርኬል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ምቕባላ ድማ ጽልኢ ኣንጻር ዘይደቂ-ሃገር [ዜኖፎብያ] ክዓቢ ጀሚሩ።
መንግስቲ ጀርመን ነቲ ብቕትለት ዝጥርጠር ዒራቓዊ ፖሊስ ክኣስሮ ዘፍቅድ ፍቓድ ነቶም ኣብ ሳክሶንይ፡ ምብራቓዊ ከተማ ቸምኒቲዝ፡ ዝርከቡ ሕሉፍ የማናውያን ኣምሊቑ መን ከምዝሃቦም መርመራ ከምዘበገሰ ተፈሊጡ።
ብሰንበት፡ሓደ ወዲ 35 ዓመት ኩባዊ ዝመበቆሉ ጀርመናዊ ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ፡ መዓልታት ዝወሰደ ህውከትን ተቓውሞ ኣንጻር ዘይደቂሃገር ወሊዑ።
እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እቲ ጥርጡር ወዲ ዒራቕ ንኽእሰር ዝእዝዝ ፍቓድ ናብ ደገ ምውጽኡ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ፖሊስን ጸረ-ስደተኛታት ዝኾኑ ጉጅለታትን ዝኾነ ምትእስሳር ከምዘሎ ብምርኣዩ፡ ኣብ ብዙሓት ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
እቶም ዞባውያን ምምሕዳራት ብሓሙስ ሓድሽ ተቓውሞ ከይህሉ ብምስጋእ ድማ ናይ ፌደራል ፖሊስ ሓገዝ ጠሊቦም ኣለው።
ዛጊት፡ ፖሊስ ኣንጻር 10 ሕሉፍ የማናውያን፡ ኣብቲ ቀዳማይ ናይ ተቓውሞ መዓልቲ እቲ ዘይሕጋዊ ናይ ሂትለር ሰላምታ ብምሃቦም ክሲ መስሪትሎም ኣሎ።
ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ እቲ ናይ መእሰሪ ፈቓድ፡ ብኣባላት ፖሊስ ወይ ድማ ኣባላት ፍትሒ ናብ ደገ ምውጽኡ ነውሪ ኢዩ ኢሉ።
ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ናይ ዙባ ሳክሶኒ ማርቲን ዱሊግ፡ ኣብቲ ቦታ ክንፈትሖ ዝግብኣና ዓቢ ሽግር ኣሎና ክብል፡ ንማዕከናት ዜና ጀርመን ሓቢሩ።
ነቲ ናይ መእሰሪ ፈቓድ ናብ ደገ ድሕሪ ምውጽኡ፡ እቶም ሕሉፍ የማናውያን ኣብ መርበብ ሓበሬተኦም ብምሕታም፡ እዚ ኣብ ጀርመን ዘይንቡር ጉዳይ ምኳኑን፡ ንፍትሓዊ ጉዳያት ዝምልከት ኣዝዩ ጽኑዕ ዝኾነ ሕጊ እንከሎ'ዩ።
ገለ ነቐፍቲ፡ እቲ ናይ መእሰሪ ፈቓድ ናብ ደገ ምውጽኡ፡ ዝያዳ ጸረ-ስደተኛታት ስምዒታት ንምልዕዓል ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል ኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንበት እንታይ ኣጓኒፉ?
ሰንበት ናይ ንግሆ፡ ናይ ጽርግያ ፌስቲቫል ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ዕግርግር ከምዝተላዕለ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ ብኻራ ዝተወግአ ወዲ 35-ዓመት ፈለኛሞ፡ ዳኒኤል፡ ኣብ ሆስፒታል ሞይቱ።
እቲ ዕግርግ እንታይ ኣበጊስዎ ግና ስጋብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ፖሊስ ግና እቲ ግዳይ ንሓንቲ ሰበይቲ ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክከላኸል ከሎ ኢዩ ተቐቲሉ ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ነጺግዎ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ እዋን ክልተ ጀርመናውያን ብጽኑዕ ከምዝተሃስዩ ፖሊስ ሓቢሩ።
ብሰኑይ ሓደ ወዲ 22 ዓመትዒራቓውን ሓደ ወዲ 23 ዓመት ሶርያውን ብቕትለት-ሰብ ተወንጂሎም ኣለው።
ብኸመይ እቲ ተቓውሞ ተላቢዑ?
እቲ ወረ ስደተኛታት ንገለ ደቂ ጀርመን ምጥቅዖም በቲ ሶሊኹ ዝወጸ ናይ መእሰሪ ፍቓድ ምስፈለጡ፡ ፈለማ ኣማኢት ድሒሮም ድማ ኣሽሓት ሕሉፍ የማናውያንን ምስኦም ዝደናገጹን ብምልዕዓል ናብ ጽርግያ ብምውጻእ ተቓውሞ ጀሚሮም።
ብሰኑይ፡ ኣስታት 6,000 ዝኾኑ ሕሉፍ-የማናውያን ናብ ጽርግያ ብምውጻእ ተቓውሞ ከስምዑ ከለው፡ ገለ 1,000 ዝኾኑ ድማ ኣብቲ ጸረ-ፋሺሽት ህዝባዊ ኣኼባ ተኣኪቦም።
ክልቲኦም ጉጅለታት ተወንጫፊ ሓውን ካልእ ነገራትን ብምድርባይ ብዙሓት ሰባት ተሃስዮም።
ሓደ ጋዘጤኛ፡ ገለ ሰባት ጠራሙስ ናብ ደቂ ጀርመን ዘይመስሉ ሰባት ክድርብዩ ከምዝረኣየ ገሊጹ።
ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ ነቲ ኩነታት ብኣግኡ ክቆጻጸርዎ ብዘይምኽእሎም ወቐሳታት ይወርዶም ኣሎ። ኣፈኛ ፖሊስ ነቲ ዝቀረበ ወቐሳ ብምቕባል ኣብቲ ከባቢ ብኣግኡ ዘድሊ ቁጽሪ ፖሊስ ከምዝመደቡ ተኣሚኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ መንግስቲ`ኸ እንታይ ይብል ኣሎ?
መራሒት መንግስቲ ጀርመን፡ ኣንጄላ ማርኬል ብተደጋጋሚ ናይቶም ሕሉፍ-የማንውያን ተቓውሞታት ክትኩንን ጸኒሓ። ኣብ ``ጽርግያታት ዝርአ ጽልኢ ምስ መንግስታዊ ቅዋምና ዝኾነ ርክብ የብሉን`` ድማ ኢላ።
ናይ ሳክሶኒ ቀዳማይ ምኒስተርን ናይ ኣንጄላ ማርኬል ደጋፍን፡ ሚካኤል፡ መንግስቱ ኣንጻር እቶም ሕሉፍ-የማናውያን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
``ዋላ`ኳ ጥርጡራት ደቂ ሶርያን ዒራቕን ኣብ ኢድና እንተሃለው፡ ኣንጻር ኩሎም ወጻእተኛታት ምጥርጣር ክነሕድርን ግና ዝኾነ መመኽነይታ ክኾነና የብሉን'' ድማ ኢሉ ቀዳማይ ምኒስተር ሚካኤል።
መንግስቲ ኣንጄላ ማርኬል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት፡ መብዛሕትኦም ድማ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹ ኣስላም፡ ምቕባላ ዝተወለዐ ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ጀርመን ዓቢ ምክፍፋል ፈጢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







