ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ፡ "ኦሮሞ ናይ መዋእል ናይ ዲሞክራሲ ተሞኩሮ ኣለዎም"

ፕሮፌሰር ኣስመሮም

ኣብ ስርዓት ገዳ ዓᎁቕ ምርምር ዘካየዱ ኤርትራዊ ሙሁር'ዮም።

ቅድሚ 45 ዓመት ብዝጸሓፉዎ "ኦሮሞ ዴሞክራሲ፡ አን ኢንዲጂኒየስ አፍሪካን ፖለቲካል ሲስተም" ብዝብል መጽሓፎም ድማ፡ መቦቆላዊ ስርዓት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣላልዮም።

በዚ ስርሖም ኣብዚ ሰሙን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዝረኸቡ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ፡ ኣብቲ 'ገዳ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ስርዓት ዲሞክራሲ ህዝቢ ኦሮሞን ውልቃዊ ህይወቶምን ኣተኵርና ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት እነሆ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ስርዓት ገዳ ዘሎ ፍሉይነት እንታይ'ዩ?

ፕሮፌሰር ኣስመሮም፡ ገዳ፡ ፍሉይ ዓይነት ስርዓት'ዩ። እቲ ፖለቲካዊ ስርዓቶም ህይወት ሰብ ዝውክልን ዝሽፍንን'ዩ። ወዲ ሰብ ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ክሳብ ዕብየቱ ዝተፈላለየ ባህርያዊ መድረኻት ኣለውዎ። ንሰን'ዮም ብሕግን ስርዓትን ሰሪዖመን።

በቢ ሸሞንተ ዓመት ዝሰጋገር እንትኾን ብኮሚቴ'ዮም ዝመሓደሩ። እታ ኮሚቴ ሽዱሽተ ሰብ እያ ትሕዝ። ራባ ትበሃል።

ንኽልተ ዓመት ኣብኡ ተቐሚጠ ምስቶም መራሕቲ ገዳ ኮይነ'የ እቲ ምርምር ኣካይደዮ።

ካብ ገዳ ንላዕሊ ከኣ "ዩባ" ዝበሃል ናይ ዓበይቲ መድረኽ ኣሎ።

ኣብዚ መድረክ፡ ሓገግቲ ሕግን ኣማኸርትን ኾይኖም፡ እቲ ዝበጽሑዎ ናይ መወዳእታ ቦታ 'ቅዱስ ቦታ' [ዳሞጂ] ይበሃል (ከምቲ ናትና ፈለስቲ)።

እዚኦም ኣብ ፖለቲካ ኣይሳተፉን፤ ሰብ'ዮም ዝባርኹ። እዚ'ዩ ገዳ ዝበሃል።

ቢቢሲ፡ እዚ ስርዓት ንምጽናዕ እንታይ ኣበጊሱዎም?

ፕሮፌሰር ኣስመሮም፡ ኣብ 1961 እየ ጀሚረዮ። ብዛዕባ ሕጊ እንዳባ ኤርትራ ምርምር ከካይድ ካብ ኣሜሪካ ተበጊሰ ናብ ኢትዮጵያ ኣትየ።

ሽዑ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ'ያ ዘላ። ናብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ከይደ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ እንዳ'ባ ከጽንዕ ካብ ሃርቫርድ'የ መጺአ። ስለዚ እዚ ምርምር ንከካይድ ፍቐዱለይ ኢለዮም።

"ስማዕ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ህውከት ተላዒሉ'ሎ። ንሓደ ኤርትራዊ ናብ ኤርትራ ከይዱ ምርምር ከካይድ ኣይነፍቅድን" ምስ በሉኒ ተመሊሰ ናብ ኣሜሪካ ከይደ።

ኣብ ኣሜሪካ ኮይነ ድማ ካልእ ምርምር ከዳሉ ጀሚረ። ሽዑ ኣቦ ሓጎይ ቀሺ ዘርኣጽዮን ሙሴ፡ ኣብ ኤርትራ ብ1875 ዝጀመሩዎ ምንቅስቓስ ምትርጓምን ምምሃርን መጽሓፍ ቅዱስ ብትግርኛ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ባጽዕ ዝነበረ ግዝኣት ቱርኪ ክወጽእ እንከሎ፡ 'ኦኖሲሞስ' ዝበሃል መንእሰይ ብባርነት ተሸይጡ። እቲ ኣብ ባጽዕ ዝነበረ ናይ ቱርኪ ገዛኢ፡ ኦኖሲሞስ ሓዊሱ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ወንጌላውያን ሂቡዎም።

ተቐቢሎም መጽሓፍ ቅዱስ'ዮም ዝምህሩዎም ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ከይጽሓፍ ተባሂሉ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸልኪሉ'ኳ እንተነበረ፡ ተሓቢኣ ዝመጽአት ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣምሓርኛ ግን ኣብ ኤርትራ ነይራ።

መጻንሒ ድማ በዚ ቋንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሩዎም። ክልቲኦም ግን [ቀሺ ዘርኣጽዮን ሙሴን ኦኖሲሞስን] ዕላምኦም በብቋንቁኦም ክጽሕፉ'ዩ ነይሩ።

እዚ አኖሲሞስ ዝበሃል ካብ ወለጋ ዝመጽአ ብባርነት ዝተሸጠ መንእሰይ ኦሮሞ'ዩ ነይሩ። ንሱ ብዙሕ ክእለት ስለ ዝነበሮ ተማሂሩ፣ ክህነት ድማ ኣብ ሽወደን ወሲዱ፡ ተመሊሱ ናብ ኤርትራ ከይዱ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስቲያን ገዛ ከኒሻ ኣብ ዘላ ንኡሽቶ ጎጆ፤ ሕጂ'ውን ኣላ፤ ኮይኑ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋ ኦሮምኛ ጽሒፉዎ። እዚ፡ ቀዳማይ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዝቐረበ መጽሓፍ'ዩ።

ጸኒሑ ድማ ምስ ኤርትራውያን ብጾቱ ኮይኑ ኣብ ወለጋ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ተኺሎም፤ ብቋንቋ ኦሮሞ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሩ ቀዳሞት'ውን ኮይኖም።

ክልቲኦም፤ ቀሺ ዘርኣጽዮን ሙሴን ኦኖሲሞስን፤ ብትግርኛን ኦሮምኛን ብምምሃርን ብምጽሓፍን ቀዳሞት'ዮም።

ኣነ ናብ ኦሮሞ እንትኸይድ ናይዚኦም ታሪኽ ሒዘ'የ ከይደ። ብኡ መሰረት ናይ ኦሮሞ ምርምር ክገብር'ኳ እንተወሰንኩ ብዛዕባ ገዳ ግን ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን።

ናብ ሃርቫርድ ተመሊሰ ምስ ከድኩ ግን ኤዱኬ ሼሩሌስ ዝበሃል ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐመጠ ጥልያናዊ ሙሁር ነይሩ።

ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኦሮሞ መርሚሩ ብዛዕብኦም ዘዘንቱ "ኢትዮጵያ ኦቺዴንታ" [ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ማለት'ዩ] ዝበሃል መጽሓፍ ጽሒፉ። ድሕሪኡ ንሃርቫርድ ከይዱ፤ ነዚ መጽሓፍ ኣንቢበ ድማ ናይ ገዳ ምርምር ክገብር ክኢለ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ባህሪ ኦሮሞ ዝተፈለየ ነገር እንታይ ኣሎ?

ፕሮፌሰር ኣስመሮም፡ ስርዓቶም ኩሉ ብማዕርነት ሰብ ምምሕዳር'ዩ። ኩሉ ሰብ፡ መሰልን ቦታን ኣለዎ።

ሓደ ካብቲ ኣነ ዝገርመኒ ኣብ ህዝብና ብፍላይ ክኣ ኣብ ህዝበ ክርስቲያን 'ኣቱም' ዝብል ቋንቋ ኣሎ። ብኣኣቶም [ኦሮሞ] ንኹሉ እተማእኽል ሓንቲ መጸውዒት'ያ ዘላቶም፤ ንሳ'ውን 'ኣቲ'ያ። ንዓብዪ፣ ንንኡሽቶ፣ ንበዓል ጸጋ ኾነ ድኻ፣ ገዛእቲ ተገዛእቲ ሓንቲ ሽም ኣላቶም፤ 'ኣቲ'! በቃ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ንጉስ ሃይለስላሰ ክርእዩዎም ከይዶም 'ኣቲ' እዮም ኢለምዎም። ንምንታይ፡ ኣብኦም ፍልልይ ደረጃ ማሕበራዊ ህይወት የሎን። እቲ ስርዓት ንኹሉ ብማዕርነት'ዩ ዘሳትፍ።

ተመሪጾም'ዮም ናብ ስልጣን ዝድይቡ፡ መራሕቶም ንሸሞንተ ዓመት ጥራሕ'ዮም ዝጸንሑ። ሓንቲ መዓልቲ ከሕልፉ'ውን ኣይፍቀደሎምን።

እታ መራሒት ጉጅለ ዕድሚኣ ምስ ኣኸለ [ሸሞንተ ዓመት ምስ መልአ]፡ ኩላ'ያ እትወጽእ፤ ክጸንሕ'የ ዝብል ዋላ ሓደ መራሒ ኣይትረክብን። ክብል'ውን ኣይኽእልን።

ኣብ ቀረባ እዋን ንመበል 71 ሽግግር ኣካይዶም ኣለዉ። እዚ ብሸሞንተ ዓመት እንትባዛሕ 500 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን። ስለዝኾነ ኦሮሞ፡ ናይ መዋእል ናይ ዲሞክራሲ ተሞኩሮ ኣለዎም።

እቲ ዲሞክራሲ ንዝበዝሑ ሰባት ሓድሽ ስለ ዝኾነ ቀልጢፎም ክቕበሉዎ ኣይክእሉን። እንተተቐበሉዎ እውን ብኡኡ ክግዝኡ ስምዒት ዘይብሎም ኣለው።

እቲ ስርዓት፡ ምስ ሕጎም፣ ታሪኮምን ሃይማኖቶምን ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ፡ ቀዋሚ ጥበባዊ ስርዓት'ዩ።

እቶም ናብኡ ዝኸዱ ደቂ ትግራይን ኣምሓራን ናብኡ እንትኸዱ እቲ ስርዓት ስለ ዘይፈልጡዎ ግን፡ "ናይ ጎበዝ ስርዓት" ኢሎም'ዮም ዝስይሙዎ። ዘይምርዳእ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ናብ ኤርትራ ክንመልሰኩም። ናይ ዕርቂ ሕጊ 'ሕጊ እንዳ'ባ' ክነልዕል። እዚ ሕጊ ሕጂ'ውን ኣሎ'ዶ?

ፕሮፌሰር ኣስመሮም፡ ሕጊ እንዳ'ባ ተዳኺሙ እምበር ኣይፈረሰን። ክፈርስ ኣይክእልን። ህዝቢ ዝተኸሎ ስርዓት ስለ ዝኾነ ባዕሉ ይከታተሎ፣ ይዕቅቦ፣ የመሓድሮ ንዕርቂ ድማ ይጥቀመሉ። ፍርዲ ዘይኮነ ዕርቂ'ዩ ናታቶም ኣሰራርሓ። ኩሉ ነገር ድማ ብዕርቂ ይውዳእ።

እቶም ኣቦ ሓጎይ ሕጊ እንዳ'ባ ሓማሴን ዝጸሓፉ'ዮም። ስለዚ፡ ንሶም የመሓድሩዎ ነይሮም። እቶም ገዛእቲ ክመጽኡ ከለው መጀመርታ ይነጽጉዎ ክድምስሱዎ ድማ ይፍትኑ።

መጀመርታ ጥልያን ከምኡ'ዩ ገይሩ። ኣብ ኤርትራ ናዕቢ ተላዒሉ። ደሓር ተመሊሶም ናብ ዓዲ ጥልያን ከይዶም ናብ ፓርላማ ኣቕሪበሞ። ንምንታይ ናዕቢ ኣልዒሎም ምስ ተብሃለ፡ ምርመራ ይገበር ተባሂሉ።

ተጸኒዑ፤ ሓደ ካርሎ ኮንቲሮሲኒ ዝበሃል ሊቅ ጥልያን ድማ ሕግታት እንዳ'ባ ኤርትራ ዝብል ጽሒፉ። ደሓር ጥልያን እዞም ህዝቢ ሕጊ ዘለዎም ስለ ዝኾኑ መሬቶም ኣይትተንክፉሎም፤ ጥልያን ድማ ኣብቲ መታሕት ይስፈር ተባሂሎም።

ጥልያን ብሕጊ ከመሓድር ከሎ ክኣ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ኮይኑ ከመሓድር ኣለዎ ኢሎም ናብ ቦትኡ መሊሰሞ።

ህዝቢ ነቲ ዘለዎ ሕጊ ስለ ዝኣምኖን ስለ ዝውንኖን፡ ብኡ ክመሓደር'ዩ ዝደሊ። ብዕርቂ እንተድኣወዲኦም ተኻሲስኩም ናባና ምጽኡ ክብሉዎ ኣይክእሉን።

ንጉስ ሃይለስላሰ ምስ መጽኡ ግን ነቶም ኣመሓደርቲ ሕጊ እንዳ'ባ ደብተርኩም ኣረክቡ፤ ብሕጂ ብሓድሽ ሲቪል ኮድ ኢትዮጵያ ፍታብሄር ኢኹም ትመሓደሩ ኢሎም። ሓደ ንሱ'ዩ እቲ ሕጊ ክድምስሶ ፈቲኑ ዝነበረ።

በዚ ምኽንያት፡ ብዙሕ ምትህልላኽ ነይሩ። ኮይኑ ግን ክሳብ ህዝባዊ ግንባር ዝመጽእ ስርሖም ብሕቡእ ቀጺሎም።

ንሳቶም [ህዝባዊ ግንባር] እቲ ሕጊ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝፈልጡ ኣብቲ ናይ ሃገር ሕጊ ከእትውዎ ፈቲኖም ኣለው። ብኮማዊ ቤት ፍርዲ መልክዕ ድማ ተጣይሶም ኣለው።

ፕሮፌሰር ኣስመሮም

ቢቢሲ፡ ናብ ማሕበራዊ ህይወቶም ክንመጽእ። ቫዮሊን ኣጸቢቖም'ዮም ዝጻወቱ ይበሃል?

ፕሮፌሰር ኣስመሮም፡ [ሰሓቕ] ቫዮሊን ይጻወት እየ። ብንእስነተይ ብቋንቋ ጥልያን ተማሂረያ። ብኡ ምኽንያት እቲ ቋንቋ'ውን ብስርዓት ተማሂረ።

ናብ ኢትዮጵያ ክመጽእ ከለኹ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዝበሃል ዘበናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ኣይነበረን። ሓንቲ ኣርመናዊት ነይራ ፒያኖ ክትምህር ሒዅ ትብል ነይራ።

ብሓንሳብ ኮይንና ምርኢት ሙዚቃ ክነቕርብ ጀሚርና። ኣብታ ሃገር፡ ኦርኬስትራ ከይተፈጠረ እንከሎ ናተይ ቫዮሊን ናብ ኢትዮጵያ ኣትያ። [ሰሓቕ]

ቢቢሲ፡ ናይ ፍቕርን ሓዳርን ህይወት ንእስነቶም ኣዝዩ'ዩ ዝገርም።

ፕሮፌሰር ኣስመሮም፡ [ሰሓቕ] ይገርመኪ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤተይ ኣሜሪካዊት'ያ። ብጣዕሚ ጽብቕቲ'ያ። ሓደ መዓልቲ ናብ ጃንሆይ ኣቕሪቦምዋ። ንሶም ኢዳ ሒዞም ምግዳፍ ኣብዮም፤ ናቶም ዲኺ ናትና ኢሎምዋ። (ሰሓቕ)

ኣይ ኣነ ኣሜሪካዊት'የ ኢላቶም። ጽብቕቲ ስለ ዝነበረት ንዓይ ጸገም ነይሩ፤ ብዙሕ ሰብ ይደልያ ነይሩ። ድሓር ኣነ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሒዘያ ናብ ጅማ ከይደ ተመርዒና። ንብዙሕ ዓመታት ብሓንሳብ ጸኒሕና ድሓር ግን ተረሓሒቕና፡ ኣብ ኣሜሪካ ተፈላሊና።

እታ ኻልአይቲ በዓልቲ ቤተይ ክኣ ኦሮሞ'ያ። ኣቶ ኣማኑኤል ኣብርሃም ዝበሃሉ ሚኒስትር'ዮም ኣቡኣ ነይሮም።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣንትሮፖሎጂ ተማሂራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትመጽእ ከላ፡ ኣነ ሽዑ ካልኣይ ምርምር ከካይድ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺአ ኣለኹ። እቲ ኣብ ዙርያ ገዳ ዝጸሓፍኹዎ መጽሓፍ ድማ ሓድሽ ነይሩ። ንሳ ግን ኣንቢባቶ ነይራ።

ደሓር፡ ደራሲ እዛ መጽሓፍ ኣላልዩኒ ኢላ፤ ተላሊና..... ተመርዒና.... ብሓንሳብ ን 10 ዓመት ዝኸውን ጸኒሕና። ብጣዕሚ ጽቡቕ ነይርና። ደሓር ግን ኣነ ንሜዳ ክመላለስ ከለኹ ተረሓሒቕና፡ ንሳ ድማ ንኢትዮጵያ ተወፋይነት ስለ ዘለዋ ተፈላሊና።

ተመሊሰ ናብ ኣስመራ ምስ ከድኹ ግን ጓል ዓደይ ተመርዒወ ክልተ ቖልዑ ወሊደ ኣለኹ። እታ ሓንቲ ጓለይ ኣብ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኢንተርን ኾይና ትሰርሕ ኣላ።

ቢቢሲ፡ ናብ ስርዓት ገዳ ክንምለስ'ሞ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ክቕየሩ ኣለዎም ዝብሉዎም ነገራት ኣለው'ዶ?

ፕሮፌሰር ኣስመሮም፡ ክልተ ነገራት ኣለው። ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ኣይሳተፋን። ካልኣይ ሙሉእ ብሙሉእ ዘየርዓሙዎም ህዝቢ ኣለው።

ሓደ ነገር ኣሎ። ኦሮሞ ክዋጋእ እንከሎ ነቶም ዝማረኾም ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሓደ ትውልዲ ብሙሉኦም የርዕሞም፡ ኣካል እቲ ሕብረተሰብ ድማ ይገብሮም።

እዚ ክግበር ከሎ፡ ኣለው ገለ ሰባት ቁውም ነገር ዝሰርሑ፤ ከም በዓል ሕጂ ኣንጥረኛ (ብኣናን ብአኦምን ፍንፉን'ዩ) ብማዕርነት ዋላ'ኳ እንተዘይ ኣእተውዎም ናይ ክብሪ ቦታ ግን ይህቡዎም እዮም።

ከምኡ'ውን ሩባ ንምስጋር ዝሕግዙዎም 'ወይጦ' ዝበሃሉ ሰባት ኣለው። እቲ ሩባታት ሓርገጽ ስለ ዘለዎ እቲ ህዝቢ ይፈርሕ'ዩ። ሩባ ክቐርቡ ኣይደልዩን፡ ምስ ሩባን ባሕርን ጽልኢ ኣለዎም።

ኢትዮጵያውያን ቀይሕ ባሕሪ ንውንን ኢና ክብሉኒ እንከለው፡ ሓምቢስኩም ዘይትፈልጡ ሰባትስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም ትውንኑ ይብሎም።

ንስኹም ኣይኮንኩም ንሕና ኣይኮንናን፤ ተቐማጢ ገምገም ባሕሪ ዝኾነ ህዝቢ ዓፋርን ትግረን'ዩ ዝውንኖ። ንሶም ክኣ ናትና ስለ ዝኾኑ ብኦም ኣቢልና ንውንኖ ይብሎም።

ስለዚ እቲ ክልወጥ ዘለዎ ሓደ ነቶም ሙሉእ ብሙሉእ ዘይሳተፉ ቁውም ነገር ዝሰርሑ ህዝብታት ብማዕርነት ክሳተፉ ኣለዎም ይብል።

ቢቢሲ፡ ናዊ ስርዓታት ካብ ባህላዊ ስርዓታትን ትውፊታትን እንታይ ክመሃሩ ይኽእሉ?

ፕሮፌሰር ኣስመሮም፡ ህዝቢ ናይ ርእሱ ትካላትን ሕግታትን ኣለውዎ። ንሕና ኢና ካብቲ ህዝቢ ክንምሃር ክንርዳእ ዘለና።

እቲ ባህላዊ ስርዓት ኩል ግዘ መንግስቲ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ኣብ 1991 ናብ ኣስመራ ክምለስ ከለኹ ኣብታ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጺኦም ሰራዊት ኤርትራ ከይኣተው ከለው ንምንታይ ኣብ ኤርትራ ናዕቢ ዘይተልዓለ፡ ስርቂ ዘይነበረ ኢለ ሓቲተዮም።

"ስማዕ ዝወደይ ኢሎምኒ፤ ንሕና'ኮ ዓዲ ሕጊ ኢና፡ ሕግና ክኣ መንግስቲ ይሃሉ ኣይሃሉ ኩል ግዘ ኣብ ቦትኡ ኣሎ" ኢሎምኒ።

እቲ ባህላዊ ሕጊ፡ ህይወት ኣለዎ። መንግስታት እንድሕር ድኣ ዘጨንቑዎ ኾይኖም፤ ከምቲ ሃይለስላሰ ዝገበሩዎ ደምስሱ ሕግታትኩም ዝብሉ እንተኾይኖም፤ ክሕባእ'ውን ይኽእል'ዩ። ኣብዚ ግዘ መንግስቲ ትርጉም ይኽእል።

ስለዚ ነቲ ክልተ ስርዓት ኣዛሚድካ ቦታ ብምሃብ ዝበለጸ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣሎ። ናይ ምዕራብ ኤውሮጳ ሕግታት እንድሕር ርኢናዮ፡ ኩሉ ኣብ ቦትኡ ኣሎ፤ እቲ ባህላዊ ስርዓት።

እቶም ባህላዊ ስርዓታት ተፈልሲሞም ሙሁራት ዝፈጠሩዎም ዘይኮኑ፡ እናተጋገኻ እናተምሃርኻ ብእትኸደሉ ኣገባብ'ዮም ተሰሪሖም። ንኽልቲኡ ክትዓርቆ እንተደሊኻ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕጊ ኣቲኻ ምምርማር።