ምርጫ ኣሜሪካ፡ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ጆ ንጉሰ ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, AAron Ontiveroz
ኤርትራዊ ዝመቦቆሉን ኣባል ሰልፊ ዴሞክራት ዝኾነን ጆ ንጉሰ ኣባል ኮንገረስ ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ።
ጆሰፍ ንጉሰ ንኮሎራዶ ወኪሉ ዝተመርጸ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ ኣባል ኮንግረስ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ክኸውን በቒዑ'ሎ።
ንሱ፡ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ፌስቡክ "ውፉያት ዜጋታት ለውጢ ጥራይ ዘይኮነ ዘምጽኡስ፡ ታሪኽ እውን እዮም ዝሰርሑ" ክብል ጽሒፉ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ቃላት ክገልፅዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ክብሪ ይስመዓኒ" ብምባል ሓጎሱ ገሊጹ።
ጆ፡ ሓደ ካብቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣባላት ኮንግረስን፡ ንኮሎራዶ ካብ ዝውክልዋ ትሸዓተ ኣበላት ኮንግረስ ድማ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ እዩ።
ጆ ንጉሰ መን እዩ?
በዓል ሞያ ሕጊ ኮይኑ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣንድርያን ህጻን ጓሉ ናታልያን 'ላፍያት' ኣብ እትበሃል ከተማ እዮም ዝነብሩ።
ወለዱ ቅድሚ 35 ዓመት እዮም ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም።
ባይቶኣዊ ምርጫ ኣመሪካ
እዚ ናይ ሎም-ዘበን ምርጫ፡ ኣብ ታሪኽ ሕ.መ.ኣ. ሓያል ውድድር ዝተራእየሉ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ሕ.መ.ኣ. ክልተ ዓመት ድሕሪ ፕረሲደንታዊ መረጻ፡ ምርጫ (ሚድ-ተርም) ይካየድ።
እዚ ማለት ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዚመጽእ ድሮ ክልተ ዓመት ስለ ዝመልአ፡ ናይ ኣባላት ኮንግረስ ምርጫታት ይካየዱ።
ናይ ሕ.መ.ኣ. ሓጋጊ ኣካል፡ ኮንግረስ ክበሃል ከሎ፡ ብኽልተ ክፍልታት ከኣ ዝቖመ'ዩ - ባይቶ ወከልቲ ህዝብን (House of Representatives) ብላዕለዋ ባይቶን (Senate)።
እዚ ምርጫ'ዚ ዋላ'ኳ ንፕረሲደንት ትራምፕ ብቐጥታ ኣይተንክፎ፡ እቶም ዝምረጹ ኣባላት ኮንግረስ ግን (ባይቶ ወከልትን ሰናቶራትን) ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎም'ዩ።
ነዚ'ዩ ትራምፕ ምእንቲ ኣባላት ሰልፊ ረፑብሊካን ጸብለል ክብሉ፡ ኣብ ፈቐድኡ ላዕልን ታሕትን እናበለ ጽዑቕ ጎስጓስ ከካይድ ዝወረሐ።
ጆ ንጉሰ ንመወዳድርቱ ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ፒተር ዩ በምስዓር እዩ ኣባል ኮንግረስ ክኸውን ክኢሉ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







