ኣሜሪካ፡ ሰልፊ ዴሞክራት ኣብ መረጻ ፍርቂ-ወቕቲ ኣሜሪካ ብምዕዋት ንባይቶ ብሒትዎ

ሰልፊ ዴሞክራት ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ-ወቕቲ ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምዕዋት ነቲ ብሰልፊ ሪፓብሊካን ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ተባሒቱ ዝጸንሐ ባይቶ መናብር ብምቁጽጻሩ፡ ኩሉ እቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣባላት ሰልፉ ንኽዕወቱ ዝገበሮ ጎስጓስ ከይተዓወተ ተሪፉ።
እንተኾነ ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ነቲ ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ሴኔት ክቆጻጸሮ ክኢሉ ኣሎ።
ድሕሪ ናይ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፍርቂ ናይ ስልጣን ዘመን ዝተኻየደ ምርጫ፡ ሰልፊ ዴሞክራት ብምዕዋቱ ነቲ ብሰልፊ ሪፓብሊካን ተባሒቱ ዝጸንሐ ባይቶ [House of Representatives] ዝበዝሐ መናብር ብምቁጽጻር ንምምሕዳር ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዓቢ ጽፍዒት ሂብዎ።
ሰልፊ ሪፓብሊካን ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ድማ ኣብቲ ዝተኻየደ መርጫ ነቲ ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ [Senate] ብኣብዝሓ መናብር ብምስዓር ክቆጻጸሮ ክኢሉ።
ሰለፊ ሪፓብሊካን ኣብ ግዝኣታት ኢንዲያና፡ ቴክሳስን ኖርዝ ዳኮታን ዝበዝሐ ድምጺ ብምርካብ ነቲ ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ክቆጻጸሮ ክኢሉ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ስጋብ ኣብ 2020 ምርጫ ዝካየድ፡ ንምርጫ ኣይክቐርብን ኢዩ፡ እንተኾነ እቲ ናይ ትማሊ ሰሉስ ምርጫ ፕሬዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ናብቲ ናይ 2020 ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ምቕራቡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎ ኣጠማምታ ዝገለጸሉ ህዝበ ውሳነ [referendum] ኢዩ ክብሃል ይክኣል።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣባላት ሰልፉ ንኽዕወቱ ኩሉ ዝክኣሎ ገይሩ፡ እንተኾነ እቲ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝጸንሐ ባይቶ ንሰልፊ ዴሞክራት ከረክብ ኢዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







