ትራምፕ፡ ስጳኛ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ሰሃራ መንደቕ ክትሓንጽ ተማሕጺኑ

ምንጪ ስእሊ, Stephen Msengi
- ኣባል ባይቶ ተቓወምቲ ኡጋንዳን ሙዚቀኛን ቦቢ ዋይን ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ብዝበጽሖ ማህሰይቲ ኣብ ኣሜሪካ ሕክምና ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ፖሊስ ድማ ኣብ ኤርፖርት ብምኻድ ክቕበልዎ ንዝደለዩ ገለ ደገፍቱ ከምዝኣሰሩን፤ ቦቢ ግን ብዓጃብነት ፖሊስ ምስድራቤቱ ከምዝተራኸበን ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምርጫ ኡጋንዳ ንዝነበረ ዕግርግር ብዝተሓሓዝ ጉዳይ'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።
- ኣርባዕተ ወታሃደራት መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣብ ማእከል ከተማ መቓድሾ ንሓንቲ ጓል 9 ዓመት ጥይት ተኲሶም ብምቕታሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።እቶም ወታሃደራት፡ ነቲ ኣብቲ ቦታ ተፈጢሩ ዝነበረ ጻዕቂ መካይን ንፍዃስ ጥይት ኣብ ዝተኮስሉ እዋን እታ ደካ ዳሂር ዝተባህለት ትሕቲ ዕድመ ተማሃሪት ተሃሪማ ክትመውት እንከላ፡ ሓንቲ ካልእ ተማሃሪት ድማ ቆሲላ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ተሓላቒ ጉጅለ ሰባዊ መሳላት ሓቢሩ።
- ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓሌት ዝተሞርኮሰ ጸረፊ ንፕረዝደንት ሲሪል ራምፖሳ ብቪድዮ ብምቕዳሕ ናብ ማሕበራዊ መራኽቢታት ዝዘርግሐ ውልቀ-ሰብ ኣሲሮም። እዚ ኬሴ ናይር ዝተባህለ ሰብ ዘይግቡእ ዓሌታዊ መጠቃዕቲ ብዝሓዘለ ቋንቋ ኣብ ህዝባዊ ናዕቢ ብምልዕዓሉ'ዩ ተኸሲሱ።
- ቀዳማይ ሚኒስተር ማለዢያ ነበር ናጂብ ራዛክ ኣብ ቤት ፍርዲ ዋና ከተማ ኩዋላ ሉምፐር ቀሪቡ። ንሱ ብምጥፍፋእ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት'ኳ እንተተኸሰ፡ ንኹሉ ኣሉታዊ ምላሽ'ዩ ሂቡሉ።
- ኣብ ኣውስትርያ ዝጋባእ ርክብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዘይካ ዓባይ ብሪጣንያ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ንምውጻእ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት (ብርክዚት) ህጹጽ ኣጀንድኦም ከም ዘሎ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ኣማኻሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዶናልድ ተስክ፤ እኹል ጊዜ ንምርካብ እቲ ፍሉይ ዋዕላ ኣብ ወርሒ ሕዳር ክካየድ ጸዊዑ።
- ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናል ትራምፕ፤ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ካብ ሳሃራ ዝብገስ ዓቢ መንደቕ እስጳኛ ክትሃንጽ ተማሕጺኑ። ፕረዚደንት ኤውሮጳዊ ባይቶ ነበር ጆሰፕ ቦረል ግን ነዚ ውጥን ነጺግዎ።
- ኣብ ሰሜናዊ ታንዛንያ፡ ቀላይ ቪክቶርያ ልዕሊ 400 ሰባት ሒዛ ትጓዓዝ ዘነበረት መርከብ ብምግልባጣ ሓሙሽተ ሰባት ከሞቱ እንከለው 102 ድሒኖም እቶም ዝተረፉ ግን ሃለዋቶም ከም ዘይተረኸበ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሮም። ምኽንያት መገልበጢ'ታ ምርከብ ብዕሊ እኳ እንተዘይተፈለጠ እቲ ናይ ምድላይ መስርሕ ግን ቀጻሊ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







