ሊዮን ቢቺ፡ ብፍቕሪ ኤርትራን ህዛብን ዝተመሰጠ እንግሊዛዊ ኤርትራዊ

ከተማ ደቀምሓረ

ምንጪ ስእሊ, Liyon Bichi

ጸዓዱ ጥራሕ ኣብ ዝነብርሉ ቦታ ብቋንቋ ትግርኛ "ሰላማት!" ዝብል ድምጺ ምስ ሰማዕኩ፡ ብውሽጠይ፡ ናይ ብሓቂ ድየ ቋንቋ ትግርኛ ሰሚዐ እናበልኩ፡ ገሪሙኒ ግልጽ ምልጽ በልኩ።

እቲ ከምዝተጠራጠርኩ ዘስተብሃለ ፈረንጂ " ንዓኺ እየ ዝሓፍተይ!" በለኒ በምቕሉል ኣጠማማታ። መሊሱ እናገረመኒ " ንዓይ…" በልኩዎ ብሓውሲ ሕቶ ፍሽኽ እናበልኩ። "እወ ንዓኺ እየ" ኣረጋገጸለይ ብምግራመይ ከይተሰናበደ ንሰላምታ ኢዱ እናሰደደ።

ኣነ እውን ኢደይ ሰዲደ ሰላም በልኩዎ። ግን ብኡ ጥራሕ ኣይተፈላለናን፡ " ከመይ ኣለኺ?" እናበለ፡ ከም ልምድና ደጋጊሙ ሰዓመኒ።

"ብኸመይ ደኣ ትግርኛ ለሚድካ..?" ዝብል ሕቶይ ክውድእ ዕድል ከይሃበኒ፣ "ብደመይ እንግሊዛዊ ብመንፈሰይ ግን ኤርትራዊ'የ " በለኒ ንፍሽኽታይ ዓጸፋ እናመለሰ።

ሊዮን ቢቺ ይበሃል። ኤርትራዊ ሽሙ ድማ ኣንበሳ።

ብትውልዱ እንግሊዛውን ኣሜሪካውን ኮይኑ፣ ካብ 1988 ኣትሒዙ ንትምህርቱ ዝሕግዞ መጽናዕትታት ንምክያድ ናብ ኬንያን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ተንቀሳቒሱ።

በዚ ድማ ምስ ኤርትራውያን ክላለን ብዛዕባ ኤርትራ ክፈልጥን ዕድል ረኺቡ። ብኣቀራርባን ዕርክነትን ኤርትራውያን ስለዝተመሰጠ ድማ ምስ ኤርትራ ፍቕሪ ሓዲርዎ፣ ኣብ 1993 ንኤርትራ በጺሕዋ።

ደቂ ሊዮን

ምንጪ ስእሊ, Liyon Bicchi

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ሊዮን ኣብ ምዝንጋዕ

ነቲ ብዕላል ጥራይ ዝሰምዖ ዝነበረ ታሪኽ ኤርትራ ብኣካል ብምስትምቓሩ፡ ንቃልሲ፣ ሓቦን ጽንዓትን እቲ ህዝቢ ብልቢ'ዩ ዘድንቖ።

"እቲ ካብ ልቢ ዝምንጨወ ፍሕሽው ኣቀባብላ ኤርትራውያን፡ ምስ ስድራ ቤተይ ኣብ ኤርትራ ክነብር ደሪኹኒ።" ይብል ኣንበሳ።መንበሪ ፍቓዱ ብምሕዳስ ከኣ ሰበይቱን ደቁን ጠርኒፉ ኣብ 1994 ናብ ኤርትራ ግዒዙ።

ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ተመዲቡ፡ ንቋንቋ ብሌን ንምምዕባል ኣብ ዝግበር መጽናዕትን ኣብ ምድላው ናውቲ ትምህርትን ነጢፉ።

ከም ማንም ኤርትራዊ ከኣ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ልምዓታዊ መዳያት ተወፍዩን ኣበርኪቱን'ዩ።

እቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ብምእካሉ ኣብ 1996 ናብ ዓዱ ተመሊሱ እንደገና መንበሪ ፍቓዱ ብምሕዳስ ኣብ መፋርቕ 1998 ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ናብርኡ ቀጸለ።

ህውከት ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ኩሎም ወጻእተኛታት ናብ ኤምባሲታቶም ክዕቆቡ ክንገሮም እንከሎ፡ ኣንበሳ ግን "ውሕስነተይ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ፣ ነዚ ብኩፉት ልቢ ዝተቐበለኒ ህዝቢ ኣብ ሽግሩ'ውን ምስኡ ክሳተፍ'የ" ብምባል ግቡኡ እናበርከተ ዕለታዊ ህይወቱ ምምራሕ ቀጺሉ።

ጓል ሊዮን ኣብ ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, Liyon

መግለጺ ስእሊ, ጓል ሊዮን ኣብ ትምህርቲ

ኣብ መፋርቕ 1999 ድማ ራብዓይ ውላዱ ሓቑፉ። ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ የለን ብምባል ድማ "በረኸት" ክብል ሰምይዎ።

"ሽዑ፡ ንዓይን ንበዓልቲ ቤተይን ዝተገበረልና ደገፍን ኣልያን ብጭራሽ ካብ ኣእምሮይ ኣይሃስስንዩ።" ይብል ብዓሚቚ ስምዒት።"ኣይፈራሕካን'ዶ?" ሓተትክዎ። "ብፍጹም፡ ምኽንያቱ ብሙሉእ መንፈሰይ ኤርትራዊ'የ፡

ሓልዮትን ፍቕርን ህዝቢ ኤርትራ እንከሎኒ እንታይ ከፍርሓኒ።"መለሰለይ ብነብሰ ምትእምማን።

ኣብቲ እዋን'ቲ ጽቡቕ ውጽኢት ዘየምጽኡ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ናብ ኣገልግሎት ይስደዱ ብምንባሮም፡ ውጽኢቶም ንኸመሓይሹ ምእንቲ ብወለንትንኡ ለይትን ቀትርን ይምህሮም ነይሩ።

ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት (PHD) ንኽገብር ንዓዱ ምስ ተመልሰ እንደገና ናብ ኤርትራ ክምለስ ዕድል ስለዘይረኸበ "ተኸቲረ ተሪፈ" ይብል።

ወዲ 58 ዓመት ሊዮን (ኣንበሳ) እምብኣር ኣብዚ እዋን'ዚ ብኹሉ ዓቕሙ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ'ዩ ተተሓሒዝዎ ኣሎ። ቋንቁኦም ይዛረብ፡ ባህሎምን ልምዶምን ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝገብሮ ዓበይቲ ሓገዛት ንወለንተኛታት ትካላትን ካልኦትን ክምህር ህርድግ ይብል ኣሎ።

"እቲ ዝኸበደ ነገር ንሓደ ፍሉይ ባህልን ልምድን ዘለዎ ሰብ ንምሕጋዝ ብናትካ ዘይኮነስ በቲ ናቱ ክትርድኦ ምኽኣልዩ።

ፍልልይ ባህልን ልምድን ዘምጽኦ ሳዕቤን ድማ ነቲ ሰብ ናብ ካልእ ንምጥምዛዝ እተካይዶ ጻዕሪ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለዝህልዎ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ'ዩ ዝዓቢ።

ጋዓት

ምንጪ ስእሊ, Liyon Bicchi

ስለዝኾነ በብግዚኡ ዝያዳ መጽናዕትታት እናካየድኩን ኣብ ተግባር እናቐየርኩን፡ ስደተኛታት በቲ ዝፈልጥዎ መንገዲ ንኽሕገዙን'ዩ ጻዕረይ። ንነብሰይ'ውን ከም ስደተኛ'የ ዝቖጽራ።" ይብል ሊዮን።

ሊዮን፡ ኣብ ዘዳለዎ ትምህርትን ስልጠናን ተሳቲፈ፡ ንዘካየዶ መጽናዕትን ኣገባብ ኣመሃህራኡን ክዕዘብ ዕድል ረኺበ ነይረ። ኣበርክቶኡ

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ልዑል ጽልዋ'ዩ ኣሕዲሩ።

ሊዮን፡ እዚ ብሩህ መጻኢ ዝነበሮ ክቡር ባህልን ልምድን ዘለዎ ለዋህ መኽበሪ ጋሻ ህዝቢ ኤርትራ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ፡ ኣደዳ ስደትን ሞትን ኮይኑ ክርእዮ ከቢድ ሓዘን ከም ዝስምዖን፡ ከምቲ ዝድለ ክሕግዞ ብዘይምኽኣሉ ንነብሱ ከምዝወቅስን ከምዝጉህን ይዛርብ።

ካብ ምሒር ፍቕርን እምነት ህዝቢ ኤርትራን ዝተላዕለ ብልግነት ዝሓዞ ቖልዓ ከም ዘለዎ እውን ብኹርዓት ይዛረብ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኩሉ ነገር ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ናይ ዕድመ ጥሮታኡ ኣብ ኤርትራ ክሕልፎን ኣብኡ ክቕበርን'ዩ ትምኒቱ። ደቁ እውን ምስ ኤርትራ ፍሉይ ፍቕሪ'ዩ ዘለዎም።

ካብታ ኣጋጣሚ ንደሓር ምስ ኣንበሳን ቤተሰቡን ጥቡቕ ዝምድና ኣጥሪና በርበረ ሽሮ ከሳበ ምልቕቓሕ በጺሕና። ኣብቲ ከም ልብኻ ደቂ ዓድኻ ዘይትረኽበሉ ሃገረ ስደት ከኣ፡

ባህልን ልምድን ህዝበይ ዝፈልጥ ኤርትራዊ ፈረንጂ ረኺበ ምስኡን ስድርኡን ጀበና ቡን ኣፍሊሕና ርሁው መጻኢ ክንርኢ ሃንቀው እናበልና ብፍቕሪ ነዕልል።