ኣይጥረዝን እየ ዝበለ ኤርትራዊ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ግብጺ ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ

ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣሜሪካ ዑቕባ ሓቲቱ ዘይቐንዖ ዘርእሰናይ ኤርምያስ ተስፋጽየን ዝተበሃለ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ግብጺ ምስበጽሐ ነብሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እዚ ወዲ 34 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ኣብ መጸበዩ ስፍራ መዕርፎ ነፈርቲ ካይሮ ተቐይዱ እንከሎ ኣብ መሕጸብ ነብሲ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ሰብ-ስልጣን ግብጺ ሓቢሮም።

ሬሳ እቲ መንእሰይ ኣብ ሆስፒታል ሆሊዮፖሊስ ኣብ ርእስ ከተማ ግብጺ ከምዝተወስደ ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ኣረጋጊጹ።

ዘርእሰናይ ኤርምያስ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2017 ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንኣሜሪካ ኣቲኻ ተባሂሉ ኣብ ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይሕብር።

ሰነዳት ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ከምዘመልክትዎ እዚ መንእሰይ" ንሃገሩ ንኸይምለስ ካብ ሰበ-ስልጣን ሃገሩ ስግኣት ከምዝነበሮ" የረድእ።

ሰበ ስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ፡ ብዛዕባ ኣማውታኡ ንማዕከናት ዜና ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህቡ ፍቓድ ከምዘይብሎም ብምሕባር ተሓኒቑ ከምዝሞተ ጥራሕ እዮም ነጊሮም።