ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ እትገብሮ ንግዲ ዝእንፍት ሰነድ ስምምዕ ኣዳልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን ኢትዮጵያ፡ ምስ ኤርትራ ስሩዕ ንግዳዊ ዝምድና ንምምስራት ዘኽእሎ ንድፊ ከም ዘዳለወ ገሊጹ።
እዚ ንኣዋርሕ ኣብ መጽናዕትን ምድላውን ዝጸንሐ ንድፊ ስምምዕ ንግዲ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተዛዚሙ ንናይ መወዳእታ ውሳነን ምጽዳቕን ዝምልከቶም ኣካላት ክልቲኤን ሃገራት ይጽበ ምህላው እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ።
ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ሚኒስቴር ኣቶ ወንድሙ ፍላቴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኢትዮጵያ ብመዳይ ንግዲ ምስ ኤርትራ ብዛዕባ ክህልዋ እትደልዮ ርክብ ንግዲ ከተጽንዕ ምጽንሓን ምዕሩይ ንግዳዊ ዝምድና ክፈጥር ዝኽእል ሰነድ ምድላዋን ሓቢሩ።
"እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ንግዳዊ ስምምዕ፡ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ ኣብ ዶብ እዘን ሃገራት ዝነብሩ ህዝብታት ናብ ማእኸል ሃገር መጺኦም ክተዓዳደጉ ስለ ዘይኽእሉ፡ ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ 10 ክሳብ 15 ኪሎሜተር ጩራ (ራድየስ) መሰረታዊ ሸቐጣት መግቢ ክለዋወጡ ዘኽእል ቅዋም ኢትዮጵያ ዝገልጽ ሰነድ ስምምዕ ንግዲ ሒዙ ኣሎ" ይብል።
ክንደይ ዝኣክል ነጋዳይ በየናይ መተዓዳደጊ ገንዘብ'ዩ ክጥቐም፣ ዝሕዙዎ መጠን ምህርቲ ዝውስን ሕጋዊ ኣገባብ ዘስርጽ ስምምዕ ናይ ቐረጽ ንግዲ ዝገልጽ ሰነድ ድማ፡ ርክብ ጉዳያት ወጻኢ ናብ ዝከታተል ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ከም ዝተልኣኸ ኣቶ ወንድሙ ይሕብር።
እዚ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ እንታይ'ያ ትደሊ? ዝብል ዝርዝር ጉዳያት ከም ዝሓዘ ዝተገለጸ እቲ ሰነድ፡ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዋ ድሌት ምስ ተፈለጠ ናብ ድርድር ንግዲ ክእቶ ትጽቢት ይግበር ይብል ሓበሬታ ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን ኢትዮጵያ።
"ኣብ እንለዋወጦም ዓይነታት ምህርትን መተዓዳደጊ ገንዘብን ስምምዕ ምስ ተበጽሐ፡ ስምምዕ ንግዲ ፈሪምና ናብ ተግባር ክንኣቱ ኢና ንጽበ። ሓድሕድና እንታይ ኢና ክንለዋወጥ ንደሊ ዝብል ንምንጻር ብኽልቲኤና ወገን ዘሎ ናይ ዕዳጋ ሕጽረት'ውን ክጽናዕ'ዩ። ድሕሪ'ዚ፡ ክልትኣዊ ወይ፡ ረብሓ ህዝብና መሰረት ዝገበረ ንግዳዊ ልውውጥ ዝገልጽ ስምምዕ ንምፍጣር፡ እቲ ዝተዳለወ ንድፊ ሰነድ ክሕግዘና'ዩ"።
ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ኣታዊ ክትገብሮም እትኽእል ዝርዝር ምህርታት ተጸኒዖም እንተኾይኖም ኣቶ ወንድሙ ፍላቴ ሓቲትናዮ።
"ንግዝኡ ኣብ ኢደይ እኹል ሓበሬታ ስለ ዘይብለይ ክረቁሕ ኣይኽእልን" ዝበለ ኣቶ ወንድሙ፡ ብቐጻሊ ግን እቲ ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ ፍቓድ እተን ሃገራት ዝምርኮስ ስለ ዝኾነ ዕዳጋ ዝጠልቦም ምህርታት ምስ ዝህልው ከም ዝውሰን ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን እዘን ሃገራት ዝምስርትኦ ሓድሽ ናይ ንግዲ ልውውጥ ብብር፣ ናቕፋ ወይ ድማ ዶላር ይኹን ዝብል መትከላዊ ስምምዕ ክብጽሑሉ ዝግባእ ጉዳይ ምኻኑ ብምግላጽ፡ "ሕጂ ንሕና ንግዳዊ ርክብ ንምምስራት ድልየት እኳ እንተሃለወና፡ በየናይ ገንዘብ ይኹን ዝብል ግን ኣቐዲሙ ብፌርማ ክጸድቕ ኣለዎ" ኢሉ።
ኢትዮጵያ ሰደድ እትገብሮም ምህርታት ኣብ ምዕባይ ትኹረት ብምግባር ናብ ዕዳጋ ወጻኢ ኤርትራ ክትኣቱ ድልየት ከም ዘለዋ ዝገልጽ እቲ ዳይሬክተር፡ ካብ ኤርትራ ክንወስዶም ዝኽእሉ ፍርያት እንተሃልዮም ብዝርዝር ክቐርበልና ትጽቢት ንገብር ኢሉ።
"ንሕና ግን፡ ውጽኢታት ሕርሻ፣ መዓድን ከምኡ'ውን ኣብ ፓርክታት ኢንዳስትርና ዝፈረዩ ፍርያት፣ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት እንልእኾም ናይ ማኑፋክቸሪንግ ውጽኢታት ጽሬቶም ሓሊና ብምፍራይ ክንልእኽ ንኽእል ኢና" ኢሉ ኣቶ ወንድሙ።
ክኢላታት ስነ ቑጠባ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ተጀሚሩ ዝነበረ ልውውጥ ንግዲ ቅጥዒ ክሕዝ ከም ዘለዎ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
እዚ ሰነድ ድማ ዘላቒ ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኮይነን፡ ታሪፍን ኮታን ልውውጥ ንግዲ ብውሳኔታት እቲ ዞባዊ ምትሕብባር ዝቕየድን ዝግዛእን ምኻኑ ካብ ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ክልቲኤን ሃገራት፡ ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዘ ሓባራዊ ስምምዕን ሰላምን ምሕዝነትን ብወርሒ ሓምለ 2018 ፈሪመን'የን።
ምንቅስቓሳት ንግዲ፣ መጓዓዝያን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ናብ ንቡር ምምላስን ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ንጥፈታትን ምሕዳስ ዝብል ድማ ሓደ ካብቶም መራሕቲ እዘን ሃገራት ክታሞም ዘንበርሉ ነጥቢ ምኻኑ ይጥቀስ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







