ኢትዮ - ኤርትራ፡ ውዕዉዕ ንግዳዊ ርክብ ኣብ ሑመራ

መተዓዳደጊ ገንዘብ ኤርትራን
መግለጺ ስእሊ, ናቕፋ

ክልትኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ንዓመታት ተዘሓሒሉ ምፅንሑ ዝፍለጥ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ድማ ን20 ዓመት ተዓፅዩ ዝፀንሐ ዶባተን ብወግዒ ከፊተን።

መጓዓዝያ ኣየር ክሳብ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ብመኻይን ዝግበር ምንቅስቓስ ግን፡ ጉዳያት ቪዛ፣ ቀረጽን ካልእን ክሳብ ዝፍትሑ፡ ገደብ ከም ዝተነብሮ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ይገልጹ።

እዞም ነገራት፡ ገና ክስርሐሎም ዝግብኡ እዮም። ይኹን ደኣ'ምበር ዜጋታት እተን ሃገራት ንሱዳን ቀረባ ብዝኾነ ኣብ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ብዘሎ ዶብ ኣቢሎም ይራኸቡ ኣለዉ።

ዶብ ሑመራ-ኦምሓጆር፡ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ነንሓድሕዶም ክርኣኣዩ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ።

ካብ ፈላማይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ድማ፤ ብርክት ዝበለ ምንቅስቓስ ትራፊክ ኣሎ።

ኣብ ሑመራ፡ ሸርፊ መተዓዳደጊ ገንዘብ ስራሕ ገንዘብ ዘርዘርቲ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ሑመራ፡ ሸርፊ ክልትኤን ሃገራት፡ ገንዘብ ኣብ ምሽራፍን ምቕያርን ዕድል ስራሕ ፈጢሩሎም ኣሎ።

ገንዘብ ዝቖጽሩ ዘለው ሰባት

እዞም ዘርዘርቲ ገንዘብ፡ ካብ ናቕፋ ናብ ዶላር፣ ካብ ብር ናብ ናቕፋ ወይ'ውን ዶላር ይቕይሩ።

ኣብ ሑመራ ዝስራሕ ዓራት

ሸየጥቲ ዓራት ድማ፡ ኣትረፍቲ ይኾኑ ኣለው። ዞባ ምዕራብ ልዑል ዋዒ ዝርኣዮ ከባቢ ብምዃኑ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ብገመድ ዝስርሑ ዓራውቲ፡ ለይቲ ኣብ ደገ ክትድቅሰሎም ይምረጹ።

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ወርሒ ሓምለ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ፈሪመን

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ዜጋታት፡ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ብምኽኣሎም ኣዝዮም ሕጉሳት'ዮም። ኲናት፡ ስድራ ክልቲኡ ወገን ፈላልዩ ጸኒሑ'ዩ።

ሕጂ ግን ታሪኽ ተቐይሩ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ካብ ኤርትራ መጺኦም፡ ቅድሚ 20 ዓመት ብዛዕባ ዝነበሮም ጥሪት ምሕታት ጀሚሮም።