ኣብ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ሕላፍ ሰዓት ተነቢሩ

ሰርሓ

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘእትዉ ኣብ ሰርሓ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ ፈተሻ ካብ ሰዓት 12፡00 (ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ሰዓት 6፡00) ድሕሪ ቐትሪ ንደሓር መካይን ምእታውን ምውፃእን ከምዘይፍቀድ ብወገን ኤርትራ ተገሊፁ'ሎ።

እቲ ውሳነ ትማሊ ምሸት እዩ ተግባራዊ ኮይኑ።

ኣብ ሰንዓፈ በፂሑ ናብ ዓዲ ግራት ዝምለስ ዝነበረ ሙሉእብርሃን ገብረዋህድ ምስቶም ካብ ኣስመራ ዝመፁ ክሓልፉ ከምዘይፍቀደሎም ተነጊሩዎም ኣብ ሰርሓ ሓዲሮም ሎምዓልቲ ናብ ዓዲ ግራት ከም ዝኣተዉ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ነቶም ዝኽልክሉ ዝነበሩ ወትሃደራት ሓቲቶም "ምሸት ሓደጋ መካይን ይበዝሕ ስለዘሎ ምእታውን ምውፃእን ክንክልክል ትእዛዝ መጽዩና'ሎ" ከምዝበልዎም ሙሉእ ብርሃን ሓቢሩ።

መካይን ኣብ መንገዲ ተፀፍፂፈን ከምዝሓደራን፤ ንሱ'ውን ኣብ ውሽጢ መኪና ከምዝሓደረን ተዛሪቡ'ሎ።

ምምሕዳር ምብራቕ ትግራይ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዳሃይን ሓበሬታን ኣለኩም ዶ? ብምባል ሓቲትናዮም፤ ብዛዕባኡ ዝፈለጥዎ ነገር ከምዘየለ ምክትል ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ጌታቸው ፈረደ ተዛሪቦም።