ዛላምበሳ፡ ገፅ ህዝቢ ብምሒር ታሕጓስ ብንብዓት ክሕጸብ ርኤ

ካብ ሓደ መትንን ዓፅምን ተፈጢርካ እሞ ድማስ ብመፅዓን እንተይኮነስ ብእመት ዝልካዕ መሬት ፈልዩካ ን20 ዓመታት ተፈላሊኻ ምንባር ክንደይ ከምዝመርር ረኻቢኡ እዩ ዝፈልጦ።
ኣብ ዘላምበሳ ትነብር ወይዘሮ ማና ገብረሚካኤል ኣጋይሻ ክትቅበል ቡን ተፍልሕ ነበረት። ኣሞንጒየ ኣዛረብክዋ።
"ናብዛ ከተማ ድሒሩ ዝመፀ ሰብ ተዘይኮይኑ ንሕና ኣብ ዘላምበሳ ኤርትራውን ኢትዮያውን ዝበሃል ኣፈላላይ ኣይንፈልጥን ነይርና" ብምባል ነቲ ዝነበረ ፍቕርን ሕውነትን አማዕድያ ዘኪራቶ።
ኣብ መሬት ጉሎመኻዳ መዳሕነቶም ዝተቐበረ ሰባት ምስቶም ደሞም ካብ ሓደ ባሕሪ ዓሌት ዝተቐድሐ ነበርቲ ሰረሓን ኣምበሰት ገለባ ከየራኸቡ ደቂ ሰባት ብሰንኪ ዝፈጠርዎ ፀገም እናተረኣኣዩ ተፈላልዮም።
ኣብ ቀላቕል ሰርሓ ዝዓረደ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘላምበሳ ትረከብ ሓፍትንኡ ካብ ኢዳ ሳንቲም እኳስ ሕጭል ኢላ ክትወድቃ ይሰምዕ። ኣብቲ ብበለስ ዝተሓፀረ ደጎል ቅልቅል ዝበለት ጎረዞ ኣብ ኣምበሰት ገለባ ኣብ ደምበ ኣኮኣ ዓሕ እምባሕ ተዳምፅ።
ወዲ ሰብ፡ ሰብ ዓሪፉ እንትእወ እንተሎ ተፀኒዓ ዝነበረት ኣሞይ ዓሪፋ ኢሎም ስድራ ክሳድ ኣወንጢሖም፡ እናመዓደዉ ማንታ ንብዓቶም የርግፉ።
ከምዚ ኢልካስ ናብራ ኣይኮነን ዝበለ ክልቲኡ ህዝቢ ካብ ዝሰኣኖ ተስፋ ሰላም ካብ ኣቦይዝጊ ክረክብ ደርሆ ነቆ ናብ ምህለላ ወፈረ። ብዓቕሊ ተማህሊሉ ሰላም ከውርድ ደፍደፍ 20 ዓመት ኣቑፀረ።
ኣብ ሓደ ግራት ንኽልተ ስድራ ገሚዑ 20 ዓመት ዘንበረ መዓት ፍታሕ ክረክብ ወለዲ ብሕጊ እንዳ'ባ ከይዳነዩ ፈለኽ መበሊ ስኢኖም።
ብሰንኪ ብህይወት እናሃለኻ ምፍልላይ ብዙሕ ነገራት ተመሳቒሉ። ህዝቢ ብሕሱም ናፍቕ መዓንጥኡ ተጠዊፉ ዘይንሱ መሰለ። ገሊኡ እውን ምስ ናፍቖቱ ገደና ተሰናቢቱ ንዘልኣለም ከደ።

ከተማታት ሰንዓፈን ዘላምበሳን ሰፈር ረጋቢት ከኾና ዝቐርየን ኣይነበረን። ህዝቢ ጥሪቱ ሸይጡ መሐደሪ ትንፋስ ክረክብ ሃደምደገም በለ።
ደቁ ማና ሰማይ ይረከቦ ናብ ዝተባህለ ምደረ ገሃነብ ክልእኸ ኣጉዶ መጠሻኡ ናብ ዕዳጋ ኣውረደ። ብትኽትኽ ክሳብ ዝብል ምስ ሞትን ምንኣሳ ምፍልላይን ቅልስ ገጢሙ። ግድል ናብራ ሰንሰን ምስ ኣበሎ ዳርጋ የሻል ኢሉ ብርኩ ክኹርምሽ ምስ በለ ደሃይ ጭርውታ ሰላም ሰሚዑ ብርኩ ሒዙ ቅንዕ በለ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ስቅያት ህዝቢ ከም ዓምዐ ምስ ለብለቦ አዒንቱ ብጨው ምሉጭ ኣቢሉ ሓፂቡ ፃውዒት ሰላም ገበረ፡ መንግስቲ ኤርትራ እውን ደጊም ህልኽን ውጥጥን ይኣኽለና ኢሉ ናብ መኣዲ ሰላም ቀረበ። ዕርቀ ሰላም ተኣወጀ።
ደጊም ህዝቢ ዘላምበሳ፣ ሰርሓን ሰንዓፈን ዝፀምለወ ገፁ ክበርህ ጀመረ። ህዝቢ ዘላምበሳ ብሓፈሻ ድማ ጉሎ መኸዳ ሓምለ 26 ካህን ኣመሪሑ ጎፍላ ምሉእ ሕብሽትን ጣይታን ፀይሩ ተርመይ እናበለ ናብ ገማግም ድፋዕ ሰርሓ ተቐለቂሉ "በሉኸሰ እንግዶት ሰላም ተቐበሉና" በለ።
"ሰናይ ሓሲበኩም፡ ግናኸ መምርሒ ላዕለዎት ክንፅበ ግድን እዩ" በሉ ወታሃደራት ኤርትራ። ሻቡ ህዝቢ ዘላምበሳ ጎኒኡ ዘሓዞ ሳዕርን ዕምበባን ፀምልዩ ባንዴራኡ ዓፂፉ ነናብ ቤቱ ኣግለሰ። እዚ ሰላም ናብ መሬት ይወርድ ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ'ውን ፃሕተረ።
ዛላምበሳ ክሒሳ
ኣብ ድሮ ኣውደ ዓመት ቅዱስ ዮዉሃንስ ንፋስ ሰላም ጭርው በሎ። አእዛኑ ኩር ኣቢሉ እንተሰመዐስ ደርጓዕጓዕ ቀፀለ።
እዚ ናይ ሎሚ ደርጓዕታ ናይ ጥዕና ኣይመስልን በለ። ቶግ ደርጓዕ ብዝበለት ቁፅሪ ድቃሱ ዝቐትል ህዝቢ ሰላም ብቐሊሉ ከወርድ እዩ ኢሉ እንተዘይኣመነ ኣየኽፍአሉን።
ኮይኑ ግና ከምቲ ዝሰገኦ ኣይኮነን፤ ወታሃደራት ኤርትራ ሃንደበት ብቡል ደወዘር ድፋዕ ክፍንቅሉ ኣማዕዲኡ ረኣየ። ዓይነይ ድዩ ኢሉ ከዳግግ ደቓይቕ ኣይወደአሉን።
ሰራዊትን ህዝብን ዘላምበሳ እውን ንኽልቲኡ መሬት ከልኪሉ ዝነበረ ኳና ዳህሚሶም ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐበልዎም። ሓውን ሓሰርን ዝነበሩ እንተይኮነስ ጠስምን ድልኽን መሰሉ። ብሓባር ድማ ዘርኢ ምድሪ ዝነበረ ነታጒ ብእርይ ቁፅሪ ነቒሶም ኣረዩ።
ብድሕሪኡ እማ እንታይ ግድኹም፡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅዱስ ዮዉሃንስ ኣብ ሓደ ዳስ ክውዕሉ ቆፀራ ተታሒዙ፤ ኣንታ ኣይወግሕን ድዩ ኣንታ ሎሚ በፂሑ'ዶ ለይቲ ወጊሑና በለ ህዝቢ።
ህዝቢ ዘላምበሳን ሰርሓን ስብሕቲ ኣውዲቑ፣ ቡን ቆልዩ፣ ሰትን ዕምበባን ነስኒሱ ተፀበ ኮነ።
ኣጋይሽ ክሳብ ዝመፁ ብፍላይ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ብወገን ቡሬ ዶብ የኽፍቱ ስለዝነበሩ ክሳብ ናብቲ ፅምብል ዘርክቡ ህዝቡ ክልቲኡ ህዝቢ ከም ከበሮ ፀሓይ ተፀልዩ ተፀበየ።
ካብ ዘላምበሳ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝመፁ ሰባት ዕዱማት ኣጋይሽ ክሳብ ዝመፁ ጥምየት ተሓሊጎም ግን ድማ መዓንጠኦም ሸጥ ኣቢሉም ኣብ ደሚቕ ጓይላ እስክትሽም በሉ።
ደሓር መፅዮምያ ተባህለ ወተሃደራት ኤርትራ ብምዕሩግ ሰልፊ መሬት ሰርሓን ዘላምበሳን ተቐነትዎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰትሰምሃል ሰላም ሒዙ ኣደታት ክሳብ ዓንቀረን እናዓለላ ኣጋይሽ ምቕባል ኮነ።
ኣብ መንጉኡ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ብሄሊኮፕተር ኣብ ጎልጎል ሰርሓ ዓረፉ።
ሃንደበት ድማ ናብ ህዝቢ ድምር በሉ። ምስ ምክትል ርእሰ ብሄር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሪቫን ብምቑራፅ ን20 ዓመት ተሃርሂሩ ዝነበረ ዶብ ካብታ ፃት እቲኣ ኣትሒዙ ጋሕ ከምዝበለ ኣበሰሩ።
ህዝቢ ብሕሱም ታሕጓስ ዓበደ፤ ዓቕሉ መዝሙር ክልቲኤን ሃገራት ክሳብ ዝድመፅ ጥራሕ እየዑ ዘሊቑ።
ኣብ ገማግም ድፋዕ ሰርሓ ቀልጥፉና እንትብል ኣፍ ልቡ ደጊፉ ዝፀነሐ ህዝቢ ሆሆሆ ኢሉ ወረደ፤ ውሕጅ ህዝቢ ጠጠው ዘብሎ ተስኣነ፤ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ከም ማይ ነሓሰ ፈሲሱ ዝመፀ ህዝቢ ኤርትራ ተጠምጢሙ ሓቖፈ።
ብኽያት ነገሰ፣ንብዓት ሓጎስ ምንፃግ ኮነ። ኣበይ ኣለኻ ሓወይ? ሓፍተይ ከ? ኣሞይ፣ሓፍቲ እነይ፣ኣያ ሓወይ ድለዩ ተባህለ።
ኣነ ኣብ መንጉኡ ተዳህሊለ፣ ፈዚዘ፣ ቃህሚመ ተረፍኩ። ነየናይ ስኢለ ነየናይ ከገድፍ። ስድራ ተሓናኒቖም እንትሰዓዓሙን እንትበኽዩን ኣነ እውን አዒንተይ ንብዓት ቅፅርፅር ኢሉ ናብ ባሕሪ ሓጎስን ፌስታን ጣነኹ።

ኤርትራዊት ፍዮሪ ፍቓዱ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ መርዓ ፅጋብ ሓዋ ክትርከብ ካብ ኣስመራ ብነፋሪት ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብኡ ናብ መቐለ፣ብዓዲ ግራት ኣቢላ ናብ ዘላምበሳ ኣትያ።
"ይገርመካ'ዩ 1080 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዘ ተዃሊለ መፅየ። መርዓ ኣሕሊፈ ድማ ናብ ኤርትራ ተመሊሰ፤ ሎምዓልቲ ድማ ኣብ ሰንዓፈ ምስ ዝነበረት ዓባይ ሓፍተይ ናብ ዘላምበሳ መፅየ። ዝገርም እዩ መግለፂ ቃላት የብለይን" በለት።
ኢትዮጵያዊ ፅጋብ ታደሰ ብግዲኡ ኣነን ኣሓተይን ኣብዚ ኣብ ዘላምበሳ ኢና ተወሊድና ዓቢና፤ ደሓር ኣደና ኤርትራዊት ስለዘኾነት ክልቲኤን ኣሓተይ ናብ ወላዲትና ብምኻደን ን24 ዓመታት ተፈላሊና።
ሎምዓልቲ እሞ ድማ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ተራኺብና። እዚኦም ትሪኦም ዘለኻ ደቂ ዓባይ ሓፍትና ካብ ዝውለዱ ርኢናዮም ኣይንፈልጥን። ተፈላሊኻ ምንባር ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ብጣዕሚ ደስ ኢሉና'ሎ" ብምባል ይዛረብ።
ኣብታ ቅፅበት እቲኣ ወተሃደርን ስቪልን ብኽዳኑ ምፍላይ ይቐልል፤ ኩሉ ከም ብተይ ዓንደረ፣ ከም ማማይ ተጠበረ፣ ከም ኣንጭዋን ድሙን ዝተሓላለዉ ዝነበሩ ወታሃደራት ክልቲኤን ሃገራት ደቂ ሓንቲ ኣሃዱን ጋንታን ክሳብ ዝመስሉ ተኾላለሱ፣ተሓቛቖፉ፣ ኣእዳዎም በብማእገሮም ኣተሓላሊኾም ተሳኣሉ።
ኣንጭዋ ዘየስቱኽ ዝመስል ዝነበረ ድፋዕን ፅርግያን ተጋሕጊሑ ማካይን ናብ ሰንዓፈ ተሃንደዳ፤ 'ኤረ' ዝብል ሰሌዳ ዝወደያ መካይን ካብ ሰንዓፈ ናብ ዘላምበሳ ጠኒነን ኣተዋ። ምትሕውዋስ ጋህዲ ኮነ።
ሓደ ብየማናይ ኢዱ ኣረቂ ዓትዒቱ ምስ ብፃዩ ዝኸይድ ወታሃደር ኤርትራ ረኺበ ናበይ ገፀካ ኢኻ በለክዎ።
"ደጊም ሰላም ካብ ኮነ ረኣየኒ ኣረቂ ሒዘ ኣዝማደይ ክበፅሕ ይኸይድ ኣለኹ። ንዓመታት ኣብ ድፋዕ ፀኒሐና ሎም ዓልቲ ሰላም ኮይኑ፤ ካብ ፈጣሪ ቀፂሉ ክልቲኦም መንግስታት ምስግና ይግበኦም" ኢሉኒ ሓለፈ።
ኣይተ ምሩፅ ደስታ ኣብ ዘላምበሳ ተወሊዱን ዓብዩን። ምፍልላይን ምትሕውዋስን ክልቲኡ ህዝቢ ብደዉ ርእዩ። "ኣጋጣሚ ኮይኑ እዛ ረጊፀናያ ዘለና መሬት ከፍቲ እናጓሰኹ ዝዓበኹላ መሬት እያ" በለ።
"እዚ ናይቲ እዩ እዚ ናይዚ እዩ ኢልካ ዘይተፈልዮ ህዝቢ እዩ። ናይ ሎምዓልቲ ዝተፈለየ እዩ። ሕዚ ቤተሰብ ንእልሽ ኣለና፤ ንምርኻብ እውን ኣፀጊሙና'ሎ፤ ብሕሱም ታሕጓስ ሕውስውስ ኢሉና'ሎ" እንትብል ገፁ ከም ፀሓይ በሪሁ ይረአ።
ኣደን ጓልን ናይ እማን ድዩ ተራኺብና ኢላተን ብምሒር ሓጎስ ጓለን ገፃ ብንብዓት ተሓፂቡ ንሰን ተመሊሰን እንትጥብራኣን ንብዓት ገፃ ብጫፍ ነፀላአን እንትሕብሳላ ኣብ መንጎ ኣትየ ክሓተን እንተበልኩ "ክላ እዚ ኸዓ ዘርከበ" ብዘምስል ኣጠማምታ ንዓይ ምዝራብ ገዲፈን ናብ ብኽያትን ምትሕቑቛፍን ኣተዋ።
ካብ ዓዲ ቐይሕ መሰ በዓል ቤታን ክልተ ጓላን ወዳን ዝመፀት ወይዘሮ ሉችያ ዳኘው፡ "ሓሚመ መፂአስ ሓውየ ይኸይድ ኣለኹ፤ ፍቕሪ ህዝቢ ጥዕና ሂቡኒ ኣሎ"።
ገፅ ህዝቢ ብምሒር ታሕጓስ ብንብዓት እንትሕፀብ ርኤ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







