ኣፈጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኬርያ ኢብራሂም ብፍቓዳ መዝነታ ገዲፋ

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ብፍቓዳ ካብ ሓላፍነታ ከምዝተኣለየት ገሊጻ።
ወይዘሮ ኬርያ፡ መዝነታ ክትገድፍ ምኽንያት ዝኾና፡ ሕገመንግስቲ ይጠሓስ ስለዘሎን "ውልቀመላኺ መንግስቲ ይስረት ብምህላዉን" ከምዝኾነ ተዛሪባ።
ወይዘሮ ኬርያ ነዚ ውሳንኣ ዘፍለጠት፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እዩ።
ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ዝኾነት ወይዘሮ ኬርያ ካብዚ መዝነታ ንርእሳ ምእላያ፡ መግለጺ ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን፡ ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ነዞም መንግስታት ዝመርሑ ውድባት ህወሓትን ብልጽግናን ዘሎ ዝኸረረ ምትፍናን ዘርኢ ምዃኑ፡ ተዓዘብቲ ርእይቶታቶም ይህቡ ኣለዉ።
ውድብ ህወሓት ንማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ብልጽግናን፡ ብምጥሓስ ሕገ-መንግስቲ ክኸሶም ጸኒሑ እዩ።
ወይዘሮ ኬርያ'ውን፡ ሕገመንግስቲ ይጠሓስ ምህላዉ ክትገልጽ ከላ ሕዚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት "ሕገ መንግስትን፡ ሕገመንግስታዊ ፌደራል ስርዓትን፡ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ'ሎ" ኢላ ነይራ።
ኣብ ምንዋሕ መረጻ ግደ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያን፡ ወይዘሮ ኬርያ መዝነታ ክትገድፍ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረጻ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ ከካይድ ከምዘይኽእል ድሕሪ ምግላጹ፡ ነዚ መረጻ ንምንዋሕ ከም ኣማራጺ ዝተወሰደ 'ትርጉም ሕገ-መንግስቲ ምንዳይ' ዝብል ፍታሕ፡ ብባይቶ ፌዴሬሽን ኣቢሉ ክፍጸም ከምዝተወሰነ ዝዝከር እዩ።
ንኣመራርሓ ትግራይን ኣመራርሓ ማእከላይ መንግስትን ክዋጥጡ ካብ ዝጸንሑ ጉዳያት ሓደ ድማ፡ እዚ ምንዋሕ መረጻ ዝምልከት ጉዳይ እዩ።
ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም እንታይ እያ ኢላ?
"እቲ ሕገመንግስቲ ክጠሓስን፡ ከምኡ'ውን ውልቀ መላኺ ስርዓት ክትከልን ከሎ ተሓባባሪት ክኸውን ኣይደልን" ኢላ።
ወሲኻ ድማ "ብሽፋን ትርጉም ሕገመንግስቲ፡ ነቲ ሕገመንግስታዊ ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ናብ ሓደጋ ዘውድቕን ናብ ውልቀመላኺ ስርዓት ዘምርሕን ትርጉም ሕገመንግስቲ ክውሰን ንምግባር፡ ኣፈጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኮይነ ክመርሕ ኣይደልን፡ ኣይተሓባበርን'ውን" ኢላ።
"ናይዚ ታሪኻዊ ጌጋን፡ ናይ ሽርሒ ፖለቲካ ተሓባባሪትን ኣፈጻሚትን ክኸውን ሕልናይ ኣይፈቕደለይን" ዝበለት ወይዘሮ ኬርያ፡ ከምኡ ምግባር ነቲ ዝተቓለሰትሉ ዕላማን ሕድሪ ስውኣትን ከምምክሓድ ከምእትቖጽሮ ተዛሪባ።
ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን፡ ኣብ ትግራይ መረጻ ከካይድ ምዃኑ ምስገለጸ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነዚ ብዝምልከት "ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ዝብል መግለጺ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ወይዘሮ ኬርያ ኣብዚ ተደሪኻ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ መግለጺኣ፡ ንማእከላይ መንግስቲ ነቒፋቶ።
"ናይ ምውሳን መሰለይ ተጠቒመ፡ ዘመሓድረኒ መንግስቲ፡ ብሕገመንግስታዊ መገዲ መሪጸ እየ ዝመሓደር ንዝበለ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣነ ዝወሰንኩልካ ክትፍጽም'ምበር ኣይኸውንን ብምባል፡ ኩናት ናይ ምውላዕ መፈራርሒ [ኣብ ዝቐርበሉ] ከምኡ ድማ ነዚ ንምፍጻም ሕገመንግስታዊ ሽፋን ኣብ ዝግበረሉ ኣይሳተፍን" ኢላ።
በዚ ምኽንያታት ድማ፡ "ንሕገመንግስቲ፣ ንህዝበይን ንሕልናይን ዝኣተኽዎ ቃል ንምኽባር ክብል፡ ብፍቓደይ ካብ ኣፈጉባኤነት ባይቶ ፌዴሬሽን፡ ከምዝተኣለኹ የፍልጥ" ክትብል ተዛሪባ።
ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም መን እያ?
ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2010 ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኮይና ዝተሸመት ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ወረዳ ጀሚሩ ኣብ ዘሎ መሓውር መንግስቲ ካብ 1995 ዓ. ም ክተገልግል ጸኒሓ እያ።
ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ክትከውን ከላ፡ ቅድሚ ናብ ባይቶ ፌደሬሽን ምምጽኣ፡ ሓላፊት ስቪል ሰርቪስ ትግራይ ነይራ።
ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕን ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂኣንስትዮን ኮይና'ውን ሰሪሓ እያ።
ኣብ ኣስመራ ዝተወለደት ወይዘሮ ኬርያ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ኢኮኖሚክስ፡ ካልኣይ ዲግሪ ድማ ኢንቫይሮሜንታል ኣንትሮፖሎጂ ተማሂራ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







