ፅገ ገብረስላሴ: ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ሓላፍነት ዝበፀሐት

ፅገ ገብረስላሴ
መግለጺ ስእሊ, ፅገ ገብረስላሴ

ኣብ ሕምብርቲ መቐለ ብልሙድ ቀበሌ 11 ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ውዕዉዕ ከበቢ ዝነብሩ ህርኩታት ወለዲ ሸውዓተ ቈልዑ ወሊዶም። ነጋዶ እዮም። እኽልን በርበረን የቕንዑ።

ጽጌ፡ ካብዚ ስድራ ሓምሸይቲ ውላድ እያ። ኣብ ከሳቴ ብርሃን፡ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርታ ምስተመሃረት ናብ ዓዲ ሓቂ ተሳጊራ ኣብ ሻውዓይን ሻምናይን በፂሓ። ብድሕሪኡ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ኣብ ሃፀይ ዮሃንስ ወጊና።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ሻድሻይ ክፍሊ ኮይና ፍቕሪ ኣቦ ምጥዕዓም ምስጀመረት፡ ወላዲኣ ብሕሱም ሞት ተመንጠለት። ወላዲታ ክንዲ ክልቲኦም ኰይነን ኣስናነን ነኺሰን ልዕሊ ፍርቂ ደርዘን ቈልዑ ከዕብያ፡ ኣዕብየን ኣምሂረን ናብ ቁዉም ነገር ከብፅሓ ብዓቐብ ናብራ ከይተሰኰና ቀፀላ።

ካብ ማይነብሪ ኣእኻልን በርበረን ዓዲገን ብጅምላ ኣምፂኤን ኣብ ቀበሌ 11 ይሸጣ ነበራ። ፅገ ገብረስላሰ፡ እግሪ እግሪ ወላዲታ ብምጉዓዝ ጉና ጎኒ ትምህርታ ንግዲ ለመደት።

ድርኩዅት ቤት ትምህርቲ ዘይረገፁ ወለዲ፡ ደቆም ብትምህርቲ ክዕወቱ ካብ ምክትታል ዝዓግቶም ድሕረት ኣይነበረን። ደቆም ካብቲ ንግዳዊ ስራሕ ዝያዳ ኣብ ትምህርቶም ከድህቡ ይምዕዱ፤ ኣቑሪሶምን ከዲኖምን ናብ ቤት ትምህርቲ ይስንዩ ነበሩ።

ብፍላይ ወላዲታ፡ ኣሚነን ብሞት ምስሰኣና ኩሉ ፀውራ ኣብ ፃሕሊ እንግደዐን ወዲቑ፤ ግን ሕቘይ ኣይበላን፤ ኩሉ ፀይረን ጀጋኑ ኣምሲለን ከዕብያ ምስቲ ህልኽካ ዝፅንቅቕ ጉዕዞ ናብራ ገጠማ። ፅገ ፃዕሪ ወላዲታ ብዓወት ትምህርታ ክትክሕስ፡ ብፍላይ ድሕሪ ታሽዓይ ክፍሊ ብልፅቲ ተምሃሪት ኰይና ቅልቅል በለት፤ ብኣ 12 ክፍሊ እማ ካብ ክፍሊ ሳልሳይ ብምውፃእ ተሸሊማ፤ ስድራኣ ኣኹረዐት። ሳላ ንፍዕቲ ዘይልወ ሑቘ ዝወነና ወላዲታ፡ ምስ መዘናኣ ከም ብተይ ዘሊላን ተፃዊታን ዓብያ። ኣብ ገዛ ውሕልና እኳ እንተለመደት ሳላ ዓበይቲ ኣሓታ፤ ብስራሕ ገዛ ምሒር ከይተፀመደት ናብ ትምህርታ ኣድሂባ።

ፅገ ጓልያቱ ካብ ሻድሻይ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ እውን ከመይ ዝበለት ልዕሊ ቁመታ ትነጥር ተፃዋቲት ኩዕሶ ኢድ ነይራ። ንመቐለ ዓዳ ወኪላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገጢማ ኢያ። ፊደል እንተይኰነስ በሊሕ ሕልና ዝሃበን ወላዲታ ክሳብ ክንድ'ዚ ነፃነት ዝህባኣ ጓል ኰይና መጥላዕላዕ ኢላ ዓብያ። ኣብ ዝኣተወቶ "ይኽእል እየ" ዝብል ወነ ተሓንጊጣ ገስገሰት።

ወላዲታ ኣሚነን ብህይወት እንተለዉ ዝጀመረኦ ንግዲ ብዕፅፊ ቀፂለነኦ፤ ሓፍታ እውን ንዓዲ ዓረብ ከይዳ ስድራኣ ክትሕግዝ ወፈረት። ከውሒ ዝፍንፅሕ ኰኾብ ዝወነነት ፅገ፡ መፃኢ ህይወታ ክተስምር ድልዱል መንገዲ ተፀሪጉላ።

"ኣደይ ኢያ መምህረይ"

"ንዓይ ኣደያ ኢያ ሞዴለይ፤ ጠንካራ ኢያ፤ ኣብ ሰብ ኣይትፅጋዕን። ንሕና እውን ኣብ ሰብ ተፀጊዕና ክንዓቢ ኣይትደልን። ኣብ ትምህርትና ክንነፍዕ፣ገንዘባዊ ሓገዝ ክንረክብ፣እንይታነት ንግዲ ክንፈልጥ፣ ሰብ ናብርኡን ህይወቱን ብኸመይ ክቕየር ከምዘለዎ ዝብሉ ነገራት ኣምሂራትና ኢያ። ፍልይቲ ኣደ ኢያ ነይራ" ትብል ፅጌ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብሞት ተፈልያንኣ። "ኣነ ኣብ መንገዲ ኣየር ተቘፂረ፣ ሓዳር ገይረ ምስወለድኩ ኢያ ተፈልያትና" ብምባል ፅገ ተዘክሮኣ ተካፍል።

ኢድ ሰብ ዘይምጥማትን ዓርስኻ ምኽኣልን ካብ ኣደይ ተማሂረዮ እትብል ፅገ፡ ኣብ ዝሓዝካዮ ምዕዋት ዝብል መትከል ካብ ኣደይ ወላዲተይ እየ ወሲደዮ።

ፅገ ትምህርታ ብምምሕዳር ቤት ፅሕፈት እያ ጀሚራ፤ ብዲፕሎማ መርሃ ግብሪ ድማ ካብ ዩሚቨርሲቲ መቐለ ተመሪቓ።

ብልጽቲ ኮይና ትምህርታ ስለዝዛዘመት ድማ፡ካብ ትእምት(ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ) ጠለብ ስራሕ ረኺባ፤ኣብ ኣዲስ ፋብሪካ መድሓኒት ዓዲግራት ብፀሓፍነት ተመዲባ። ኣብ መቐለ ካብ ስድራ ንዘይምርሓቕን ትምህርቲ ንምቕፃል ብዝነበራ ድልየት ናብ ዓዲግትራ ከይዳ ስራሕ ኣይጀመረትን። የግዳስ ኣብ መቐለ ሜጋ ቤት ሕትመት ብፀሓፍነት ክትሰርሕ ተቘፂራ።

40 መዓልታት ምስፀነሐት ድማ ኣብ ካልእ ዝሐሸ ስራሕ ስለዝረኸበት ናብ ኮምሽን ሳርት ኣተወት።

ፅገ ዝሐሸ ስራሕ ንምርካብ ኣብ ሓደ ደው ክትብል ኣይመረፀትን። ኣብ ሳርት እውን ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ምስሰረሐት ክትዓግብ ስለዘይከኣለት ኣብ ውሽጢ እታ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ስራሕ ብምቕያር፡ ናብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተወዳዲራ ሓለፈት። ኣብ ማሕበር ትግራይ እውን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ሰረሐት ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ተወዳዲራ ብፀሓፍነት ተቘፀረት።

ኣብዚ ናይ ልባ ረኺባ ዝርገዐት ትመስል። 18 ዓመታት ድማ ሰረሐት።

ፅገ ገብረስላሴ

ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ፅገ ገብረስላሴ ብነብሳ ሃርኳት ሰራሕተኛ ስለዝዀነት ስራሕ መንግስቲ ከም ቁፅርቲ እንተይኰነስ፡ ከም በዓልቲ ዋና መንፈስ ዘሕድር ወነ ሰኒቓ ትሰርሕ።

ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፀሓፊት ኰይና ምስተቘፀረት ካብ ስራሕቲ ፅሕፈት ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ኢዳ ኣእትያ ምሕጋዝን ምስራሕን ቀፀለት።

"ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ስረሐይ ብተወሳኺ ኣብ ክፍሊ ምትእንጋድ ኣጋይሽን ኣብ ክፍሊ ምሻጥ ትኬትን ኣብ ምሕጋዝ ይሰርሕ ነይረ፤ ብተወሳኺ ወርሓዊ ፀብፃብ ምስንዳእ እውን፡ ባዕለይ እየ ዝሰርሖ ነይረ። ኣብቲ ትካል 'እዚኣ ኢያ ናተይ ምድብ ስራሕ' ኢልካ ተሓፂርካ ኣይትሰርሕን፤ ኣብ ምትሕግጋዝ ኣሚነ ምስረሐይ ድማ ናብ ፅቡቕ ደረጃ ኣብፂሑኒ እዩ" ብምባል ትገልፅ።

ፅገ፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ፀሓፍነት (ክለርክ ታይፕ ራይተር) ኢያ ስራሕ ጀሚራ። ቀፂላ ማእኸለይቲ ፀሓፊት፤ ካብኡ ድማ ብሳላ ፃዕራ ላዕለዋይ ፀሓፊት ኰነት። እዚ ኹሉ ክተሰርሕን ብስራሓ ደረጃታት ክትውስኽን እንተላ፡ ኣብ ትምህርቲ እውን ነፊዓ፤ ብኣተሓሕዛ ሕሳብ (ኣካውንቲንግ) ምሸታዊ ተማሂራ፤ ብዲግሪ ተመሪቓ። ኣብቲ ሽዑ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ፅገ ብምሰረት ውፅኢት ስራሓ፡ ካብ ፀሓፍነት ናብ ክፍሊ ምሻጥ ትኬት ክትዓቢ ኣለዋ ዝብል ድጋፍ ይህቡ ነበሩ። ነቲ ትካል ጠቒማ ንሳ እውን ክትጥቀም ናብቲ ደረጃ ክትዓቢ ኣለዋ ዝብል ዝጠንከረ ርእይቶ የነፀባርቑ ነይሮም።

ደረጃ ትምህርታን ሞያኣን ስለዘዕበይት፣ ውፅኢት ስራሓ ተገምጊሙ፣ርእይቶን ድጋፍን ሓለቕቶት ኣብ ግምት ኣትዩ፣ግቡእ ስልጠና እውን ረኺባ፡ መሰስ ኢላ ናብ ክፍሊ መሸጣ ትኬት ዓበየት።

ፅገ ኣይትሕለልን፡ ብስራሕ ክትዓቢ እንተዀይና ክእለታ ብሞያ ክድግፈ ከምዘለዎ ኣፀቢቓ ስለትኣምን ብትምህርትን ስልጠናን ጐልቢታ ትቐርብ። በዚ ኣቢላ ድማ ነዊሕ ኣሚታ ትዕወት። ምእንተ ዕብየት ሞያን ክእለትን ካብቲ ዝነበረቶ ፀሓፍነት ናብ ትሑት ክፍሊት እትረኽበሉ ግን ድማ ፅባሕ ብሞያ እትዓብየሉ ደረጃ ተቘፂራ።

"ኣብ ትኬት ኦፊስ ጀማሪት ኰይነ እየ ተቘፂረ። ክለርክ ይበሃል። ብድሕሪኡ ማእኸላይ ብርኪ ኤጀንት ኰይነ፣ ካብኡ ምሉእ ካስተመር ኤጀንት ብምዃን ዓብየ። በብደረጅኡ ቀፂለ። ኣብዚ መስርሕ'ዚ ትምዘነሉ ኣካይዳ'ሎ፤ ናትካ ስራሕ ምስራሕ እንተይኰነስ ቅድሚኡ ዝሰርሖ ዝነበርኩ ናይ ፀሓፍነት ስራሕ እውን እሰርሕ ነይረ። ብኸምዚ ዝበለ ተገዳስነት እንተሰሪሕኻ ድማ ብግድን ትዓቢ ኢኻ። ስራሕኻ እዩ ዘዕበየካ" ብምባል ጉዕዞ ዕብየት ደረጃታት ስራሓ ተዘንትው።

ፅገ ካብቲ ዝተሓተ ብርኪ ስራሕ፡ ደረጃ ብደረጃ ተጓዒዛ፤ ስራሓ ብፍቕርን ሓልየትን ብምፍፃማ፡ ክትዕወት ግድን እዩ። እዚ ኹሉ ምስሓልፈት ሓላፊት ጉጅለ ክፍሊ መሸጣ ትኬት ኰይና ክትመርሕ ዕብየት ስራሕ ረኸበት። ተተካኢት ሓላፊ ኰይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ሰረሐት ኢያ ናብቲ ደረጃ በፂሓ።

"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንደቀንስትዮ የተባብዕ እዩ፤ እዚ ማለት ኣብ ዘይዓቕምኻ ጓለንስትየቲ ስለዘዀንኩ ዕብየት ይወሃበኒ ማለት ኣይኰነን። ብመሰረት ውፅኢት ስራሕኻ ትዕቀን። ኣብቲ ትካል ዝሰረሐ ይዓቢ እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ኣመሓዳሪት(ኤርያ ማናጀር) ኰይነ"።

ፅገ ጓል'ያቱ፡ ተለሓሒፃን ነብሳ ኣሕሲራን ኣብ ተፈትዎ ስራሕ ብምጉዓዛ፡ ዓወት ኢያ ተገዚማ። ወዮ ትምህርቲ እውን፡ ነቲ ዝበፀሐቶ ደረጃ ዕብየት ስራሕ ጥጡሕ መንፀፍ ኰይኑዋ እዩ። ስለ'ዚ ናብቲ ምምሕዳራዊ ስራሕን ሓላፍነትን ንኽትበፅሕን ተወሳኺ ሞያ ምምሕዳር ብደረጃ ዲግሪ ተማሂራ ኢያ። ብድሕሪኡ እውን ምምሕዳራዊ ዕዳጋ ብደረጃ ካልኣይ ዲግሪ ተማሂራ።

ፅገ፡ ነተን በይነን ሸውዓተ ቈልዑ ኣዕብየን ከምህራ ሑቘይ ዘይበላ ተባዕ ኣዲኣ ኣብ ቅድሚ ሕልናኣ ስኢላ ገስገሰት። ሓቦን ኒሕን ሰኒቓ ኩርንባ ታባን ናብራ መቐነታ ኣፅኒዓ መሰስ በለት። ክትፍፅም ትሓስብ፤ ዝሓሰበቶ ድማ ትፍፅም ኰነት።

ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ዝበለፀ ዝሰረሐ ብውፅኢት ስርሑ እናተመዘነ ከምዝዓቢ ይዝረብ። ፅገ ድማ ብውፅኢት ስራሓ ተመዚና፡ ሕዚ እውን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ስራሕ ተሓፅያ ኣላ። ኣብ ኬንያ ሞምባሳ ንዘሎ ቤት ፅሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንኽትመርሕ ተሸይማ።

ፅገ ገብረስላሴ

ምንጪ ስእሊ, Tsige Gebreselasie

ፅገ ኩሉ ኣየምልጣን

ዕድሚኣ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ክተሕልፍ እንከላ፡ ኣዲኣ ክትመስል ሓዳር ኣይረሰዐትን። ተመርዕያ፤ ቈልዑ ወሊዳ።

"እዚ ኹሉ እንትኸውን ናይ በዓል ገዛይ ሓገዝ ኣለኒ። ሓገዝ በዓል ገዛኻ እንተሃልዩ እዩ ድማ ዕዉት እናዀንካ ትኸይድ። ሰለስተ ቈልዑ ኣለዉና። እናሰራሕኹ፣ እናተመሃርኩን እናወለድኩን እየ ተጓዒዘ። በዓል ገዛይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር እዩ። ካብ ትምህርቲ ክሳብ ኣብ ገዛ ብኹለመዳይ ይሕግዘኒ" ትብል።

ፅገ ገረስላሴ፡ ዳርጋ ፍርቂ ዕድሚኣ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሕሊፋቶ ኣላ። እቲ ትካል ክሳብ ከም ገዛኣ ትሓስቦ ትፈትዎ። ሓደሓደ ግዜ ካብ ገዛኣ ንላዕሊ ነቲ ትካል ትሓስበሉ እዋን ከምዘሎ ትገልፅ። ኣጋይሽ ከይኸፍኦም እሞ ስም እቲ ትካል ከይረስሕ ዝከኣላ ዘበለ ኩሉ ከምትፅዕር ነጊትራና።

ኣብ ገለ እዋን፡ ሓላፊ ኣብ ዘይነብረሉ እዋን ኣብ ክንድኡ ተኪኣ ትሰርሕ። ትግደስ። ገና ፀሓፊት ኰይና ምስተቘፀረት፡ እቲ ትካል ዝሐሸ ውፅኢት ረኺቡ ክምዕብል እሞ ንሳ እውን ክትዓቢ ሃቂና ትሰርሕ ነይራ። ኣብ ሕልማ ዝሰኣለቶ ድማ ኣብ ባይታ ረኺባቶ።

"ሕዚ ሓለቓ እየ ዝብል መንፈስ የብለይን፤ ወሪደ እየ ዝሰርሕ። ሓላፍት ኢየ ኢለ ኰፍ ኢለ ኣይከታተልን። ሰብ ሞያ እንተጐዲሉ፡ ኣጋይሽ ከይጉድኡ ተኪኤ እሰርሕ። በዝሒ በረራ ክህልወና እንተሎ፡ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ከይደ እድግፍ። ክሳብ ሻንጣ ምፅዓን ተሓጋጊዘ እሰርሕ። እቲ ሓላፍነት ብስራሕ እዩ ዝመፅእ፤ ኣባይ መንፈስ ስራሕ እዩ ዘሎ ኢለ እኣምን" ኢላ ፅገ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ዕዉታት መንግስታዊ ትካላት ብቐዳመነት ይፅራሕ። ኣብ ዓለማዊ መድረኻት'ውን ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ተዓዊቱ።

ፅገ ኣብቲ ትካል ብምስራሓ ኣዝያ ትሕጐስ። ኣብቲ ትካል ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ከዝወሃብ ስለትኣምን፡ ኣብ ካልእ መንግስታዊ ትካላት ተገልጋሊት ኰይና ኣብ ትኸደሉ እዋን በቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ብፍፁም ኣይትዓግብን። እቲ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኣብ ካልኦት ትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽልመድ ትምነ። ከማና ንኻልእ ይግበረሉ በሃሊት ኢያ።

ፅገ ሕዚ እውን ትምህርቲ ኣይፀገበትን። ናብ ደረጃ ትምህርቲ ዶክትሬት (ፒኤችዲ) ንኽትቅፅል ትእምት ኣላ። ስራሕ ንስልጣን ኣይኰነን ዘድሊ ኢላ ትኣምን። ሰብ ንባዕሉ ምስ ዓገበ እዩ ሰባት ብኣገልግሎት ክዓግቡ ዘኽእሎም።

"ዝለዓለ ኣገልግሎት ክህብ እንተዀይነ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበፅሕ ኣለኒ" ኢላ ብፅንዓት ትኣምን።

መግለጺ ቪድዮ, "ጓል ኣነስተይቲ ዋላ'ውን እንተዘይወለደት ምልእቲ'ያ"