ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ፡ በዓል ደናግል አሸንዳ

ወይዘሪት ኢለኒ ይኩኖኣምላክ
መግለጺ ስእሊ, ወይዘሪት ኢለኒ ይኩኖኣምላክ

ኣሸንዳ ናይ ቖጽሊ ሽም'ዩ። እቲ ቆጽሊ ኣሸንዳ ወኻርያ፣ ኣሸንዳ ዝብእን ኣሸንዳ ሰብን እናተብሃለ ድማ ይጽዋዕ።

"መጸት መጸት ኣሸንዳ ዕምበብ መጸት''

ኣሸንዳዋይ ናዓሚ ናዓሚየ ተጋኒና ሎሚየ"

እናበላ፡ አዋልድ ዓመት ተጸብየን፡ ንኽልተ ሰሙን "ጾመ ፍልሰታ ለማርያም" ጾይመን ዘብዕለኣ በዓል፡ ልዕሊ ዝኾነ ክትደምቀለን፡ ሰፊሕ ምድላዉ'የን ዝገብራ።

ትማሊ ኣማስያ ሎሚ መዓልቲ ንእተብዕሎ ኣሸንዳ ክትዳሎ ዝጸንሐት ኢለኒ ይኩኖ ኣምላክ፡ ኣሸንዳ ዝተፈለየ ምድላዉ እትገብረሉ በዓል ከምዝኾነ ትዛረብ።

"ብፍላይ እቲ ከተመታይ ንባህሊ ብዙሕ ትኹረት ኣይህብን። ኣብ ኣሸንዳ ግና ካብ ንእሽተይ ክሳብ ዓባይ ጸጉሪ ርእሰን ተቖኒነን፡ ሰብ ባህላዊ ክዳን ተኸዲኑ ኢኻ ትርእዮ። እዚ ፍሉይ ይገብሮ" ትብል።

"ከም ጓል ኣነስተይቲ ኮይነ ክርእዮ ከለኹ ድማ ናይ ናጽነት መዓልቲ'ዩ። ቖልዓ ኣሸንዳ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኣበይ ኣቲኺ፡ ኣበይ ዉዒልኺ ኣይትበሃልን" ትብል'

እዚ ክኸዉን ከሎ ግና ጥንቃቐ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ'ውን ትገልፅ።

መጋየጺታት በዓል ኣሸንዳ

ቖልዑ ኣሸንዳ፡ ዳርጋ ንሰሙን ምስ ቆናኒት ተቛጺረን፣ ኣይበጽሕን እንትብለን ድማ ህራስ ስኢነን እንዳ ጸጉሪ ሓዲረን'የን ዝቑነና፣ ቅድሚ ኽልተ ሰሙን ድማ ነቲ በዓል ዝኽደንኦ ዓለባ ዓዲ የዳልዋን፡ ጽባቕአን ይሕልዋን።

ኣብዚ ቅነ፡ "ቖልዓ ኣሸንዳ ርኢኻ ኣይትትሓጸ" እናተብሃለ'ዩ ዝምሰል።

ወናኒት 'ዘዉዲቱ ጥንቲ ጥበብ' ገነት ክንደያ፡ ጓል ኣሸንዳ እትበሃል፡ ባህሊ ኣሸንዳ ባህሊ ጠንቂቓ እትፈልጥ'ያ ትብል።

ወይዘሪት ገነት ክንደያ
መግለጺ ስእሊ, ወይዘሪት ገነት ክንደያ

"ኽዳን ሓበሻ ተኸዲና እትወጽእ፡ ጋመ ዓረብ ዝበሃል ቑኖ ኣሸንዳ እትቑነን፡ ኩትሻ፣ ሕንቆ መስቀል፣ ባቡር መስቀል፣ ኮንጎ ጫማን ኩሕሊ ዓድን ገይራ እትወጽእ'ያ ቖልዓ ኣሸንዳ እትበሃል" በሃሊት'ያ።

ታሪድሕረ-ባይ

እዚ በዓል ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ከምዘለዎ እትገልጽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ደናግል ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘብዕለኦ ክኸዉን ከምዘለዎ ተቐምጥ።

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን፡ መምህር ቅኔን መጽሓፍን ሊቀ ሊቃዉንቲ ያሬድ ካሳ፡ ኣሸንዳ ዝብል ስያመ ናይቲ በዓል፡ ካብቲ ኣዋልድ ኣብ ሽምጠን ዝዕጠቐኦ ቆፅሊ ዝተወሰደ'ዩ ይብሉ።

ከም ኣብነት ይብሉ "እቲ በዓል መስቀል ኮይኑ እናሃለወ፡ በቲ ዝቃጸል ዕንጸይቲ ተተኪኡ 'በዓል ዳሜራ' ይበሃል። ኣሸንዳ'ዉን ናይቲ ቖጽሊ ስያመ ወሲዱ ንዕኡ'ዩ ኣሸንዳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ" ክብሉ የረድኡ።

"ብቐንዱ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል'ዩ። ምኽንያቱ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ መቓብር ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተላዒላ ናብ ሰማየ ሰማያት ከም ወዳ ዝኣረገትሉ'ዩ። እርገታ ስለዝኾነ ድማ ማርያ (ማርያም) ተባሂሉ'ዉን ይጽዋዕ'ዩ" ይብሉ።

ሊቀ ሊቃውንቲ ኣሬድ ካሳ
መግለጺ ስእሊ, ሊቀ ሊቃውንቲ ኣሬድ ካሳ፡ ታሪካዊ አመፃፅኣ ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ ምዃኑ ይዛረቡ።

ንምታይ ኣዋልድ የኽብርኦ?

በዓል ኣሸንዳ ድሕሪ ን16 መዓልታት ዝጸንሐ ጾም እዩ ዝኽበር።

ናይ ኩሉ ኣማኒ ክርስትና በዓል'ኳ እንተኾነ፡ ብፍሉይ ግና ሓዳር ዘይመስረታ ደናግል ደቂ ኣንስትዮ'የን ዘኽብርኦ።

"ንሳተን ብፍሉይ ዘኽብርኦ፡ ደስትአን ዝገልጻ፡ እቲ ክብረንንን ልዕልንአን ዝተመለሰ ብቅድስት ድንግል ማርያም'ዩ"ይብሉ ሊቀ ሊቃዉንቲ ያሬድ ካሳ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽያት እንተረደኡ ድማ፡ "ቅድሚኡ ሰብኡት ብኣንስቲ ይምክሑለን፣ የደርዑወን ነይሮም። ንስኻትኽን ኢኽን ካባና ዝተረኸብክን፡ ብኣኽን ምኽንያት ድማ ሞት መጺኡ፡ ካብ ገነት ወጺእና ምስ እግዚሃር ተባኢስና እናበሉ ይምክሑለን ነይሮም" እናበሉ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ እቲ በዓል የዘኻኽሩ ።

"ደሓር ግና እየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወለዲኡ'ዩ። ካብ ድንግል ማርያም ብዝተወለደ እየሱስ ህይወት ተመሊሱ፡ ናብ ገነት ተመሊስኹም ኢኼኡም ኢለን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዚ መሊሰን" ይብሉ።

ኮንጎ ጫማ

ብብሉይ ኪዳን ታሪክ እስራኤል ከምዝነግሮ ድማ፡ ነገስታት ዝተሸሙሉ፣ ዝተወለዱሉን መዓልቲ እንተኸብሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወርቂ ዓጢቐን የሸብሽባ ነይረን።

ቖጽሊ ዕጣቕ ገይርካ፡ ዉዳሴን ዕልልታን ምቕራብ ድማ ካብዚ ከምዝምዘዝ ዝገልጹ ሊቀ ሊቃዉንቲ ያሬድ ካሳ፡ ቖጽሊ ድማ ናይ ዓወትን ሓጎስን ምልክት ምልክት ምዃኑ ይዛረቡ።

ክርስትና ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ብድሕሪ፡ 330 ዓመተ ምህረት በዓላት ትንሳኤን ካልኦትን ምኽባር እንትጅምሩ፡ ኣሸንዳ'ዉን ኣካል እቲ ኣከባብራ በዓላትን ኣዋጅ ጾምን ኾይኑ ክበዓል ከምዝጀመረ ይዝረብ።

እዚ በዓል ዚያዳ እናገነነ ዝመጽአሉ ግና ካብ እዋን ኣጼ ካሌብ ናብዚ እንትኾን፡ ብግዘ ዮዲት ጉዲት ግና እናነከየ መፂኡ ከምዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይስንዱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በዓል ኣሸንዳ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ከምኡ ድማኣብ ገለ ከባብታት ኣገዉ፣ ላስታን ላሊበላን ይኽበር።