'ብቐደሙ እውን ካብ ቦርድ መረጻ ትጽቢት ኣይነበረናን' ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ክልላዊ መረጻ ከተሓባብር ንዘቕረበሉ ጻውዒት ኣሉታዊ መልሲ እኳ እንተሃበሉ፡ ክልል ትግራይ ግን፡ ዝወጠኖ ምርጫ ከምዘካይድ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ኮቪድ 'ውን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ መረጻ ከካይድ ኣይኽእልን ዝብል መግለጺ ክህብ ምጽንሑ ዝሓበረ ኣቶ ኣማኒኤል እቲ ቦርድ መረጻ ኮቪድ-19 ምስ ኣጋጠመ ቅድሚ ኩሎም ትካላት መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ቤት-ዕዮኡ ዓጽዩ ሰራሕተኛታቱ ስለዝበተነ፡ መንግስቲ ትግራይ ሕጋውነት ንምልባስ እንተዘይኮይኑ እወታዊ ተስፋ ከምዘይነበረ እውን ሓቢሩ።
እቲ ቦርድ መረጻ ግን፡ ኣባላት ቦርድ ክሳብ ዝምረጹን ውሽጣዊ መዋቕሩ ዝሕድስን ከምኡ'ውን ሕጊ መረጻ ክሳብ ዘውጽእ ግዜ ከምዝወሰደሉ እዩ ዝገልጽ። እቲ ለበዳ እንተዘይመጽእ ነይሩ፡ ኣድላይ ዝበሃል ምድላዋት ዛዚሙ ከምዝነበረ ድማ ይገልጽ።
ዘይሻራዊ ኮይኑ ክሰርሕ ዝግበኦ ቦርድ መረጻ ፡"ናብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣትዩ፡ መረጻ ክተርፍ ነዊሕ ሰሪሑ እዩ" ክብል ዝኸስስ ኣቶ ኣማኑኤል፡ ላዕለዋይ ቤት-ፍርድን ኣብ ፌደራል ዘለዉ ኣካላትን ብዝተዋደደ መገዲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ምፍራስ እዮም ዘለው ይብል።
ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ዝመርሖ ስርዓት ካብ ዝመጽእ ብወገን ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ ሕገ መንግስቲ ይጠሓስ ኣሎ ዝብል ወቐሳ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።
"ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ መጺአ ክመርሖ እየ፡ ከተሓባብረልኩም እየ ክብለና ከምዘይኽእል ግልጺ እዩ ነይሩ" ዝብል ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል፡ እቲ ቦርድ ፍቓደኛ እንተዘይኮይኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ምላሽ ንምሃብ'ውን እንተዘንጊዑ፡ ኣብ ትግራይ ሕጊ መረጻን መረጻ ዘተሓባብር ኣካልን ተጣይሹ መረጻ ክካየድ፡ እቲ ቤት-ምኽሪ ኣቐዲሙ ከምዝወሰነ ኣዘኻኺሩ፡፡
ቀጻሊ ስራሕቲ መንግስቲ ትግራይ እንታይ እዩ?
ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ቀጻሊ ንጥፈት እቲ ክልል ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ " ዝሓሰብካዮ መርዓ ሰኣን መሳሰዪ ኣይትገድፎን" ክብል መሊሱ።
እቲ ወሳነ ቀዲሙ'ውን ተኣሚቱ ከምዝነበረ እዩ ዝገልጽ።
"ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ መረጻ ከተሓባብር ፍቓደኛ እንተኾይኑ ጽቡቕ፡ ልምዲን ጸጋታትን ስለ ዘለዎ ነዚ ብቐሊሉ ከተሓባብር ይኽእል እዩ። ፍቓደኛ ዘይኸውንን ግዘ ዝወስድን እንተኾይኑ ግና፡ እዚ መረጻ ናይ ህዝቢ መሰል እዩ፡ ናይ ህዝቢ መሰል ድማ ብዝኾነ መገዲ ክዕጸፍ ኣይኽእልን። ስለዚ ንመረጻ ዘኽእል ሕግን ትካልን ብዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ወይ ቤት ምኽሪ ኣጽዲቕካ፡ መረጻ ምክያድ እዩ"።
ተወከልቲ ሃገራዊ ባይቶ'ኸ መዓስ ይምረጹ?
ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ክልልላዊ መረጻ ከካይድ ምውሳኑ ስዒቡ ካብ ዝለዓሉ ሕቶታት፡ 'እቲ ክልል መረጻ ከፈጽም ዝኽእል ኣካል ናይ ምጥያስ ሕገ-መንግስታዊ መሰረት ኣለዎ'ዶ?' ዝብል እዩ፡፡ እዚ ዝከኣል ከምዝኾነ እዩ ኣቶ ኣማኑኤል ዝዛረብ።
"እወ፡ ሕገ መንግስቲ ብሙሉእ ኢኻ ክትርእዮ ዘለካ፡፡ መሰል ኣለካ'ዶ የብልካን እዩ እቲ መሰረታዊ ነገር። ልዕሊ ኹሉ መረጻ 'ፕሮሲጀር' እዩ፡ መረጻ ማለት ንሓደ ዝተዋህበካ ፖለቲካዊ መሰል፡ መስርሒ እዩ። እቲ ዓብዪ መሰል ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢታት እዩ። ልዕልነት ህዝቢ ዝብል ቀዳማይ መትከል ሕገ-መንግስቲ እዩ፡፡ በቢሓሙሽተ ዓመት መንግስቲ ከምዝቕየር፡ ካብዚ ወጻኢ ካሊእ መስርሕ ከምዘየለ፣ ኣብዚ ዓዲ ብደረጃ ፌደራል ይኹን ክልል ካብ መረጻ ወጻኢ መንግስትነት ከምዘይተሓዝ፡ ግልጺ ዝኾኑ ድንጋገታት ኣለዉ" ይብል።
ኣቶ ኣማኑኤል፡ እዚ ሕጊ ብዝኾነ ኣካል ነዚ ዝጻባእ ውሳነ እንተዳኣ ሓሊፉ፡ እቲ ውሳነ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ፡ ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ ትሸዓተ ተጠቒሱ ከምዘሎ ገሊጹ።
"እዚ እቲ ዝነኣሰ መሰል እዩ። እቲ ሕገ-መንግስቲ እንተዘይማእሚኡካ ክሳብ ምግንጻል እዩ ዝፈቅድ። መረጻ ማለት'ኮ ኣመሓዳሪኻ ምምራጽ ማለት እዩ። ሕገ-መንግስቲ ዘመሓይሽ ነገር የብሉን" ይብል።
እቲ ቦርድ መረጻ ግና ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ብክልል ደረጃ ዝካየድ መረጻ ነጺጉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብደረጃ ሃገር ኮነ ብደረጃ ክልል ዝኾነ መረጻ ናይ ምስላጥ ብሕታዊ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ንሱ ከምዝኾነ እዩ ሓቢሩ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መረጻ ክካየድ ንምውሳን ኮነ ንምፍጻም "ሕጋዊ መሰረት የብሉን" ኢሉ።
እቲ ሕዚ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየደ ተሓሲቡ ዘሎ መረጻ፡ ብደረጃ ክልል ቤት-ምኽሪ ንምጥያሽን ከባብያውን ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣቶ ኣማኑኤል፡ ናብ ፓርላማ ዝውከሉ ሰባት ዝምረጽሉ ከምዘይኮነ ሓቢሩ፡፡
ድሕሪ ሕዚ መንግስቲ ፌደራል መረጻ እንተካይዱ ድማ "ኣባል ናይቲ ፌደሬሽን ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ኣባል እቲ ፌደሬሽን ንምዃን ዘኽእሎ ናይ ፌደራል ተወከልቲ ህዝብን ተወከልቲ ቤት-ምኽሪ ፌደሬሽንን ክመርጽ እዩ" ኢሉ። እዚ ድማ ምንም ጸገም ከምዘይፈጥርን ክልቲኦም መረጻታት ኣብ ሓደ እዋን ክካየዱ ግድን ከምዘይኮነን፡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ተዛሪቡ፡፡







![ሃበራዊ ስእሊ ፖለቲከኛታት ኣቶ ልደቱ ኣያሌው [ጸጋም] ከምኡ'ውን ጀዋር መሓመድ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/5EB0/production/_113104242_2a92ba02-eb5d-447a-8ddb-a55eb982ee68.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







