ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንመረጻ ምድላዋት ኣይገበረን ክብሉ ነቒፎም

ኣርማ ሰለስቲአን ሰልፊታት ተቓውሞ ፖለቲካ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, FB PAGE OF THE PARTIES

ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ሰለስተ ተቓወምቲ ሰልፊታት፡ መንግስቲ እቲ ክልል 'ክልላዊ መረጻ' ንምክያድ ዝኾነ ዓይነት ምድላዋት ኣይገብርን ክብሉ ነቒፎም።

ገዛኢ ሰልፊ እቲ ክልል [ህወሓት] እንተኾነ'ውን፡ "ካብ ተራ ጭርሖ ሓሊፉ" ኣብ ትግራይ ቕቡልነት ዘለዎ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ምርጫ ንምክያድ ግልጽን ዘየሻምን መትከል ኣይሓዘን ኢሎምዎ።

እቶም ውድባት፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ [ባይቶና]፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ውድብ ናጽነትን ትግራይን'ዮም።

ሰለስቲኦም ውድባት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኡዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል "ጥጡሕ ፖለቲካዊ ምህዳር" ኣብቲ ክልል ከም ዘየሎ እውን ሓቢሮም።

ኣብዚ ዓመት፡ ኣብቲ ክልል ምርጫ እንተዘይተኻይዱ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ውድብ ከም ዘይህሉ ብምግላጽ፡ መረጻ ኣብ እዋኑ ንኽካየድ ጠሊቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝድንግግ'ኳ እንተኾነ፡ መረጻ ንምክያድ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ግን ግን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምርጫ ከካይድ ከም ዘይኽእል ገሊጹ'ዩ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ መደብ ወጺእሉ ዝነበረ መረጻ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ክናዋሕ ብምግባር፡ ኣብ ቀረባ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረቡ ኣርባዕተ ኣማራጺታት፡ ነቲ ሓደ መዚዙ ናብ ባይቶ ፌደሬሽን ልኢኹ ኣሎ።

እዚ ድማ ምሕታት ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ዝብል ኮይኑ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ምእዋጅን ኣባላት ባይቶ ምብታትን ዝብሉ ኣማራጺ ሓሳባት ኢሉ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ገዛኢ ውድብ ክልል ትግራይ እቲ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ዘስግእ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዘየሎ ብምላጽ፡ እቲ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ይካታዕ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ምርጫ ንምክያድ ቅድመ ምድላው ከም ዝገብር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሎ ግቡእ ሕቶ ናብ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ከም ዘየቕረበ እቲ ቦርድ ይገልጽ ኣሎ።