ንምንታይ እዩ መራሕቲ ካብ ስልጣን ምውራድ ዝኸብዶም?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕሬዝደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ንቀጻሊ ክልተ እብረ ኣብ ስልጣን መታን ክጸንሕ፡ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ንክመሓየሽ ከም ዝድግፍ ኣብዚ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።
ሕጂ ብዘሎ ድንጋገ ግን፡ ፕሬዝደንት ፑቲን ኣብ ቀጻሊ ውድድር ክሳተፍ ኣየፍቅደሉን። ፑቲን ካብ ኣልጄሪያ ክሳብ ዙምባብወ ስልጣን ኣይሰድድን ምስ ዝበሉ መራሕቲ'ዩ ዝስራዕ።
ሕጊ ቀይርካ ወይ ጥሒስካ፡ ንስልጣን ርስትኻ ምግባር ካበይ እዩ ዝነቅል? ስለምንታይከ መራሕቲ ካብ ስልጣን ምውራድ ይኸብዶም?
ገንዘብ?
'ምርጫ ከመይ ይጭብርበር' ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ፕሮፌሰር ኒክ ቺዝማን "መራሕቲ ስለ ምንታይ ንስልጣን ኣጥቢቖም ብምሓዝ ኣይንወርድን ይብሉ?" ተባሂሉ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፤ "እቲ ቐሊል መልሲ፤ ግዕዝይና'ዩ። ገንዘብ ይረኽቡ'ዮም፤ ስለዚ ምስ ሃብቶም ንምጽናሕ ኣብ ስልጣን ክቕጽሉ ይመርጹ" ኢሉ።
ይኹን'ምበር ካልኦት ዝተሓላለኹ ነገራት ኣለው'ዮም ከኣ ይብል።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ መራሕቲ ካብ ስልጣን እንትወርዱ ገንዘብ ካብ ምስኣን ንላዕሊ ዚያዳ ዘሕፍሮም ክሲ'ዩ፤ ምኽንያት ድማ ኣለዎም።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ካብ 1960 ክሳብ 2010 ኣብ ዘሎ ግዘ፡ ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ 43 ሚኢታዊት መራሕቲ ከም ዝተኸሰሱ ወይ ከም ዝሞቱ እዚ መጽሓፍ ይጠቅስ።
እዚ ዓብዪ ስግኣት መራሕቲ ኮይኑ፡ እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምኽሪ መዛኑ
መራሕቲ ካብ ስልጣን ከይወርዱ፡ ስድራ ቤት፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ናብ ስልጣን ክመጽኡ ዝደገፎም ህዝብን ወተሃደርን ዝፈጥረሎም ጸቕጢ ኣሎ።
"ስልጣን ዝለቀሉ እዋን በጺሑ'ሎ እንተበልካ'ውን፡ ብዙሓት ማዕጾኻ እናንኳሕኩሑ፡ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ናትካ ጉዳይ ዘይኮነ ንዓኻ ክብሉ መስዋእቲ ናይ ዝኸፈሉ ኣሽሓት ሰባት'ዩ ይብሉኻ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።
ንፕሬዝደንት ዙምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ናይዚ ኣብነት ገይሩ ዝጠቅስ ፕሮፌሰር ቺዝማን፡ ጸቕጢ ኣብ ጥቕኡ ዝነበሩ ሰባት ከቢድ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ይኹን'ምበር ልዕሊ እዞም ዝተጠቐሱ ምክንያታት፡ ስልጣን ብነብሱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣተሓሳስባ መራሕቲ ዘሕድሮ ካልእ ስምዒት ኣሎ።
ዶክተር ዳቸር ኬልትነር፡ 'ስግንጢር ስልጣን' ኣብ ዝብል መጽሓፉ፡ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ነገራት ኣስፊሩ ኣሎ።
ንሱ ስግንጢር ዝብሎ፡ መብዛሕትኡ ግዘ ናብ ስልጣን ዝመጽኡ ሰባት ብባህሪኦም፡ ሰብ ዝፈትዎምን ብቐሊሉ ምስ ሰባት ዝረዳድኡ ምዃኖምን እዩ።
ኣብ ዙርይኦም ዝርከቡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለው ሰባት ድማ ብቐሊሉ ይኣምኑዎም።
መጽናዕታት ከም ዘርእይዎ፤ እዞም ሰባት ስልጣን ምስረኸቡ ግን፡ ዋላ'ውን ንሓጺር ግዘ ይኹን፡ ባህሪኦም ይቕየር'ዩ።
ዶክተር ኬልትነር ከም ዝብሎ፡ ከምዚ ዓይነት ሰባት ንባዕሎም ኣብ ዝጠቕሞም ነገር ጥራይ ይጽመዱ፣ ንካልኦት ኣይሓዝኑን፣ ኩል ግዘ ድማ ኣነ ልክዕ እየ ዝብል እምነት የማዕብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብተወሳኺ ይብል እዚ ምሁር፤ እዞም ሰባት ካብዚ ሓሊፉ ስርዓት ዘይብሎም፣ ቁጡዓት፣ ዘረባ ካልኦት ሰባት ዘቋርጹ፣ ዓይኒ ዝዛረቡ ሰባት ድማ ክርእዩ ዘይደልዩ እዮም ዝኾኑ።
ጽቡቕ ስምዒት
ኣብዚ ዛዕባ ዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ መጽናዕታት፡ ሰባት ስልጣን እንትረኽቡ ዝደለዩዎ ነገር ንክገብሩ ኣይሓንኩን።

ምንጪ ስእሊ, Jack Taylor
ተመራመርቲ ከም ዝብሉዎ፡ ስልጣን፡ ብዘይ ገደብ ዝደለኻዮ ነገር ብምግባር ንነብስኻ ሃሴት ክትፈጥር ዘኽእል ናጽነት ስለ ዝህበካ፡ ወልፊ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
"ኣብ ስልጣን ዘለው ሰባት ብጣዕሚ ሕጉሳት'ዮም፤ ብዙሓት እንትንእዱዎም ዓብዪ ክብርን ሞጎስን ዝረኸቡ መሲሉ ይስምዖም" ዝብል ዶክተር ኬልትነር፡ እዞም ኣብ ስልጣን ዘለው ሰባት፡ ርእሶም ስልጣን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ስለ ዝሓስብ ናይ ነርቭ ስርዓቶምን ጥዕንኦምን ዝተረጋግአ'ዩ ኢሉ።
ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ስምዒት ጽቡቕ እዩ ይብል።
መጓበጢ
ዶክተር ኬልትነር ከም ዝብሎ፡ ስልጣን ዘለዎም ሰባት፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዝኾነ ናይ ኣእምሮኡ ክፍሊ ዝተጎድአ ሰብ ዘርእዮም ባህሪያት ዝርኣዮም ስምዒታውያን ሰባት'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሞ ዝተፈለየ ነገር ከም ዘሎ ዝዛረብ እዚ ምሁር፡ ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ ዝነበሮ ሓደ ሰብ ከም'ዚ ኢሉ ጽሒፉለይ ይብል "ታይ ማለትካ እዩ? ኣነ መጉዳእቲ ሓንጎል እኳ እንተሃለወኒ፡ካብ ትራምፕ ዝሓሸ ስርዓት ዘለኒ ሰብ'የ" ኢሉ ጽሒፉለይ ነይሩ" ክብል የረድእ።
እዚ ሰብ ዝበሎ ነገር ትርጉም ዝህብ ምዃኑ እውን ይገልጽ። መራሕቲ ዕቡያት ክኾኑ ይኽእሉ፤ ምምራሕ ዝኽእሉ ንሳቶም ጥራሕ ክመስሎም'ውን ይኽእል። በዚ ምኽንያት፡ ንሃገር ዝጠቅም ነገር ፈጺሞም ክርእዩ ኣይኽእሉን።
ከምዚ ዝበሉ መራሕቲ፡ ኩል ግዘ 'ሕራይ'፣ 'ኣቤት'፣ 'ናበይ' ዝብሉ ሰባት ጥራሕ ይሾሙ፤ ምኽንያታዊ ንዝኾኑ ሰባት ድማ ካብ ስልጣን የውርዱ።
ስልጣን ምስኣን ባዕሉ ዘሕድሮ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ'ውን ኣሎ። መጽናዕታት ከም ዘመላኽቱዎ፡ ብፍላይ ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ፡ ስልጣነይ ክስእን እየ ኢሎም እንትሓስቡ፡ ካልእ ናብ ምጥፋእ ይኣትው።
ስልጣን ንመራሕቲ ዘበላሹ እንተኾይኑ፡ ንምንታይ ድኣ ኹሉ ብብልሽውና ዝረስሐን ቐታልን ዘይኮነ?
ኣብ ፖላንድ ዋርሶ ፕሮፌሰር ስነ ልቦና ዝኾነት ኣሌግዛንድራ ኪሳልክ፡ መግለጺ ስልጣን ዝበለቶም ክልተ ተጻረርቲ ነገራት ኣቐሚጣ ኣላ።
ስልጣን ንጠንካራ ሰባት፡ ናይ ባዕሎምን ካልኦት ሰባትን ህይወት ዝቆጻጸርሉ ስልጣን ይህቦም። እዚ ድማ ብእወንታ ዝርአ ነገር እዩ።
ጸገም ዝፍጠር፡ እዞም ሰባት ተቖጻጺርናዮ ኢና ዝበሉዎን ዝመርሑዎን ሃገር ናብ ጸገም እንትኣቱ'ዩ። "ስልጣን ጽቡቕን ንጽቡቕ ነገር ክውዕል ዝኽእልን'ዩ፤ ግን ስልጣን ዝርከበሉ መገዲ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ" ትብል።
መራሕቲ እዚ ዝርድኦም እንተዝኸውን ነይሩ ድማ፡ ጽቡቓት ምኾኑ ነይሮም ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







