ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መዓስከር ታዓሊም ሳዋ በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, PMO
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ 2 መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ፡ ናብ መዓስከር ታዓሊም ሳዋ ምብጽሑ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ መዓስከር ታዓሊም ሳዋ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ንመመረቕታ መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወተሃደራዊ ሰልፊ ዝለማመዱ ዝነበሩ ተዓላሞ፡ ወተሃደራዊ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ምንጪ ስእሊ, PMO
መዓስከር ሳዋ፡ ኣብ 1994 ዝጀመረ ኾይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ቀንዲ ወተሃደራዊ መዓስከር ታዕሊም ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ቅድም ክብል ናብ ኤርትራ ተደጋጋሚ ምብጻሕ እኳ ኣካይዱ እንተነበረ፡ ናብ'ዚ ወተሃደራዊ መዓስከር ክበጽሕ ከሎ ንፈለማ እዋን እዩ።
ናብ ሳዋ፡ መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ክበጽሑ'ውን ልሙድ ኣይኮነን።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ እቶም መራሕቲ 'እግረ-መንገዶም' ናብ መዓስከር ሳዋ ከምዝበጽሑ እዩ ኣመላኺቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ መዓልታት፡ ናብ ዝተፈለየ ቦታታት ኤርትራ ተዛዊሩ ነይሩ።
ብቀዳም ኣብ ዞባ ዘቡብ ኣብ ዝርከብ ዲጋ ገርገራ ብምዝዋር፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ ኣብቲ ከባቢ ዝግብር ዘሎ ትሕተ ቅርጻውን መስንኦዊ ልምዓታትን ከምዝተዓዘበ ተለቪዥን እታ ሃገር ጸብጺባ ነይራ።
ብሰምበት፡ ኣብ ስዓታት ናይ ንግሆ'ውን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝርከብ ሕርሻዊ ልምዓታትን ዲጋ ከርከበትን ምብጻሕ ኣካይዱ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ብተደጋጋሚ እናተራኸቡ ስምምዓት ከምዝፈጸሙን፡ ዘተታት ከምዘካየዱን ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፡ ስምምዓቶምን ዘተኦምን ግን ዝርዝራቱ ብቕሉዕ ክግለጽ ኣይረኣይን።
መብዛሕትኡ እዋን 'ኣብ ክልተኣዊ ርክብን ዞባዊ ጉዳያትን ተዛራሪቦም' ብዝብል ብድፉኑ እዩ ዝግለጽ።
ተዓዘብቲ ፖለቲካ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተ ቀንዲ ጉዳያት ኣድሂቦም ምትሕብባራት ይገብሩ ምህላዎም እዮም ዝግምቱ።
እቲ ሓደ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ጉዳይ ፈለግ ኣባይን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዘይወግዓዊ መገዲ የሸማግል ምህላዉ ይገልጹ።
እቲ ካልኣይን ኣካታዕን ጉዳይ ድማ፤ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ክልቲኦም 'ንህወሓት ከም ጸላኢ ብምርኣይ ነዚ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንምጥፋእ ይተሓባበሩ ኣለዉ' ዝብል ግምታዊ ትንታነ እዩ።
ክልቲኦም፡ ምስ ህወሓትን መራሕቲ ትግራይን ዘለዎ ምትፍናን ርኡይ እዩ።
መራሒ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶክተር)፡ ብሰምበት ኣብ ዝሃቦ 'ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘድሃበ' ሰፊሕ መግለጺኡ፡ 'ፖለቲካዊ ተጻብኦታት' ይበጽሖም ምህላዉን እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ንምትዕንቓፍ'ውን 'ዝድለ ምዃኑን' ተዛሪቡ።
"ኣብ ዝሓለፈ፡ ብዕሊ እውን 'ናብታ መረጻ እንተኣቲኹም ክትቅጥቀጡ ኢኹም' ዝብል ሓሊፉ እዩ። ዝረኣያ ምንቅስቓሳት ግን ኣለዋ እየን። ካብ ፌደራል'ውን እኒሄ። ወሰና ወሰን'ውን እኒሄ" ኢሉ እቲ መራሒ።
ኣብ'ዚ ጉዳይ ድማ፡ 'ብውህደት ይሰርሕ ኣለዉ' ንዝበሎም ሓይልታት ከሲሱ እዩ።
"ሻዕብያ ኣሎ። ብልጽግና ኣሎ። ባንዳታት ንብሎም ኣለዉ" ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







