ምርጫ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ክልላዊ ምርጫን

ምርጫ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ኣኣብ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ዝካየድ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ግዜ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ። ሻድሻይ ከኣ ኣብዚ "ናይ ለውጢ መንግስቲ" መጺኡ ዝበሃለሉ እዋን'ዩ ክካየድ ነይርዎ።

ኣብቲ ዝጥቀስ ዘሎ ለውጢ ግን እቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ጥምረት ኣርባዕተ ውድባት ኢህወዴግ (ህወሓት፣ ኦዴፓ፣ ኣዴፓን ደኢህዴንን) ፈሪሱ፡ ንህወሓት ገዲፍካ እቶም ሰለስተ ናብ ሓደ ውሁድ ፓርቲ "ብልጽግና" ተሰጋጊሮም።

ነቲ ውህደት ዘይተቐበለ መስራቲ እቲ ግንባር ህወሓት ግን ንበይኑ ቐጺሉ ኣሎ።

ህወሓት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ተቓወምቲ (ተፎኻኸርቲ) ውድባት እውን "ምርጫማ ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ" ኢለን።

"ሓጺሩኒ እንተበልኩስ. . ."

ሃገራዊ ቦር ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ምርጫ ኣብ እዋኑ ከካይዶ ከምዘይኽእል ብምግላጽ ምስ ውድባት ፖለቲካ ዘተ ከካይድ'ዩ ወሲኑ።

ብመሰረት ውሳንኡ ድማ "መኣዝ ይካየድ?" ኣብ ዝብል ዘትዩ።

መርገጺ ዝበዝሑ ተቓወምቲ ውድባት እቲ ምርጫ ፈጺሙ ካብ ወርሒ መስከረም ክሰግር ድልየት ከምዘይብሎም'ዮም ገሊጾም።

ነዚ ከም ምኽንያት ዘቐመጥዎ ከኣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲን ገዛኢ ውድብን ዕድመ ስልጣኖም ኣብቲ ወርሒ ስለዝውዳእ እዩ።

ነዚ ቅቡል ዝገበረ ምርጫ ቦርድ ን10 ነሓሰ 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሐ።

ክሳብ እቲ ዕለት ዝፍጸሙ ዝበሎም ንጥፈታት ድማ ብሰሌዳ ግዜ ኣዳልዩ ኣቕረበ።

ኣብዚ'ውን ግን ተቓውሞ ምልዓሉ ኣይተረፈን።

"እዋን ክረምቲ ስለዝኾነ ብፍላይ ሓረስቶት ካብ ስርሖም ከብኩሩ ዝገብርን ዝናብ ስለ ዝህሉ ድማ መረጽቲ ናብ ኑቕጣታት ንምምጻእ ዝጽገሙሉን ክኸውን'ዩ" ዝብል ስክፍታታት ቀሪቡ።

ንኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ብምውካል ኣብቲ ቦርድ ምርጫ ዘዳለዎ መድረኽ ዝተሳተፈ ኣይተ ሙላቱ ገመቹ ግን "ሰነን ሓምለን ሓረስቶት ብጻዕቒ ስራሕ ዝፍተኑሉ እዋን እዩ፤ ስለዚ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምክያዱ ትኽክለኛ ውሳነ እዩ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ዝወጽአ ግዜ ሰሌዳ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ምክያድ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ግን ሓደ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ዓለማዊ ክስተት አጋጢሙ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከቢድ ስግኣት ዓለም ኮይኑ ብምምጽኡ ብዙሓት ነገራት ክቀያየሩ ጀሚሮም'ዮም። ካብዚኦም እቲ ሓደ ከኣ እቲ ካብ ግንቦት ናብ ነሓሰ ክሰጋገር ዝተወሰነ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ እዩ።

እቲ ን10 ነሓሰ ምርጫ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ ዝነበረ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ መሊሱ ብውሳንኡ ክቕጽል ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።

እቲ ጉዳይ ድማ ናብ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ተመሪሑ።

እቲ ለበዳ ክሳብ ስግኣት ኮይኑ ዝቐጸለ ነቲ ምርጫ ምክያድ ከምዘይከኣል ዝሓበረ እቲ ፌደሬሽን ብወገኑ እቲ ለበዳ 'ስግኣት ምዃኑ ምስኣብቀዐ' ካብ 9 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ምርጫ ክካየድ ውሳንኡ ኣፍሊጡ።

በዚ ድማ ዕምሪ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ባይቶታትን ክናዋሕ ተገይሩ።

ነዚ ውሳን ዝተቓወሙ ኣካላት ብዙሓት እዮም።

ካብ ብቐደሙ "ሃገራዊ ምርጫ ኣብ እዋኑ ከይካየድ ስለዝደለዩን ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ስለዝሓሰቡን" ንኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር መንግስቲ ብፍላይ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ከናውሖ ከምዝወሰነ ዝገልጹ ቅርታታት ተሰሚዖም።

ውሳነ ትግራይ?

ካብ ጽባሕ ውህደት ውድባት ኢህወዴግ፡ ምስ ብልጽግና ዘይተሳነየ ህወሓት ብዙሓት ቅርታትት ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ምርጫ "ሃገራዊ ምርጫ ዘይካየድ እንተኾይኑ፤ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ክተካይድ'ያ" አብ ዝብል ውሳነ'ዩ በጺሑ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ናብ ነሓሰ እንትሰግር ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት "ክልላዊ ምርጫ ክነካየድ ኢና" ዝብል መርገጺኡ ወግዓዊ ገይሩ።

እቲ ናይ ነሓሰ'ውን ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 መሊሱ ከም ዝናዋሕ ብቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ውሳነ ኣብ ዝተወሃበሉ እዋን ከኣ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ "6ይ ሃገራዊ ክልላዊ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ፤ ትግራይ'ውን ክልላዊ ምርጫ ክተካይድ'ያ" ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ።

ድሕሪ'ዚ ድማ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር መረጻ ከፈጽምን ምድላዋት ክገብርን ብባይቶ ክልል ትግራይ ሕቶ ቀሪብሉ።

እቲ ቦርድ መረጻ ግን፡ ነዚ ናይ ትግራይ ሕቶ ነጺግዎ ኣሎ።

ጉዳይ ሃገራዊ ምርጫ 2012፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ብልጽግናን ዝተፈጠረ ሓጓፍ ብዝያዳ ክገፍሕ ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ፈታኒ ምዕራፍ ክኸውን ኪኢሉ እዩ።

ብፍላይ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ ምስ ትግራይ ዘራኽብ ድልድል፡ እናጽበቦ ከምዝኸደ ብዙሓት ይገልጹ።

ውድባት ትግራይን ክልላዊ ምርጫን

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፓርቲ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ኣይተ ክንፈ ሓድሽ ነቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ዝወሰንዎ 'ምርጫ ክካየድ እዩ' ዝብል ውሳነ ብኣወንታ ተቐቢሎም ከምዝደገፍዎ ይዛረብ።

"ብርግጽ ቅድም ክብል እውን ዝንጉስጉሰሉ ዝነበረ ጉዳይ እዩ። ንሕና ኣቐዲምና ኢና ነዚ መርገጺ ሒዝና። መንግስቲ ፌደራል ከድሐርሕር ከሎ፤ ቦርድ ምርጫ'ውን ከካይድ ከምዘይክእል ምስገለጸን ብባይቶ ፌደሬሽን ውሳነ ምስተወሰነን ኣብ ትግራይ ምርጫ ክካየድ ከምዘለዎ ኢና መርገጺ ሒዝና" ይብል።

ባይቶ ክልል ትግራይ ምርጫ ንኽካየድ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን፡ ነቲ ምርጫ ዘድልይ እኹል ቅድመ ምድላው ብኣጋ ንኽጅመር ዝጽውዕ መግለጺ ከምዝዘርግሑ'ውን ክንፈ ይዝክር።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይሉ ግን ውድቡ ነቲ ውሳነ ከምዘይተቐበሎ እዩ ዝገልጽ።

"ንሕና ቀደሙ'ውን ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ዝኾነ ምርጫ ተኻይዱ ይፈልጥ'ዩ ኢልና ኣይንኣምንን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ትግራይ ኮነት ኢትዮጵያ ምርጫ ንምክያድ ድልዋት ከምዘይኮና ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና" ይብል።

ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ከምዝናዋሕ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን ብወገን ትግራይ "ክልላዊ ምርጫ ክነካየድ ኢና" ዝብል ውሳነ ክስማዕ ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡ "ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ምርጫ ንምክያድ ብምሕሳብ" ከምዝኾነ ኣይተ ሙሉብርሃን ይዛረብ።

"ምርጫ እንተኾይኑ ሓቀኛን ዴሞክራሲያውን ብዝኾነ መገዲ ክካየድ ኣለዎ እምበር ስቕ ኢልካ ብስምምዕ ዝፍጸም ኣይኮነን ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት) ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ነጺልካ ሃገር ምምስራት እንተዘይተኻኢሉ ብሄራዊ ረብሓታትን ክብረታትን ህዝቢ ትግራይ ክረጋግጽ ከምዘይከኣል ዝሙጉት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሸ ፖለቲካዊ ፓርቲ እዩ።

ስለዚ ዕላምኡን ራኢኡን ናጻን ልኡላዊትን ዝኾነት ሃገረ ትግራይ ምምስራት እዩ።

እዚ ፓርቲ ከምዝብሎ ብመሰረት ውሳነ ባይቶ ትግራይ፡ ክልላዊ ምርጫ ክካየድ ምግባር ማለት፡ ሓደ ካብቶም ናጽነት ትግራይን ህዝባን ዝረጋገጸሎም መገዲታት እዩ።

እቲ ውድብ ኣብዚ ወርሒ [ሰነ 2012 ኣ.ኢ] ኣብ ዘካየዶ መስራቲ ጉባኤ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ንመሰል ዓርሰ-ውሳነ ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘእትው ተርእዮታት ከምዘጋጠሙ ብምሕባር "ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምርጫ 2012 ብእዋኑ ንኽካየድ ዝሓዞ መርገጺ ቅኑዕን ሕገ-መንግስታውን'ዩ" ክብል ኣፍሊጡ እዩ።

እቲ ውሳነ ንቐጻልነት ስርዓተ-መንግስቲ ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ብምሕባር ከኣ ኣብ እዋኑ ንኽካየድ ምሉእ ቅድመ ምድላው ንክጅመር ሽዑ አብ ዘውጽኦ መግለጺ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኮቪድ-19 ምርጫ ንዘይምክያድ ከም ፈተና

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት እቲ ውድብ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ "ኮሮናቫይረስ ሃገራዊ ምርጫ ንኸይካየድ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን" እዩ ዝብል።

ነዚ ክብል ዝኸኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ቅድሚ እቲ ለበዳ ምምጽኡ'ውን ነቲ ሃገራውን ክልላውን ምርጫ ንዘይምክያድ ድልየት ከምዘሎ ዘርእዩ ዝተፈላለዩ ተርእዮታት ነይሮም ይብል።

"እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ናብቲ ክካየደሉ ዘመችው ኩነታት ዘይብሉ ወርሒ ነሓሰ ክሰጋገር ምግባር፡ መንግስቲ ምርጫ ንዘይምክያድ ዝነበሮ ድልየት ዘርእይ ሓደ ምልክት እዩ። ስለዚ ንኮሮናቫይረስ ከም ካልእ ዕድል'ዩ ተጠቒሙሉ" ይብል።

መንግስትን ህዝብን ትግራይ ነቲ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ዝወሰድዎም ስጉምትታት ከምዘለዉን ውጽኢታውያን ከምዝኾኑን ዝሓበረ ኣይተ መሓሪ፡ "ኣብ ክልልና ዘሎ ዝርግሐን ዘብጽሖ ሓደጋን ብዙሕ ኣይኮነን። በዚ ከምዝቕጽል እውን ንኣምን" ክብል እቲ ለበዳ ምርጫ ንዘይምክያድ ከም ምኽንያት ክመጽእ ከምዘይብሉ ይገልጽ።

እቲ ምርጫ ኣብዚ እዋን ለበዳ ንምክያድ ዘኽእሉ ብዙሓት ኣማራጺታት ከምዘለዉ ዝዛረብ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሳወት ክንፈ "ነቲ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ክመርሖ ዝግባእ እቲ ክልላዊ መንግስቲ'ኳ እንተኾነ ብወገንና ግን ብሰብ ሞያ ጥዕናን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝወሃቡ ማዕዳታት ብምፍጻም፣ ጎስጓስ መረጻ'ውን ብመራኸቢ ብዙሃንን ካልኦት ኣማራጺታትን ብምክያድ ምርጫ ምግባር ይከኣል'ዩ ዝብል እምነት ኣለና" ክብል የረድእ።

ወሲኹ ድማ "ዋላ'ኳ ከምቲ ኣብ ካልእ ጽቡቕ ዝበሃል እዋን ኮይንካ ዝካየድ ምርጫ እንተዘይኮነ ብዘይመንግስቲ ካብ ምትራፍ ግድን ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘካየዳ ካልኦት ሃገራት እውን ስለዘለዋ ናታተን ተሞክሮ ምውሳድ ይከኣል'ዩ" ክብል ይዛረብ ኣይተ ክንፈ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ትዴፓ ኣይተ ሙሉብርሃን ግን "ኣይኮነን'ዶ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተወሲኽዎ ቀደሙ'ውን ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን ምርጫ ዘይነበራ ኢትዮጵያ ንናይ 2012 ሃገራዊ ምርጫ ድልውቲ ኣይኮነትን። ውሕስነት ህዝቢ እዩ ክቐድም ዘለዎ" ክብል ይዛረብ።

"ኣብ ትግራይ እውን ህወሓት ምርጫ ከካይደሉ ዝኽእል ናይ ሕጊ ኣገባብ የብሉን። ምኽንያቱ ኣቐዲምካ ክፍጸሙ ዝግብኦም ሰፋሕቲ ዕዮ ገዛ ኣለዉ" ይብል።

ንሶም፡ ምርጫ ናይ ምድላውን ምፍጻምን ሓላፍነት ዝተወሃቦ ሃገራዊ ቦርድ ስለዘሎ ብዘይኣፍልጥኡ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ሕጋውነት ከምዘይብሎም ይገልጽ።

ዓቕሚን ድልውነትን ፓርትታት ንክልላዊ ምርጫ?

ውድቦም ክሳብ ቀረባ እዋን ንውሳነ መንግስቲ ትግራይ ክጽበይ ምጽንሑ ዝሕብር ክንፈ "ካብቲ ክልላዊ ምርጫ ከምዝካየድ ዝተወሰነሉ እዋን ጀሚርና ግን ብቑዓት ተወዳደርቲ ዝገብረና ምድላው ክንገብር ጀሚርናለና። ብርግጽ እቲ ግዜ ሓጺር ብምዃኑ እኹል ዝበሃል ምድላው ዘይክንገብር ንኽእል ኢና" ክብል ንንጥፈታቶም ይገልጽ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ፖሊሲታቶምን ሓሳባቶምን ኣነጺሮም ከምዘለዉ ዝተዛረበ ክንፈ፡ ናይ ምርጫ ምልክትን ጭርሖታትን አብ ምድላው ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ተወኪሎም ዝወዳደሩ ሕጹያት ኣብ ምምልማል ከምዘለዉ የረድእ።

መንግስትን ህዝብን ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንዝገብረዎ ጻዕሪ እናደገፍካ፡ እቲ ክልላዊ ምርጫ ክካየድ ዝከኣሎም ከምዝገብሩ ኣብ መድረኽ መስራቲ ጉባኤ ውድቡ ዝተዛረበ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሳወት ኣይተ ተስፋኪሮስ ኣረፈ "ከምዚ ዝበሉ ባህርያዊ ሓደጋን ፖለቲካዊ ሽርሕታትን ሰጊርካ ምሕላፍ ኣገዳሲ እዩ" ክብል ኣብ ክልላዊ ምርጫ ዘለዎም ድልውነት ገሊጹ ነይሩ።

ትዴፓ ኣብ ክልላዊ ምርጫ ናይ ምስታፍ ድልየትን ውሳነን ከምዘይብሉ ዝዛረብ ኣይተ ሙሉ ብርሃን ብወገኑ፡ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኸምዚ ዓይነት ኩነታት [ምርጫ ንኸይካየድ ስግኣታት ንዝኾኑ ክስተታት] ብንጹር ዘቐመጦ ኣንፈት ዘይምህላዉ ከም ክፍተት ብምቕማጥ፡ ባይቶ ፌደሬሸን ነዚ ክፍተት ንምምላእ ናይ ሕጊ ትርጓመ ሂቡ እቲ ምርጫ ክናዋሕ ብምውሳኑ ውድቦም ተቓውሞ ከምዘይብሉ ይገልጹ።

"ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ድራማ ምርጫ ንምስታፍ ድልዋት ኣይኮንናን። ኣብ ትግራይ ተወዳዳሪ ኮይንኻ ንምቕራብ እትኽእለሉ ምችው ባይታ'ውን የለን። ቅድሚ ምርጫ ክንዘራረበሎምን ክንረዳድኣሎምን ዝግባእ ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ" ኢሉ።

ገዛኢ ውድብ ህወሓት ከም ፈተና

ትግራይ በይና ተፈልያ ክልላዊ ምርጫ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ሎሚ ንፈለማ እዋን'ዩ ክኸውን።

ብርግጽ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ እዋናት ሃገራዊ ምርጫ ብኣተሓባባርነት ሃገራዊ ቦርድ ብደረጃ ክልላት'ውን ምርጫ እናተኻየደ ምምጽኡ ዝፍለጥ'ዩ።

እቲ ናይ ሎሚ ዝፍለየሉ ምኽንያት ግን፡ ኣብታ ሃገር ኮይኑ ብዘይፈልጥ መገዲ፡ ሓንቲ ክልል ብናይ ባዕላ ውሳነ ክልላዊ ምርጫ ክተካየድ ምውሳና እዩ።

ገዛኢ ፓርቲ ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን ነቲ ምርጫ እኹል ምድላው ከምዝግበር እናገለጹ ይርከቡ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣይተ ሙሉብርሃን፡ ተቓወምቲ ፓርቲታት ኣብ ትግራይ ቤት ጽሕፈት ንምኽፋት ገዛ ክራይ ክረኽቡ ኣብ ዝጽገሙሉ ጭቡጥ ኩነታት ኮይንካ ብደረጃ ክልል ፍትሓዊ ምርጫ ክካየድ እዩ ምባል ከምዘይከኣል ይገልጽ።

"ምርጫ ክነካይድ ኢና ካብ ምባል ብዝሰገረ ዝገበርዎ ዋላ ሓደ ምድላው የለን። ስለዚ ህወሓት ንበይኑ ክወዳደር እዩ፤ በዓሉ ተዓዛቢ፣ ተመራጺን ዳኛን ክኸውን። ብድሕሪኡ 'ተዓዊተለኹ' ኢሉ ክእውጅ እዩ ዝሓሰብ" ብምባል ንኻልኦት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ውድባት ፍትሓዊ መወዳደሪ ባይታ ከምዘይህሉ ይገልጽ።

ኣይተ ክንፈ ካብ ሳወት ብወገኑ "እቲ ገዛኢ ውድብ ንዘመናት ሒዝዎ ዝመጽአ ባህርያት ኣብ ሓንቲ ለይቲ ከመሓይሾ እዩ ዝብል እምነት የብልናን። ኣብ ውሽጢ ውሱናት ኣዋርሕ'ውን ክቕየር'ዪ ኢልና ኣይንሓስብን" በሃላይ እዩ።

እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ንገለ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ፓርትታት ጸዊዕኻ ብዛዕባ እቲ ክልላዊ ምርጫ ዝምልከት መብርሂ ንምሃብ ዝተገበረ ፈተነ፡ ከም ጅማሮ ብኣወንታ ዝረኣይ ምዃኑ ይገልጽ።

ወሲኹ ድማ "መንግስቲ እቲ ምርጫ ፍትሓዊ ንክኸውን ዘኽእል ምችው ባይታ ክፈጥር ኢና ትጽቢት ንገብር" ክብል ይዛረብ።

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶክተር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ብደረጃ ክልል ክካየድ ዝተሓሰበ ምርጫ፡ ምስ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ከምዝዘተዩ ገሊጾም ነይሮም።