ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ክቕጽሉ ወሲኑ።
እቲ ውሳነ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ከብቅዕ ዘለዎ ስልጣን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘናውሕ'ዩ። መንግስታት ናይተን 9 ክልላት'ውን በቲ ውሳነ እብረ ስልጣኖም ክናዋሕ እዩ።
ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ትማል ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ነዚ ውሳነ'ዚ ከምዘሕለፈ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን።
ቀዋሚ ኮሚቴ ሕገ መንግስታዊ ትርጉምን ጉዳያት መንነትን፡ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ምስቲ ከዘራርብ ዝቐነየ ዛዕባ ምንዋሕ መረጻ ተዛሚዱ፡ ዝቐረበሉ 'ሕገ-መንግስታዊ ትርጓመ' ዝብል ናይ ውሳነ ሓሳብ ምስ መርመረ እዩ ነዚ ውሳነ ከም ዘሕለፈ ዝዝረብ ዘሎ።
ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ብደረጃ ሃገር ኮነ ክልላት ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ባይቶታት ስርሖም ክቕጽሉ ኣለዎም እዩ ዝብል እቲ ውሳነ።
እዚ ውሳኔ፡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ብፍቓዳ ካብ ሓላፍነታ ምስተኣለየት'ዩ ሓሊፉ።
እቲ ፈደሬሺን ንኬርያ ሓሰን ንተወካሊ ባይቶ ክልል ሶማል ኣደም ፋራሕ ኣፈ ጉባኤ እቲ ፈደሬሺን ንኪኸውን መሪጹዎ'ሎ።
ንምንዋሕ እቲ መረጻ ብዝምልከት፡ ኣብ ሞንጎ ገሊኦም ተቓወምቲ ውድባትን ውድብ ብልጽግናን ምፍሕፋሕ ቀንዩ እዩ።
ብፍላይ ህወሓት፡ ክልል ትግራይ ንኮቪድ እናተኸላኸልና ምርጫ ከነካይድ ኢና ብዝብል ሓሳብ ነቲ ናይ ምንዋሕ መደብ ክቃወሞ ጸኒሑ እዩ።
ኣባል ፈጻሚት ኮሚተ'ቲ ውድብ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ከኣ ቅድሚ ክልተ መዓልታት እቲ ውሳነ ብገዛእ ፍቓዳ ካብ መዝነት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣፈ-ጉባኤነታ ብፍቓዳ ለቒቓ።
ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ኣኼብኡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኮነ ኪኢላታት ጥዕና ኢትዮጵያ ደጊም ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ኣይኮነን ካብ ዝተባህለሉ እዋን ካብ ትሽዓተ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ንዝብል ሓሳብ ይዝትየሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ህወሓት ብወገኑ፡ ንሃቐነን ውሳነን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብምቅዋም፡ ኣብቲ ንሱ ዘመሓድሮ ክልል ብመሰረት ሕገ መንስቲ ዘውጽኦ ናይ ግዜ ሰሌዳ፡ መረጻ ከካይድ ምዃኑ ክገልጽ ምጽንሑ ይዝከር።
ኣብዚ ሳልስቲ እውን መንግስቲ ክልል ትግራይ 'ኢትዮጵያ ንከይትፈርስን ብኩናት ሓድሕድ ንከይትሕመስን' ዝምልከቶም ዓለማዊ ትካላት፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ተርኦም ክጻወቶ ምሕጽንተኦም ኣቕሪቦም ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







