'መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ዕርክነት ኣብዪን ኢሳይያስን ኮይኑ ተሪፉ' ሜ/ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት

ሜ/ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት

ምንጪ ስእሊ, arts Tv

መግለጺ ስእሊ, ሜ/ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት

ሜ/ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ ንእስነቱ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ 1968 ዓ/ም፡ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ትግራይ ዝተጋደለ እዩ። ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘገልገለ ኮይኑ፡ ካብ 1987 ጀሚሩ፡ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነይሩ። ኣብ 1993፡ ብጡሮታ ተሰናቢቱ።

ጀነራል ኣበበ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጣታት፡ መጽሄታትን ብዘቕርቦም ፖለቲካዊ ትንታነታት ይፍለጥ። 'የኢትዮጵያ ፖለቲካ ከየት ወዴት' ዝብል መጽሓፍ'ውን ጽሒፉ እዩ። ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣዘራሪብዎ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቆላሕታ ኣብ ዝረኸበሉ ኩነታት ኢና እንርከብ፡ ከም ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ዝከታተል ሰብ፡ ጉዳይ ሕገ መንግስቲ ቀንዲ ዛዕባ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ?

ጀነራል ኣበበ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዓብዪ ሕገ-መንግስታዊ ቅልውላው ስለንርከብ እዩ።

እቲ ሕገ መንግስቲ በቢ ሓሙሽተ ዓመት ህዝቢ ክመርጽ ኣለዎ ኢሉ እዩ ዘቐምጥ፡፡

እዚ ሉእላዊ መሰል እዩ፡ እዚ መሰል ይከበርዶ ኣይከበር ዝብል ሕቶ መጺኡ ኣሎ፡፡ ብዛዕባ'ዚ፡ ወላ እቶም ሕገ መንግስቲ ዘይድግፉ ዝነበሩ እዮም፡ ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይሮም ክትንትኑ ዝፍትኑ ዘለዉ፡፡

ኣብ ውሽጢ እቲ ቅልውላው ዘሎ ሓደ ዓብዪ ዕድል ጌርካ ክውሰድ ዘለዎ እዩ ዝመስለኒ፡፡

ቢቢሲ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ምስ ምጽሄት ውራይና ኣብ ዝነበረካ ጻንሒት፡ በቲ ለውጢ ሕጉስ ምንባርካን መጻኢ ናይታ ሃገር ብሩህ ከምዝኸውንን ገሊጽካ ኔርካ፡፡

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ድማ፡ ኣብ ዓይጋ ፎረም "ንምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሎ ድዩ?" ክሳብ እትብለሉ ደረጃ ከምዝበጻሕካ ገሊጽካ። ምሕደራ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ከመይ ኢኻ ገምጊምካዮ? ብሩህ ኮይኑ ዲኻ ረኺብካዮ?

ጀነራል ኣበበ፡ ኣነ ንዶ/ር ኣብዪ ደጊፈ እየ። ዝደገፍኩሉ ግን ንዶ/ር ኣብዪ ስለዝፈልጦ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ሓይሊ ሚዛን ለውጢ መጺኡ እዩ፡፡

ማእከሉ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ከይዱ። እዚ፡ ክንቅበሎ ዘለና እዩ። ካልኣይ፡ ኣነ ናይ'ዚ ሕገ መንግስቲ ኣማኒ እየ። መሰረታዊ ጥንካረ ዘለዎ ሕገ መንግስቲ እዩ ኢለ እየ ዝወስድ።

ብመንጽር ሕገ መንግስቲ ከኣ፡ እቶም ዋና ነጠፍቲ ዝነበሩ ዳርጋ ኩሎም ልሂቃን ናይ ኦሮሞ፡ ይድግፍዎ እዮም ነይሮም፡፡ ሕዚ'ውን፡ ብዘይካ እዞም ኣብ ብልጽግና ተኣኻኺቦም ዘለዉ፡ መብዛሕተኦም ናይ ኦሮሞ ልሂቃን ነቲ ሕገ መንግስቲ ይድግፍዎ እዮም።

ስለዚ፡ ስትራተጂካሊ ክረአ እንተሎ፡ ንዶ/ር ኣብዪ ዘይኮነ ኣነ ዝደገፍኩ፡ ነቲ ሕገ መንግስቲ ዝድግፉ ስትራተጂክ ሓይሊታት ንዘምጽእዎ ሰብ እዩ፡፡

መጀመርያ ኣብ ወርሒ ጉንበት ዝጸሓፍኩዋ፡ ሕገ መንግስቲ ክሳብ ዘኽበርካ ክንድግፈካ ኢና፡፡ ሕገ መንግስቲ እዩ ኣምጺኡካ፡ ስለዚ እቲ ጀሚርካዮ ዘለኻ ነገር ጽቡቕ እዩ፡፡ ግን፡ እናነቐፍና 'ውን እንተኾነ ንድግፈካ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ክሳብ ዘኽበርካ እዩ፡ እያ እትብል እታ መጀመርያ ዝጸሓፍኩዋ።

ሕገ መንግስቲ ክጠሓስ ከሎ ድማ፡ ዳርጋ እዛ ኣብ ኣሜሪካ ናይ 27 ዓመት ጸልማት ነይሩ ምባል ክጅምር ከሎ እየ ምንቃፍ ጀሚረ፡፡

ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታ ሃገር ከሳግራ ይኽእል ዝብል ተስፋ እዩ ነይሩካ። እቶም ዝሓለፉ ዓመታት ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ዝተፈናቐሉሉ፡ ኣምነስቲ እውን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ከሲሱ'ሎ። ሕዚ'ውን ነታ ሃገር ከሳግረሉ ኣብ ዝኽእል ኩነታት ድዩ ዘሎ?

"እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ድዩ ዘሎ? ክሳብ ዝብል በጺሐ" ዝበልካዮኸ እንታይ ማለትካ እዩ?

ጀነራል ኣበበ፡ ከምቲ መጀመርታ ዝገልጽክዎ ዶ/ር ኣብዪ ስለዝፈልጦም ኣይኮንኩን፡ ጠቕላላ ካብ ናይ ስተራተጂስት ሓይሊታት ኣሰላልፋ ተበጊሰ፡ ህዝቢ ኦሮሞ እዩ ማእኸል ናይቲ ቃልሲ ነይሩ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ኣምጺእዎ ኣሎ። ንቀበል እምበር፡ ኣብዪ ኣሕመድ ዝበሃል ሰብ ከም ሰብ እውን እየ ዘይፈልጦ ነይረ ቅድሚ ናይ ኢህወዴግ ኣቦ ወምበር ምዃኑ። ስለ'ዚ፡ ብውልቀ ኣይንርአዮ፡ ሓደ መራሒ ካብቲ ፖለቲካል ስትራክቸር ወጻኢ ክረአ ኣይኽእልን።

ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ሕገ መንግስቲ ከኽብር እዩ ዝብል እምነት ነይሩኒ፡፡ ካብ ናይ ኦሮሞ ልሂቅ እዩ መጺኡ ናይ ኦሮሞ ልሂቅ ካዓ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንነጸል ዝብል ገዲፉ፡ በዚ ሕገ መንግስቲ ኣቢልና መሰልና ክነኽብር ንኽእል ኢና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለና ቦታ ክንሕዝ ኢና፡ ምባል ዝጀመረ ኣካል እዩ፡፡

ብልጭ ዝበለ ናይ ለውጢ [ጅማሮታት] ነይሩ፡ ግን ብልጭ ኢሉ ዝጠፍአ ኮይኑ። ደረጃ ብደረጃ፡ እቲ መጀመርያ ዝህቦ ዝነበረ ተስፋታት፡ ተስፋ ጥራሕ እናኾነ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ምጥሓስ ይረአ እዩ፡፡

ካብቲ እኒ ጀነራል ክንፈ ክእሰሩ ከለዉ ጀሚሩ፡ ኣብኡ ሕገ መንግስቲ ተጣሒሱ እዩ። ተሓታቲ ክኸውን ዝነበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር [ሃይለማርያም ደሳለኝ] እንከይተሓተተ እዮም [ንሶም ተኣሲሮም]፡፡

ቢቢሲ፡ ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝተኣሰረሉ መገዲ ከመይሉ ኢ- ሕገመንግስታዊ ክኾን ክኢሉ?

ጀነራል ኣበበ፡ ናይ መጀመሪያ እቲ ዶክሜንተሪ ፊልሚ እዩ፡ እቲ ዶክሜንተሪ፡ መሰረታዊ ናይ ሕጊ ጥሕሰት ኣለዎ፡፡ ናይ ቴሌቪዥን ፍርዲ እዩ፡፡ ናይ ቴሌቪዥን ፍርዲ ድማ፡ ብሕገ መንግስትና ክልኩል እዩ።

ሕገ መንግስትና ንጥርጡር ገበነኛ ኣይገብርን፡፡

ካልኣይ ኢህወዴግ ዘጥፈኦ ጥፍኣት፡ ናይ ኩሎም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ ጥፍኣት እዩ። ልክዕ እቲ ዘምጽእዎ ልምዓት ናይ ኩሎም ከምዝኾነ፡፡ ስለዚ፡ ንኣብነት ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት፡ ቀጥታ ተጸዋዕነቱ፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር እናሃለወ፡ [ንሱ ከይተሓተተ] ጀነራል ክንፈ ምሕታቱ ሓደ መሰረታዊ ጸገም እዩ፡፡

ሽዑ ዝነበረ ቦርድ ከይተሓተተ ኣካያዲ ስራሕ ይሕተት። ቀዳማይ ሚኒስተር ከይተሓተተ ትሕቲኡ ዘሎ ይሕተት። እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰል 'ውን ከምኡ እዩ። ንኦነግ ኣሸባሪ እዩ ዝበለ ፓርላማ ከይተሓተተ፡ ኣሸበርቲ ንምድኻም ዝንቀሳቐስ ምእሳር ጌጋ እዩ፡፡

ቢቢሲ፡ ሐዚ'ውን ቅድም ክብል ኣብቲ ናይ ለውጢ እዋን ሰላማዊ ስግግር ከምዝተገበረ ገሊጽካ ኔርካ። ካብ መን ናብ መን እዩ እቲ ስግግር ተኻይዱ?

ጀነራል ኣበበ፡ እታ ሃገር ናብ ሓደጋ ትኸደሉ ኩነታት እዩ ነይሩ፡፡ ንዶክተር ኣብዪ መን ምዃኑ እንተይፈለጥኩ እውን ንዕኡ ምረጽዎ እየ ኢለ ነይረ። ንኦሮሞ እዩ ዝምረጽ ዘሎ ማለት እዩ፡፡

ንኣብነት ዶ/ር ኣብዪ እንተዘይምረጽ እንታይ ምኾነ ነይሩ እንተይልና፡ ናይ ሽዑ ዝተዛረብዎን ዝጸሓኩዎን ክነግረካ። ቄሮ ኣዲስ ኣበባ እንተወሪሮምዋ እንታይ ማለት እዩ? መንግስቲ ዘይብላ ዓዲ ማእከል ዘይብላ ዓዲ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዋ ማለት እዩ።

ኣብ ዘበናዊ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ኦሮሞ እየ ዝብል፡ መራሒ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡፡ ብበዝሒ ንሶም ይበዝሑ፡ ግን እቲ ዕድል ኣይረኸቡን፡ ፍትሓዊ ኣይኮነን።

ስለዚ ዶ/ር ኣብዪ ጥዑይ ድዩ ኣይኮነን ዘይኮነስ፡ ናይ ሓይሊታት ኣሰላልፋ እንተርኢኻ፡ ናይ ህዝቢ መሰል እንተርኢኻ፡ ኦሮሞ ኣምጺኡዎም ኣሎ ብሰላም ካኣ ተሸጋጊሮም።

ብሰላም እንተዘይሰጋገር፡ ናብ ዝገደደ ዕንክሊል ክንኣቱ ኔርና ኢና። 2007 ዓም ምኢቲ ፐርሰንት ስዒርና ኢሎም [መረጻ]። 2008 ዓመጽ ተላዒሉ። እናተጓሃሃረ ከኣ ከይዱ። እቲ ክኾን ዝተጸበናዮ ለውጢ ኣይመጸን፡ ንዝተወሰነ እዋን ግን፡ ኣዝሒልዎ እዩ።

ዶ/ር ኣብዪ ግን፡ ካብቲ ዝወጽሉ ህዝቢ ኦሮሞ እውን እናተነጸሉ ምኻድ እዮም ዘርእዩ ዘለዉ። ናይ ብሄር ብሄረሰባት መሰል ናይ ምጥሓስ ኣንፈት'ውን ይረአ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ዝነበረ መሪሕነት ዶ/ር ደብረጽዮን ከመይ ርእይኻዮ?

ጀነራል ኣበበ፡ ብጠቕላላ እንትረአ እንተሎ፡ በዚ'ውን ናይ ገስጋሳይ መራሒ ገይረ ይወስዶ። ቅንዕና፥ ቀትርን ለይትን ሰሪሕኻ ንህዝቢ ንምልዋጥ ዘለዎ ድልየታት'ውን ጽቡቕ ይመስለኒ።

መራሒ ክትከውን እንተለኻ ግን ካብ ቅንዕና ንላዕሊ ክትከውን ኣለካ ማለት እዩ። ሐዚ ኣብ ህወሓት ይኹን ዋላ ኣብ ትግራይ፡ ክልተ ሓይሊ እዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ ክኸይድ ዝደሊ ሓይሊ፡ [እቲ ኻልእ ድማ] ብሕገ መንግስቲ እናመሓለ ናይ ባዕሉን ናይ ጉጅልኡን ጥቕሚ ከኽብር ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ድዩ?

ጀነራል ኣበበ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ'ውን። ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት 'ውን።

ሐዚ ኣብዛ ቃልሲ እዚኣ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ነዞም ገስገስቲ ሒዙ፡ ህዝቢ ትግራይ ሒዙ ይስዕርዶ፡ ወይስ ተሳዒሩ ተበሳቢሱ ይወጽእ ዝብል ሕቶታት ኣለኒ ሐዚ'ውን፡፡ ምኽንያቱ፡ እዚ ናይ ጥቕሚ ጉዳይ'ውን ናይ ህዝቢ ረብሓታት'ውን ዝምልከት እዩ፡፡

ዶ/ር ደብረጽዮን ብህዝቢ ደረጃ ጽቡቕ ተቐባልነት ኣለዎ፡ ካልኣይ በቲ ዝፈልጦ'ውን ቅንዕናን ሃርኮትኮትን ኣለዎ፡፡ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ግን ዝጉተት ዘሎ እዩ ዝመስለኒ፡፡

ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ውድብን መንግስትን ዘሎ ርክብ።

ፓርቲ ፓርቲ እዩ፡ መንግስቲ መንግስቲ እዩ፡፡ እቲ ፓርቲ ናይ መንግስቲ ቑርዲድ ክኾን የብሉን፡ ብናይ መንግስቲ ገንዘብ፥ ብናይ መንግስቲ ግዘ፥ ብናይ መንግስቲ ኩሉ ነገር፡ ክጥቀም የብሉን።

ካብ መጀመርያ ዝገረመኒ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ምስመጹ፡ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ [ሓላፊ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝነበሩ] ብቤት ጽሕፈት ህወሓት ተባሪሮም ተባሂሉ፡፡ ዳሓር ጸኒሖም ፖሊት ቢሮ እዩ ኣባሪርዎ ኢሎም፡ እንታይ የእትዮ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ? ኣጠቓላሊ ኣንፈት እዩ ዝህብ እምበር፡፡

እንታይ ክገብሩ እዮም ዶ/ር ደብረጽዮን ኢለ ተጸብየ ነይረ፡ ዝተገበረ ነገር ግን የለን። ሐዚ'ውን መረጻ ክካየድ እንድሕር ኮይኑ ፍትሓዊ መረጻ ክካየድ ኣለዎ።

ቢቢሲ፡ ውድብ ህወሓት ክልላዊ መረጻ ንምክያድ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ እዩ። እዚ ኩነታት ናብ ኲናት ከምርሕ ዝኽእልዶ ይመስለካ? ከመይ ትዕዘቦ?

ጀነራል ኣበበ፡ መረጻ ሎሚ'ውን ክካየድ ይኽእል ነይሩ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ብፍላይ እቲ ዳሓር ብልጽግና ዝገበርዎ ድራማ ክርኢ እንተለኹ ብጣዕሚ እዩ ገሪሙኒ፡ ግንቦት ክነካይድ ንኽእል ኔርና፡፡ እንታይ ደኣ? ናይ ቦርድ ሊቀ መንበር ክምረጽ ኣዋርሕ፡ ናይ ቦርድ ኣባላት ክምረጹ ኣዋርሕ፡ ከምዚ እናበለ እዩ እቲ ግዜ ጠፊኡ፡፡

ክንምረጽ ኢና ዝብል እምነት ኣይነበሮምን፡ ዳሓር ኮሮና ምስመጸ እውን ሳይንሳዊ ጽንዓት ተኻይዱ እዚ መረጻ ክካየድ ኣይኽእልን ዝብል የለን፡፡ ሕወስውስ ዝበለ ነገር እዩ።

ኮሮናቫይረስ እናሃለወ ምምራጽዶ ይሕሸና ወይስ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ'ውን ክለዓል ይኽእል እዩ፡፡ምኽንያቱ እቲ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ቕቡልነት ዘይብሉ መንግስቲ እዩ። እዚ ግን ዶ/ር ኣብዪ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡ ቅድሚኡ ኢህወዴግ እናሃለወ'ውን ዘይቅቡል እዩ።

ብ2007 ዓ/ም ቦርድ መረጻ ተመሪጽካ ኢኻ ኢሉዎ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኦሮሞ ኣምሓራን ከዓ ኣይመንግስትናን ኢሎምዎ እዮም።

ተቐባልነት ዘይብሉ መንግስቲ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ኮሮናቫይረስ ንምውጋእ'ውን ኣጸጋሚ እዩ ዝኾነና።

ኣነ ሐዚ ኮይነ ክሪኦ እንተለኹ ሓቆም እዮም ክፈርሑ፡፡ ኣብ ኦሮሞ ኣይምረጹ ኣብዝኾነ ክልል ኣይምረጹን። ሳይንሳዊ ዝኾነ ነገር መጺኡ ብኢትዮጵያ ድረጃ ኣይካየድን እኳ እንተተባህለ፡ ኣነ ትግራይ ምክያድ ዝኽእል እንተኾይኑ ሕገ መንግስታዊ መሰል እዩ።

ቢቢሲ፡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እንተዘይፈቒዱ ከመይ ኢሉ ኣብ ትግራይ መረጻ ክካየድ ይኽእል?

ጀነራል ኣበበ፡ መረጻ ኣብ ትግራይ እንተተኻይዱ፡ ነቲ ፌደራል መንግስቲ ይጎድእዶ? ንኣምሓራ፥ ንኦሮሞ ይጎድእዶ? ካብ ትግራይ ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ፡ ትምህርቲ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ስለዚ፡ ፌደራል 'ውን እንተኾነ፡ እዚ ምርጫ እዚ ፍትሓዊ ብዝኾነ ክካየድ እዩ ክድግፍ ዘለዎ፡ ዋላ ካልኦት ክልላት'ውን፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ፡ ካብቶም ካልኦት ዝፈልዮ ሓደ ነገር ኣሎ። ናይ 'ኮንሰንሰስ' ሕገ መንግስቲ እዩ።

'ኮንሰንሰስ ዲሞክራሲ' ዘለዎ ሕገ መንግስቲ እዩ። ካብኡ ድማ 'ድዋል ኮንስቲትዩሽን' ዝበሃል ኣስፊሑ ዘቐምጥ ሕገ መንግስቲ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ክልል ህዝቢ፡ ብሄር ብሄረሰባት መሰል ኣለዎም፡፡ እዚ መሰል እዚ፡ ብዝኾነ ኣዋጅ ዘይሰዓር እዩ።

መረጻ ቦርድ ናይ ምምችቻው ስራሕ እዩ ዘለዎ እምበር መሰል ዝህብ መሰል ዝኸልእ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ሲዳማ ሪፈረንደም ተኻይዱ።

ናይ ባዕልና ክልል ምስበሉ፡ እቲ ክልል ንቦርድ ጸዊዕዎ፡፡ እቶ ቦርድ ድማ ሪፈረንደም ኣካይዱ፡፡ስለዚ መሰል እዩ ዝቕድም፡ ቦርድ 'ፕሮሲጀር' እዩ ዘመቻቹ። ንመሰል 'ፕሮሲጀር' ኣይጥሕሶን፡፡ መሰል ክረጋገጽ እዩ ፕሮሲጀር ዝስራሕ። ስለዚ እቲ ቦርድ፡ ትግራይ ክንመርጽ ኢና እንትብል እንተሎ እምበኣር ፍትሓዊ፡ ሕጋዊ ክኸውን እንታይ ክንሕግዘኩም? እዩ ክብል ዘለዎ ፌደራል 'ውን።

ቢቢሲ፡ እዚ ዘይምርድዳእ ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእልዶ? ንስኻ'ኸ ከም መጠን ነበር ኣዛዚ፡ እቲ ሰራዊት እንታይ መርገጺ ክሕዝ ዘለዎ ይመስለካ?

ጀነራል ኣበበ፡ ኲናት ከጋጥም ይኽእልዶ ኣይኽእልን ዝብል ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ሕቶ እዩ። ግን ምፍርራሕ ዝበሃል ነገር'ውን ኣሎ። ኣፈራሪሕኻ ዝደለኻዮ ናይ ምግባር ነገር፡፡ ብዝኾነ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ንምስኳን ዝግበር ነገር፡ ልክዕ ከምቲ ደርጊ ዝወደቖ ዘውድቕ እዩ፡፡

ብርግጽ ሐዚ ኣብ ኦሮሞ ዘሎ ኩነታት ርእይኻ ፌደራል መንግስቲ ናብ ትግራይ ዝኾነ ናይ ኲናት ፈተነ እንተገይሩ 'ሱሳይዳል' (ዓርሰ ቕትለታዊ) እዩ ዝኸውን።

ከምቲ ስዬ ዝበሎ፡ ኲናት ኣብ ዝኾነ ክጅምር ይኽእል እዩ፡ ኣበይ ከምዝውዳእ ኣይፍለጥን ዝብል ነገር ጥልቕ ዝበለ ሓሳብ እዩ። ብሕገ መንግስቲ ዝተረጋገጸ መሰል ክነኽብር ኢና ስለዝበለ ናብ ኲናት ምድርዳር ደርግነት እዩ።

ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ስለዝኾነ፡ መከላኸሊ ይኹን ካሊእ ጸጥታ ሓይሊታት ካብዚ ኢዶም ክእክቡ ኣለዎም። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ኲናት ግበር እንተዝበሃል'ኳ እምቢ ክብል ይግበኦ፡፡ ካብ ሕገ መንግስቲ ተበጊሱ ማለት እዩ፡፡

ዝፍትን ኣይመስለንን፡ ትግራይ መረጻ እንትካየድ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ብልጽግና ኾይኑ ንህዝቢ ትግራይ ክወግእ ኣይኽእልን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን

ምንጪ ስእሊ, ሚኒስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ቢቢሲ፡ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝኸዶ ክያዶ ከመይ ትግምግሞ?

ጀነራል ኣበበ፡ ኣነ እቲ ኩነታት ይከታተሎ ነይረ እየ፡፡ መጀመርያ እቲ ሓሳብ ዘምጽእዎ ህወሓት እዮም፡፡ እዚ ሓሳብ እዚ መሰረት ገይሮም ነቲ ሓሳብ ምስተመይያየጡሉ፡ ኣብቲ መጀመርያ ድማ ጽቡቕ ናይ ምትግባር ከይዲ ተጀሚሩ፡፡

ጽቡቕ ዝመስል ነገር ነይሩ፡፡ ግን ሽዑ ከባቢ'ውን ከምዝጸሓፍኩዎ፡ ኩሉ ግዘ ሓደ ጸገም ዝኸውን፡ ኣብ ክልተ መራሕቲ ጥራሕ ወይ ኣብ ዝተወሰኑ ሰባት ይኸውን ዘሎ ስምምዕነት እዩ፡፡ እዚ ናይ ሕዚ ዘሎ ሕጽኖት (ሃኒሙን) ካልኣይ ሕጽኖት እየ ዝብሎ፡፡

እቲ ቀዳማይ ሕጽኖት ቅድሚ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝነበረ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሻዕብያን ዝነበረ ርክብ፡ እዚ ትካላዊ ኣይኮነን፡ ዝርዝር ዝኾነ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ኣይነበረን፡፡ ሎሚ ዝገደደ እዩ፡ ቀደምስኳ ብቑሩብ ኩሉ ዝፈልጦ ነይሩ፡፡

ሐዚ ክልተ ውልቀ ሰባት እዮም፡ ብምንታይ እዮም ተፈላልዮም? ብምንታይ እዮም ተሰማሚዖም? እተን ትካላት ከ ኣየነን እየን? መን እዩ ዝከታተለን ዘሎ ተግባራዊ ንምግባር ወዘተ ዝፍለጥ ነገር የለን።

እቲ ዋና ነገር ግን እንታይ እዩ ኾይኑ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ሰላም ከይዲ ምዃኑ ተሪፉ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ዕርክነት ኮይኑ፡፡

ኣብ ክልተ ሰባት ዝግበር ዕርክነት ድማ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ክፈርስ ይኽእል እዩ። እቲ ዕርክነት ድማ ክንዲ ንህዝቢ ዝጠቅም፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ተቓውሞ መፈራርሒ ኮይኑ። እቲ ዕርቂ ህዝቢታት ኤርትራ፥ ትግራይን ዓፋርን ኢትዮጵያን ከክንዲ ዝሓውስ፡ ንትግራይ እናዘለልካ ምኻድ ተራእዩ።

ኣብ ልዕሊኡ ከዓ፡ ብወገን ፕረዚደንት ኢሳይያስ 'ጌም ኦቨር' ብምባል ናይ ምጽልእላእ ነገር ተጀሚሩ፡፡ ስለዚ ውግእ እዩ ዘሎ ዝመስል፡ በቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንህወሓት፡ ናይ ዝሓለፈ ቂም ኣለዎ ከምበርክኾ ይደሊ ኣሎ።

እዚ ሕገ መንግስቲ እዚ ክፈርስ ይደሊ እዩ። በቲ ሓደ ገጽ ካዓ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ከም መፈራርሒ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ኣነ ሐዚ ዝርደኦ ንሱ እዩ። ዶብ'ውን ተዓጽዩ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ዘሎ ርክብ ጠንካራ ምዃኑ ምስረኣዩ ተደናጊጾም፡፡

እታ ዝነበረት ሕጽኖት እናቐሃመት ከይዳ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ምቹእ ኩነታት እንተተፈጢሩሎም ከመይ ክኾነ ከምዝኽእሉ ግን ኣርእዩና እዩ። እዚ ድማ ሓደ ኣወንታ እዩ፡፡ ብፍላይ ርክብ ኤርትራውያንን ተጋሩን ክንደየናይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣርእዩ እዩ። እዚ ከዓ ዘሐጉስ ነገር እዩ።