ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ናብ ዘይተፈለጠ እዋን ተናዊሑ

ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ናብ ዘይተፈለጠ እዋን ተናዊሑ

ምንጪ ስእሊ, NEBE

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ [መረጻ] ኢትዮጵያ ናብ ዘይተፈለጠ እዋን ተናዊሑ።

እቲ ምርጫ ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዘይተፈለጠ እዋን ከም ዝተናወሐ እቲ ቦርድ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫረስ ኣብቲ ቅድም ኢሉ ዝወጽአ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸገማት ብምግምጋም እቲ ምርጫ ክናዋሕ ከም ዝወሰነ'ዩ ኣፍሊጡ።

እቲ ምርጫ፡ በቲ ወጺኡ ዝነበረ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክኸይድ ከም ዘይክእል ብምርዳእ፡ ነቲ ዝወጽአ ዘሌዳ ብምስራዝ፡ ብመሰረት እቲ ሰሌዳ ክግብሩ ተተሊሞም ዝነበሩ ተግባራት ንግዜኡ ከም ዘወንዝፎም እውን ገሉጹ ኣሎ።

ስግኣት እዚ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫረስ ሃዲኡ ኩነታት ናብ ንቡር ምስ ተመለሰ ንኹነታት ብምግምጋም ሓዲሽ ናይ ምርጫ ሰሌዳ ብምንዳፍ ስርሑ ከም ዝጅምር እውን እቲ ሃገራዊ ቦርድ ገሊጹ።

ክሳብ ሽዕኡ ምድላዋቱ ኸጻፍፍን እቲ ዝካየድ ምርጫ ብዝግባእ ንኽካየድ ዝሕግዙ ተግባራት ከካይድ ከም ዝጸንሕ'ውን ሐቢሩ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስልጣኖም ቅድሚ ምብቅዑ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምርጫ ክካየድ ከም ዘይክኣል ብምግንዛብ፡ ምስዚ ተሳንዩ እቲ ቦርድ ምርጫ ዝገበሮ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ናብ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ከም ዝወሰነ እቲ ቦርድ ወሲኹ ሓቢሩ።