ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ "ቦርድ መረጻ ካብ ጸዋታ ወጸኢ ክገብረና ድልየት ኣለዎ" ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images and AP
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘጽደቖ ኣዋጅ መረጻ፡ ውድባት ፖለቲካ ክምዝገቡ እንተኾይኖም ፊርማ ናይ 10 ሽሕ መስረትቲ ኣባላት ከተኣኻኽቡ ዝጠልብ ዓንቀጽ ኣለዎ። ብዙሓት ግን ነዚ ዓንቀጽ ክቃወምዎ ይስማዕ።
ብመንጽር እዚ ዓንቀጽ፡ መስርሕ ምዝገባ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ከምኡ ድማ ኢትዮጵያ ሶሻል ዴሞክራት ፓርትን 'ኣበይ ብርኪ በጽሐ?' ክብል ቢቢሲ ንመሪሕነት እቶም ውድባት ኣዘራሪብዎም።
እቲ ናይ 10 ሽሕ መስረትቲ ኣባላት ፊርማ ክእክቡ ዝድንግግ ዓንቀጽ ብፍላይ ንኸምኦም ዝበሉ ነባራትን ኣብ መረጻ ብምስታፍ ተሞክሮ ዘለዎምን ውድባት ፖለቲካ፡ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ክነቕፉን ክካትዑን ጸኒሖም'ዮም።
ፕሮፌሰር መረራ ጉዲናን ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስን፡ እቶም ምስ ነባራት መሪሕነት ኢህወዴግ ተኻቲዖም ዘትረፍዎም ዓንቀጻት ኣብዚ ሓድሽ ኣዋጅ ተመሊሶም ምጽዳቖም ይኹንኑ።
ፕሮፌሰር መረራ ክንድቲ ዝተገለጸ ብዝሒ ዘለዎ ፌርማ ንምትእኽኻብ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ከምዝሓቶም ገሊጾምልና ነይሮም።
ፕሮፌሰር በየነ ብወገኖም፡ ነባር ውድቦም ከም ሓድሽ ክምዝገብ ክሕተት ከሎ ፍትሓዊ ብዘይምዃኑ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ሕጊ ክወስድዎ ይሓስቡ ምህላዎም ይዛረቡ።
ኣስታት 70 ውድባት ፖለቲካ፡ ኣብቲ ኣዋጅ ተቓውሞ ዋላኳ እንተስምዑ፡ ቦርድ መረጻ ግን ስራሕቱ ብዝጀመሮ መገዲ ይቕጽል ከምዘሎ ፕሮፌሰር በየነ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ እቲ ቦርድ ገደብ መዓልቲ ከንብር ብምዃኑ፡ ቅድመ ኩነት ኣማሊኦም ክቕርቡ ከምዝሓተቶም ወሲኾም የረድኡ።
"ድሕረት ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ምስ መንግስቲ እናተኻሰስካ ምውዓል ናብ ዝኾነ ዘብጽሕ ኣይኮነን። ቂም ክቛጽሩ'ዮም፤ ኣብ ቀጻልቲ ስራሕትና'ውን ጸገም ክፈጥረልና እዩ" ኢሎም።
እቲ ቦርድ ብተግባር ይፍጽሞም ካብ ዘሎ ተግባራት ብምብጋስ ድማ፡ ንፓርቲታት ካብ ጸዋታ ወጻኢ ናይ ምግባር ድልየት ከምዘለዎ እምነቶም ይገልጹ።
ነቲ ኣዋጅ እንተተቓወሙ'ኳ ምምዝጋቦም ግድን ስለዝኾነ ግን በቢጨንፈራቶም ፊርማ ኣባላቶም ከተኣኻኽቡ ምጅማሮም ፐሮፌሰር መረራ ሓቢሮም።
ንጥርዓኖም ክስምዕ ዝኽእል ኣካል ከምዝሰኣኑ ብምግላጽ፡ ከምቲ ዝድለይ ዘሎ 'ዓቕሚ ስለዝሰኣኑ ገዲፎምዎ' ንከይበሃሉ መታን፡ ክንዲ ዝከኣሎም ይሰርሑ ምህላዎም ኣዘኻኺሮም።
"ከም ግምተይ እንተኾይኑ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ወድኡ ዝብል ገደብ ክወሃብ ይኽእል'ዩ። ቦርድ መረጻ ኣብዚ ሕዚ እዋን የርእዮ ካብ ዘሎ ዘይግቡእ ባህርያት ብምብጋስ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ወድኡ ክብል'ውን ይኽእል" ክብሉ ይዛረቡ።
ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም፡ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ብዘቐመጦ መገዲ ተገዲዶም ንምዝገባ ምንቅስቓስ ከምዝጀመሩ ይገልጹ።
"ተገዲድና ናብዚ ኣቲናለና፤ ተቓውሞና ግን ክቕጽል'ዩ" ዝብሉ ፕሮፌሰር መረራ፡ "እቲ ተሓሲቡ ዘሎ ንዓና ካብ ጸዋታ ወጻኢ ምግባር ስለዝኾነ ካብ መረጻ ወጻኢ ንከይንኸውን ክንሰርሕ ኢና" ኢሎም።
ክልቲኦም መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ብዘይካ ኣብቲ ንምዝገባ ዝምልከት ዓንቀጽ፡ ኣብ መረጻ ዝሳተፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንዝምልከት ዓንቀጽ'ውን ይኹንንዎ እዮም።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ መረጻ ክወዳደሩ እንተኾይኖም፡ ካብ ስራሕ ክለቁ ዝድንግግ ዓንቀጽ ናይቲ ኣዋጅ "ብጣዕሚ ነውሪ'ዩ" ክብሉ ፕሮፌሰር መረራ ይገልጽዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







