ሜጀር ጀኔራል ክንፈ ዳኘው ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Getachew aregawi
ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግን ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።
እቶም ጀኔራል፡ ምስ ካልኦት 7 ጥርጡራት እዮም ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፌደራል ቀሪቦም።
"መሃያይ ውሑድ ስለዝኾነ፡ ቤት ፍርዲ ጠበቓ ክቖፅረለይ እሓትት" ክብሉ ድማ ንቤት ፍርዲ ተማሕፂኖም።
ንሶም ናይ ጡረታ መሃያኦም 4000 ብር ጥራሕ ምዃኑ ብምግላጽ እዮም ቤት ፍርዲ ጠበቓ ክቖፅረሎም ሓቲቶም።
ብገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ምስኦም ናብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝቐረቡ፡ ሓው እቶም ጀኔራል ኣይተ ኢሳይያስ ዳኘውን፡ ነባር ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ፡ ፍፁም የሺጥላን ይርከብዎም።
ኣይተ ኢሳያስ ዳኘው እውን ብተመሳሳሊ፡ ብገንዘቦም ጠበቓ ክቖፅሩ ከምዘይክእሉ ብምግላፅ መንግስቲ ጠበቓ ክቖፅረሎም ሓቲቶም።
ቤት ፍርዲ፡ ንሕቶኦም ተቐቢሉ ንፅባሕ ሓሙስ ቆፀራ ሂቡ'ሎ።
ኣብ ናይ ፅባሕ ውዕሎ፡ ነቶም ጥርጡራት ክሶም ክንበበሎም ምዃኑ'ውን ተገሊፁ።
ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ብኸመይ ተታሒዞም?
ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ትማሊ ኣብ ቀይዲ ምስኣተዉ፡ ንኣተሳስረኦም ብዝምልከት ክልተ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ክዝረብ ጸኒሑ'ሎ።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ኢቢሲን ኤፍ ቢሲን፡ እቶም ጀነራል፡ ብሑመራ ገይሮም ካብ ሃገር ክወጽኡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከምዝተታሕዙ ይገልፃ።
ናይ ዓይኒ ምስክር ኣመሓዳሪ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣይተ ገብረገርግስ ሃይሉ ግን ሰኑይ ምሸት ሰዓት 3:30 ኣብ ስራሕ ውዒሎም ብናፃ እናተወሳወሱ፡ ትድለዩ ኣለኹም ተባሂሎም ከምዝተታሕዙን ንፅባሒቱ ንመቐለ ክምለሱ መደብ ከምዝነበሮምን ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኤፍቢሲ ንላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ግን፡ እቶም ተጠርጣሪ ሜጀር ጀነራል ኣብ ብምዕራባዊ ዞባ ትግራይ፡ ባዕኸር ብዝተበሃለ ከባቢ ኣቢሎም ካብ ሃገር ክወፁ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ፍሉይ ፖሊስ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዘውዓሎምን፡ ናብ ኣባላት ፀጥታ ፌደራል ከም ዘረከቦምን እዩ ዝሕብር።
ሜጀር ጀኔራል ክንፈ ዳኘው መን እዮም?
ተጋዳላይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝነበሩ እዞም ጀኔራል፡ ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግን (ሜቴክ) ኮይኖም ክሰርሑ ጸኒሖም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብወለንተኦም ካብ መዝነቶም ለቒቖም።
ኣብ ክንደኦም፡ ዶክተር በቀለ ቡላዶ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኮርፖሬሽን ኮይኖም ድማ ተሸይሞም።
ክሲ ግዕዝይናን ሜቴክን
ብገበን ግዕዝይና ዝተጠርጠሩ 27 ሰራሕተኛታት ሜቴክ፡ ቅድም ክብል ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ዝዝከር እዩ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ኣብ ኮርፖሬሽን ሓፂነ መፂንን ኢንጅነሪንግን ኢትዮጵያ (ሜቴክ) ናይ 37 ቢልዮን ብር ዕድጊት ብዘይ ጨረታ ተፈፂሙ ክብል ይኸስስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







