መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ህዝቢ ፀጥታን ድሕነትን ከባቢኡ ነቒሑ ንክሕሉ ኣተሓሳሲቡ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAI COMMUNICATION OFFICE/ FB
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግልፂ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብፌዴራል መንግስቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር ዘነፃፀረ ከይኸውን ኣጠንቂቑ። ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ወፅዓን ጭቆናን ከምዘይቕበል ብምግላፅ፡ ፀጥታን ድሕነትን ከባቢኡ ነቒሑ ንክሕሉ'ውን ኣተሓሳሲቡ።
ላዕለዋይ ዓቃበ ሕጊ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ምስ ሙስናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተኣሳሲሩ፡ ሓለፍቲን ሰራሕተኛታትን ትካል ሜቴክን ግልጋሎት ሃገራዊ ድሕንነትን ኣስታት 63 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ብምዃኖም ሕቶ እንትኸውን፡ ትማሊ ድማ ሓላፊ ነበር ሜቴክ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ብሰፊሑ ከዘራረብ ውዒሉ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብዚ መግለፂኡ፡ ብፌደራል መንግስቲ ዝውሰድ ዘለዉ ስጉምትታ፡ ቀዲሞም ብብርኪ ኢህወዴግ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝተዘተየሎም ምዃኑ ገሊፁ።
ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝተፈፀመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጥሕሰት ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብማዕረ ኣገባብ፡ ልዕልነት ሕጊ ብዘረጋግፅን ኣብ መረዳእታን መርትዖን ተመስሪቱ ክረኣ ከምዘለዎ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ከምዝነበረ'ውን ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ግዕዝይና፣ ምጉዳል ፍትሕን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ንሓደ ከባቢ ወይ ብሄር ብዝተፈላለየ ዘጥቅዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘምስል በሰር እዉን ከይረአ ከምዝቃለስ ብምግላፅ፡ "ብሓፈሻ ድማ ብሃገር ዝነበረን ዘሎን ድኽመታት ናይ ኩሉ ኣመራርሓ፣ መንግስትን ውድብን ሽግር 'ምበር ናይ ሓደ ከባቢን ህዝብን ፀገም ኣይኮነን" ይብል።
እቲ ዝንባለ፡ ከም ገዛኢ ውድብን ከም መንግስትን ከምዝቃለሶ ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ'ውን ብዝግበሩ ሽርሕታት ከይተንበረከኸ፡ ንዝመፅእ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ንክብል አተሓሳሲቡ።
"ሕዚ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ስግኣትን ጥርጣረን ዝፈጥርን ዝኾነ ብሄር ብፍሉይ ዝጥቀዐሉን ከይኾን፣ ብኣዝዩ ዝለዓለ ሓላፍነትን ጥንቃቐን መስመር ክሕዝ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ምስ ዴሞክራስያውያን ሓይልታትን ከምቲ ልሙድ ናይ ቃልሲ ሓድነትካ ኣደልዲልካ ክትቃለስ ይፅውዕ" ይብል መደምደምታ እቲ መግለፂ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







