ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣቕሪቦም

ኣብ ትግራይ፡ ከተማ መቐለ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ዕጡቓት ሚሊሻን ወተሃደራዊ ምርኢት ኣካይዶም።
ኣብ’ቲ ምርኢት፡ ቀሊልን ከቢድን ብረት ዝተሓንገጡ ሓይልታት ፍሉይ ሓይልን ህዝባዊ ምልሻን ተሳቲፎም ኣለዉ።
እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ጎደናታት መቐለ ብሰልፊ ክጓዓዙን ኣብ ስታድዮም ትግራይ ድማ ተኣኪቦምን ተራእዮም።
እቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ: ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ’ውን ከምዝተገበረ ይግለጽ።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ፡ "ዕላማ እቲ ምርኢት መኸተ ወትሩ ድልውነት እዩ" ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ትግራይ ድማ፡ ኣብ ፌስቡኩ “ንሰላምና ክብሃል ዝኽፈል ዋጋ ክንከፍል ወትሩ ድሉዋት ኢና” ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ።
“ንዝኾነ ህዝቢ ውሕስና ሰላሙ ውሽጣዊ ዓቕምታቱ ምበር ናይ ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ ሓይሊ ድጋፍን ሓልዮትን ኮይኑ ኣይፈልጥን!” ድማ ኢሉ።

ወጥርን ምትፍናንን
ዕላማ ናይ’ቲ ወተሃደራዊ ምርኢት እንታይ ከምዝኾነ’ኳ እንተዘይነጸረ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ ወገን ፌደራል መንግስቲ ይበጽሓኒ’ሎ ንዝብሎ ተጻብኦታት ንምምካት ድልው ምዃኑ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ምትፍናን ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓረገ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት፡ ናይ ሓይሊ ጎንጺ ከየጋጥም’ውን ክስጋእ ጸኒሑ እዩ።
በፍላይ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክልላዊ መረጻ ኣብ እዋኑ ከካይድ እየ ምባሉ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ወጥሪ ዘጋድዶ ዘሎ እዩ ዝመስል።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን “ንትግራይ ክትወግእ ሓሳብ ኣለካ ድዩ?” ተባሂሉ ዝተሓተተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ “እዚ ናይ ዕብዳን ዘረባ’ዩ … መን ንመን እዩ ክወግእ?” ብዝብል ንሱ ይኹን እቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ሃቐነ ከም ዘይብሎም ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እዚ ምላሹ ንመንግስቲ ትግራይ ዘዕገበ ኣይመስልን።
መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ህዝብን መንግስትን ትግራይ 'መረፃ ክነካይድ ኢና' ስለ ዝበሉ ጥራሕ 'ተዳልየ ኣለኹ ኣዴታት ተጠንቀቓ፣ ደም መናእሰይ ክፈስስ እዩ፣ መሰረተ ልምዓት ክዓኒ እዩ' ብምባል ኣብ ኣደባባይ ተጠሊዑ ፈኪሩ እዩ" ብምባል'ውን ንመንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ከሲሱ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Tigray Security and Admn/FB
መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ'ቲ መግለጺኡ፡ “ዝኣኽለንያ ጥሒነንስ በኣለማርያም ይብላ" ክብል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ “ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን እዚ 'ጉጅለ' ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ብምእዋጁ ልዕሊ 120 ሸሕ ትግራዋይ ብመንነቱ ተመዛቢሉ፣ ጀጋኑ ክልተ ምዕራፍ ዝኾኑ ጀነራላቱ ተቐንፂሎም፣ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ድማ ግዳይ ማእሰርቲ ኮይኖም እዮም” ኢሉ።
ወሲኹ ድማ "ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓት ምርግጋፅ ዘይእንታዮም ጎበጥቲ ሓይልታት ከም ልማዶም ዕድመ መንበረ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዘይናቶም መሬት ብነፍጢ ንምውራር ቀትሪ ምድሪ ሕንኽ ከይበሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ኣዊጆም ኣለው" ምባሉ ዝዝከር እዩ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







